ንየሱስ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧
ከም ሓደ ሕጻን፡ ከም ሓደ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ሰብ፡ ወይስ ከም ሓደ ልዑል ንጉስ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ሓያል ንጉስ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። እዚ ግና ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
ሓያሎ ሰባት፡ የሱስ ኣብ ክንዳኦም ከም ዝሞተ ይኣምኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ 2,000 ዓመት ይገብር እተፈጸመ ሞት ሓደ ሰብ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ሎሚ ንብዙሓት ኬድሕን ዚኽእል፧
ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንኽትሰምዕ ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ። እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኼብዕሉ ኣብ ዚእከቡሉ እዋን ኪቐርብ እዩ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እቲ ዝኽሪ፡ ሓሙስ 27 መጋቢት 2004 ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ ወይ 5 ሚያዝያ 2012 ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ እዩ ዚውዕል።
እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ንምፍላጥ፡ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወከሶም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድሕሪ እቲ ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብ ዘላ ሰንበት፡ “መወዳእታ ኻብቲ እትሓስብዎ ንላዕሊ ቐሪቡ ድዩ፧” ዘርእስቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዚምስጥ መደረ ኬቕርቡ እዮም። እዚ መደረ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ንዅሎም እቶም ንሓቂ ዜፍቅሩን ብዛዕባ የሱስ ብዝያዳ ኺፈልጡ ዚደልዩን ሰባት ንምርካብ ተባሂሉ ብደረጃ ዓለምለኸ ዚግበር ጕሉሕ ጻዕሪ እዩ። ንስኻ እውን ናብዚ ኣኼባ እዚ ተዓዲምካ ኣለኻ።