ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/8 ገጽ 6
  • ኣምላኽ የጸናንዓካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ የጸናንዓካ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ካበይ ክርከብ ይከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ‘ንዅሎም ሕዙናት ኣጸናንዓዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/8 ገጽ 6

ገበር | ኣምላኽ ይግደሰልካ ድዩ፧

ኣምላኽ የጸናንዓካ

“እቲ ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ . . . ኣጸናንዓና።” —2 ቈረንቶስ 7:6።

ሓንቲ ጐርዞ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከላ

“ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ።”—ገላትያ 2:20

ገሊኦም ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧ ገሊኦም ሰባት፡ መጸናንዒ ኼድልዮም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያቶም ኢዱ ኣእትዩ ጸገማቶም ምእንቲ ኺጻወርዎ ንኺሕግዞም ምሕታት፡ ርእስኻ ምፍታው ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ረይከል ዝስማ ሰበይቲ፡ “ኣብ ዓለም ማእለያ ዘይብሎም ሰባት፡ ከቢድ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ኺርኢ ኸለኹ፡ ጸገማተይ ምስ ጸገማቶም ኪነጻጸር ከሎ ዘይረብሕ ከም ዝዀነ ስለ ዚስምዓኒ፡ ንኣምላኽ ንኺሕግዘኒ ምሕታቱ የሰክፈኒ እዩ” በለት።

ቃል ኣምላኽ እንታይ ይምህር፧ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺሕግዝን ምእንቲ ኼጸናንዕን፡ ብዜደንቕ መገዲ ድሮ ኢዱ ኣእትዩ እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብ ሓጢኣት ወሪሱ እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ምሉእ ብምሉእ ኬማልኦ ዚኽእል ሰብ የለን። ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ኣፍቂሩናን ንሓጢኣትና ኸም ዜተዓርቕ መስዋእቲ ገይሩ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ሰዲዱልናን እዩ።’ (1 ዮሃንስ 4:10) እወ፡ ሓጢኣትና ይቕረ ንኺብሃለልናን ጽሩይ ሕልና ንኺህልወናን ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክንነብር ተስፋ ንኺህልወናን ብመስዋእታዊ ሞት የሱስ ኣቢሉ መገዲ ኸፊቱልና እዩ።a ግናኸ፡ እቲ መስዋእቲ እቲ ንዘርኢ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ጥራይ እተገብረ ድዩ፡ ወይስ ብብሕቲ ኣምላኽ ከም ዚግደሰልካ ዜንጸባርቕ እዩ፧

ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ እሞ ንርአ። ንሱ ብመስዋእቲ የሱስ ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ፡ “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ [ዝነብር] ዘለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 2:20) የሱስ ዝሞተ፡ ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ እኳ እንተ ዀነ፡ ጳውሎስ ንመስዋእቲ የሱስ ንዕኡ ብብሕቲ እተዋህቦ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ርእይዎ።

መስዋእታዊ ሞት የሱስ፡ ንዓኻ ብብሕቲ እተዋህበካ ውህበት ኣምላኽ እዩ። እቲ ውህበት እቲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ምዃንካ ዚሕብር እዩ። “ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን” ብምሃብ ከኣ፡ ‘ብዅሉ ሰናይ ግብርን ብቓልን ኬበርትዓካ’ እዩ።—2 ተሰሎንቄ 2:16, 17።

ይኹን እምበር፡ የሱስ ንህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ኻብ ዜቕርባ፡ ዳርጋ 2,000 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ሎሚ ኣምላኽ ኪቐርበካ ኸም ዚደሊ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

a ብዛዕባ መስዋእቲ የሱስ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ