ንኣምላኽ ቅረቦ
‘ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ተቐመጠ’
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ የልቦን” ይብል። (ዮሃንስ 1:18) ትርኢት ኣምላኽ ኣዝዩ ዜደንቕ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ስጋን ደምን እተሃንጸ ፍጡር ንዕኡ ርእዩ ብህይወት ኪቕጽል ኣይክእልን እዩ። (ዘጸኣት 33:20) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሒደት ሰባት፡ ሰማያዊ ራእይ ከም ዚርእዩ ገይሩ ነይሩ እዩ። ሓደ ኻባታቶም፡ ነብዪ ዳንኤል እዩ። እቲ ዝረኣዮ ነገራት፡ ንዕኡ ዀነ ንዓና፡ ንኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዚህልወና እዩ ዚገብር። ዳንኤል ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ንርአ።a—ዳንኤል 7:9, 10 ኣንብብ።
“ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ።” እዛ ዳንኤል ጥራይ እተጠቕመላ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” እትብል መዓርግ፡ “ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ” እያ እተመልክት። (ዳንኤል 7:9, 13, 22) የሆዋ ኽንደይ እዩ ዕድሚኡ፧ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ስለ ዝዀነ፡ ህልውና ኣምላኽ ናብ ሕሉፍ ኰነ ናብ መጻኢ ገጹ፡ ንዘለኣለም እዩ ዚዝርጋሕ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ ይሁዳ 25) መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ምስ ዕድመ ስለ ዜተሓሕዞ፡ ዘለኣለምነት ኣምላኽ፡ ብጥበብ መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ እዩ ዜረጋግጸልና። (እዮብ 12:12) ሓቂ እዩ፡ እቲ ድሩት ኣእምሮና፡ ነቲ ዘለኣለምነት ዚብልዎ ሓሳብ ከይርድኦ ይኽእል እዩ። ብሱሩኸ ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበበኛ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣና ኽንጽበ ኣሎናዶ፧—ሮሜ 11:33, 34።
እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኸም ‘እተቐመጠ’ ኣስተብህል። ንምንታይ ዕላማ እዩ ተቐሚጡ፧ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ኣብ ዚርከብ ሓሳባት፡ “ፍርዲ” ዚብል ቃል ስለ ዚርከብ፡ እዚ ገለ ኣፋፍኖት ይህበና እዩ። (ዳንኤል 7:10, 22, 26) ስለዚ፡ የሆዋ ኣብቲ ራእይ፡ ከም ፈራዲ ዀይኑ እዩ ተቐሚጡ ነይሩ። ንመን ኪፈርድ እዩ ተቐሚጡ፧ ነቶም ኣብቲ ዳንኤል ኣቐዲሙ ዝረኣዮም ከም ኣራዊት ጌርካ ተገሊጾም ዘለዉ ኣህዛብ ምድሪ ኺፈርዶም እዩ ተቐሚጡ።b (ዳንኤል 7:1-8) የሆዋ እንታይ ዓይነት ፈራዲ እዩ፧
“ክዳውንቱ ጻዕዳ ኸም በረድ፡ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ።” ጻዕዳ፡ ምልክት ጽድቅን ጽሬትን እዩ። ጸምሪ ብተፈጥሮኡ ጻዕዳ ሕብሪ እዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ ከም ጸምሪ ዝሕብሩ ጸጕሪ ርእሲ፡ ጻዕዳ እዩ ማለት እዩ። እሞኸ ነቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኽኢልካዶ፧ ክዳውንቱ ጻዕዳ ኸም በረድ፡ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ ዝዀነ ፈራዲ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትርኢ ኽኢልካዶ፧ እዚ ስእላዊ ዘረባ እዚ፡ ፍርዲ የሆዋ ጽድቃውን ጥበብ ዝመልኦን ምዃኑ እዩ ዜረጋግጸልና። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉን ከነኽብሮን ዚግብኣና ፈራዲ እዩ።
የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉን ከነኽብሮን ዚግብኣና ፈራዲ እዩ
“ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፡ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።” እዞም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ኣገልገልቲ እንታዎት እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ፡ ‘ኣገልገልቲ ኣምላኽ’ ከም ዝዀኑ ገይሩ ይገልጾም እዩ። (መዝሙር 104:4) እዞም ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ የሆዋ፡ ‘ንድምጺ ቓልን ንፍቓድን ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም’ ትሑዛት እዮም። (መዝሙር 103:20, 21) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጥበብ ኣምላኽ ዜራጕድ ተወሳኺ መርትዖ ደይኰነን፧ የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ዓብዪ ሰማያዊ ሰራዊት ንማእለያ ዘይብሉ እዋናት ብእተወደበ መገዲ ኺመርሕን ብስራሕ ትሑዝ ኪገብርን ዚኽእል መን እዩ፧
ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ በቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ የሆዋ ኸም እንተኣማመን እዩ ዚገብረና። ፍርዲ የሆዋ ጽድቃዊ እዩ፣ ጥበቡ ኸኣ ዜተኣማምን እዩ። ናብዚ ጥበበኛ ኣምላኽ እዚ ብኸመይ ክትቀርብ ከም እትኽእል ንምንታይ ዘይትምሃር፧
a ዳንኤል ቃል ብቓሉ ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። የግዳስ፡ ኣምላኽ ንዳንኤል፡ ኣብ ኣእምሮኡ ንጹር ምስሊ እዩ ቐሪጹሉ። ድሕሪኡ፡ ዳንኤል ነቲ ዝረኣዮ ነገራት ኪገልጾ ኸሎ፡ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጠቕመ፣ ንኣምላኽ ከኣ ብሰብኣዊ መገዲ ገይሩ ገለጾ። ከምዚ ዝበለ ስእላዊ ዘረባ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ምርዳእ ንኺህልወና ዚሕግዝ ደኣ እምበር፡ ቃል ብቓሉ ዚውሰድ ኣይኰነን።