ካብ መዛግብትና
‘ተጠማቲት ከም ዝኸውን ገበረኒ’
ሻርሎት ዋይት ዝስማ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺት፡ ኣብ ልዊቬል፡ ኬንታኪ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ መንኰርኰር ዘለዎ ባልጃ እናደፍአት ክትከይድ ከላ፡ ዓይኒ ብዙሓት ሰባት ስሒባ ነበረት።
እዋኑ ብ1908 እዩ ነይሩ፣ ሓብትና ዋይት ሓድሽ ምህዞ፡ ማለት ዳውን ሞባይል ሒዛ ኽትከይድ ከላ፡ ኣቓልቦ ተቐማጦ እታ ኸተማ ሰሓበት። “ንሰባት የዘራርብ ነበረ፡ ንዓይ እውን ቍሩብ ተጠማቲት ገበረኒ” ድማ በለት።
ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጽውዑሉ ዝነበሩ እዩ)፡ ነቲ ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽናዕ ዝረኸብዎ ኽቡር ሓቅታት ንኻልኦት ኬካፍልዎም ከም ዘለዎም ተረድኡ። ብዙሓት ሰባት በተን ሚለንያል ዳውን (ደሓር ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ) ዚብሃላ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ኣቢሎም፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ፈሊጦም ነይሮም እዮም። እቶም ዓቕሞም ዚፈቕደሎም ክርስትያናት ከኣ፡ ብፍታው ናብ ከተማታትን ኣቝሻትን ገጠራትን እናኸዱ፡ ነተን ‘ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዛ’ መጻሕፍቲ ንህንጡያት ኣንበብቲ የበርክቱሎም ነበሩ።
ብ1908 ሓብትና ዋይት ኰነት ካልኦት ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንሽዱሽተ ጥራዝ እተን መጻሕፍቲ ብ1.65 ዶላር ኣመሪካ የበርክትዎ ነበሩ። ነቲ መጻሕፍቲ ሽዑ ንሽዑ ኣይኰኑን ዜበርክትዎ ነይሮም፣ የግዳስ፡ ካብቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት፡ ትእዛዝ ተቐቢሎም ይኸዱ፣ ድሕሪኡ፡ ካልእ መዓልቲ (መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ግዜ ደሞዝ) የምጽኡሎም፣ ንመሕተሚ እቲ መጻሕፍቲ ዚኸውን ሒደት ገንዘብ ከኣ የኽፍልዎም ነበሩ። ሓደ ተጻራሪ፡ ሰባት ነተን መጻሕፍቲ ምስ ተቐበልወን ዚህብዎ ውጽኢት ሒደት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ መጻሕፍቲ ኸም ዘይረብሕ ገይሩ ረኣዮ።
ማሊንዳ ኪፈር ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ሚእቲ ኽሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ትእዛዝ ትቕበል ከም ዝነበረት ትዝክር። ኰይኑ ግና፡ ሰባት ብዛዕባ እተን ዳውንስ ዚብሃላ መጻሕፍቲ ዝነበሮም ልዑል ተገዳስነት፡ ካልእ ጸገም እውን ኣምጺኡ እዩ። ከመይሲ፡ እታ ሻድሸይቲ ጥራዝ ጥራይ 740 ገጽ እዩ ነይርዋ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓምሳ መጻሕፍቲ፡ 18 ኪሎ ግራም እዩ ዚምዘን ነይሩ” በለት፣ እዚ ኸኣ ብፍላይ ንኣሓት “ኣመና ኸቢድ እዩ ነይሩ።”
ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ፡ ሓው ጄምስ ኮል፡ ክልተ ተዓጻፊ መንኰርኰር እተገጥመሉ ባልጃ መሃዘ። መጻሕፍቲ ዝመልአ ኸበድቲ ካርቶናት ካብ ምስካም ስለ ዝደሓነ ድማ፡ “እዛ እንግድዓይ ሕጂ ተገላጊላ” በለ። ነቲ ምህዞኡ ኸኣ ኣብቲ ብ1908 ኣብ ሲንሲናቲ፡ ኦሃዮ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕረቦ። እቲ ባልጃ ብጥራዛት ሚለኒያል ዳውን ዝመልአ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጫፍ እቲ ንጋድም እተዘርግሐ ነቲ ባልጃን ነቲ መንኰርኰርን ዜራኽብ ሓጺን፡ ዳውን ሞባይል ዚብል ስም ተጻሒፍዎ ነበረ። ድሕሪ እተወሰነ ምልምማድ ድማ፡ ነቲ ብብዙሕ መጻሕፍቲ ዝመልአ ባልጃ ብሓንቲ ኢድካ እናደፋእካ ምኻድ ቀሊል ኰነ። ንውሓቱ ኺንከ ወይ ኪውሰኽ ይከኣል ነበረ፣ ሓባጥ ጎባጥ ኣብ ዚበዝሖ ኸባቢ እውን ክትጥቀመሉ ይከኣል ነበረ። ድሕሪ ኣገልግሎት፡ ነቲ ጎማ ዓጺፍካ፡ ነቲ ባልጃ ድማ ብመንጠልጠሊኡ ሒዝካ ናብ ቤትካ ብእግሪ ወይ ብመጓዓዝያ ኪኽየድ ይከኣል ነበረ።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንዝነበራ ኣሓት፡ ዳውን ሞባይል ብናጻ ይወሃበን ነበረ። ዋጋኡ ግና፡ 2.50 ዶላር ኣመሪካ እዩ ነይሩ። እታ ኣብዚ ስእላ ዚርአ ዘሎ ሓብትና ኪፈር፡ ንኣጠቓቕማ እቲ ዳውን ሞባይል ኣጸቢቓ ስለ ዝመለኸቶ፡ ብሓደ ኢዳ ነቲ መጻሕፍቲ ዝመልአ ዳውን ሞባይል እናደፍአት፡ ብሓደ ኢዳ ኸኣ መጻሕፍቲ ዝመልአ ተወሳኺ ቦርሳ ሒዛ ትጐዓዝ ነበረት። ኣብ ሓንቲ ኣብ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እትርከብ መዐደኒ ዚርከበላ ኸተማ፡ ብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ስለ ዝረኸበት፡ ጽሑፋት ምእንቲ ኸተብጽሓሎም፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሳዕ ብድልድል ትኸይድ ነበረት።
ኣብ መወዳእታ 1980ታት ሓደ መራሕ ነፋሪት፡ ነቲ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ኣብ ከተማታትን ዚርአ ዘሎ፡ መንኰርኰር ዘለዎ ባልጃ መሃዘ። ኰይኑ ግና፡ ሚእቲ ዓመት ይገብር፡ ቀናኣት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዳውን ሞባይል ዚብሃል መንኰርኰር ዘለዎ ባልጃ እናደፍኡ ኽቡር ዘርኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዘርኡ ኸለዉ፡ ዓይኒ ብዙሓት ሰባት ስሒቦም ነይሮም እዮም።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሓብትና ኪፈር፡ ጽሑፋት ምእንቲ ኸተብጽሕ፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሳዕ ብድልድል ትኸይድ ነበረት
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ምስተን ዳውንስ ዚብሃላ መጻሕፍቲ ተተሓሒዙ እተላዕለ ጸገም፡ መፍትሒ ተረኽበሉ