ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/7 ገጽ 15
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ እንጌራ ንምድላው ኣድላዪ ዝዀነ መጥሓን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/7 ገጽ 15

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ ጥንቲ፡ መጥሓን ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

መጥሓን፡ እኽሊ ንምጥሓን ይጠቅም ነበረ፣ በዚ መገዲ እዚ ድማ እንጌራ ንምድላው ዜድሊ ሓርጭ ኪርከብ ይከኣል። ኣብ መብዛሕትኡ ኣባይቲ፡ መጥሓን፡ ኣንስቲ ወይ ባሮት ኣብ መመዓልቲ ዚጥቀማሉ መሳርሒ እዩ ነይሩ። ድምጺ ምጥሓን እኽሊ ምስቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ መዓልታዊ ናብራ ብምትሕሓዝ ይግለጽ ነበረ።—ዘጸኣት 11:5፣ ኤርምያስ 25:10።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ መጥሓን ክትጥሕን ከላ ዜርኢ ናይ ግብጺ ኢደ ስራሓት

ስእልታትን ሓወልትታትን ጥንታዊት ግብጺ ንመስርሕ ምጥሓን እኽሊ የርኢ እዩ። እቲ እኽሊ፡ ኣብ ዝባን እቲ ቝሩብ ጕድጕድ ዝበለ ጸፊሕ እምኒ ይቕመጥ ነበረ። እቲ ዚጥሕን ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጥሓን ተደቢሩ፡ ነቲ መዲድ ብኽልተ ኢዱ ብምሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸፊሕ መጥሓን ከኣ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ብምንቅስቓስ፡ ነቲ እኽሊ ይጥሕኖ ነበረ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መዲድ ካብ 2 ኽሳዕ 4 ኪሎ ግራም ኣቢሉ እዩ ዚምዘን ነይሩ። ከምዚ ዓይነት እምኒ፡ ከም መሳርያ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ቀታሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መሳፍንቲ 9:50-54።

እኽሊ ምጥሓን ንመነባብሮ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምንባሩ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕጊ፡ ንመጥሓን ከም ትሕጃ ምውሳድ ይኽልክል ነበረ። ዘዳግም 24፡6 “ሰብ መጥሓንን መዲድን፡ ንሱ ነፍሲ እዩ ዚሕዝ ዘሎ እሞ፡ ንታሕዚ ኣይውሰዶ” ብምባል ትገልጽ።

እታ “ሕቝፊ” እትብል ቃል ንምንታይ እያ እተመልክት፧

ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብታ ናይ መወዳእታ በዓል ፋስጋ ኣብ ሕቝፊ የሱስ ተቐሚጡ ኸሎ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ “ኣብ ሕቝፊ ኣቦ” ኸም ዘሎ ይገልጽ እዩ። (ዮሃንስ 1:18) እዛ መግለጺት እዚኣ፡ ነቲ የሱስ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ምቅርራብን ኣብ ቅድሚኡ ዘለዎ ሞገስን እያ እተመልክት። እዘን ቃላት እዚአን፡ ነቲ ኣይሁዳውያን ንመኣዲ ኪቕረቡ ኸለዉ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ልምዲ ዚእምታ እየን።

ብግዜ የሱስ፡ ኣይሁዳውያን ኣብ ዙርያ እቲ መመገቢ ጣውላ፡ ኣብ እተዳለወ ዓራት ብጐቦ ዀይኖም ይቕመጡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ መኣዲ እተቐረበ ሰብ፡ ርእሱ ናብቲ ጣውላ ዝቐረበ ኪኸውን ከሎ፡ ኣእጋሩ ግና ካብቲ ጣውላ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ፣ ብጸጋማይ ኵርናዕ ኢዱ ኸኣ ኣብቲ ዓራት ይድገፍ ነበረ። እዚ ኣቀማምጣ እዚ፡ የማነይቲ ኢዱ ናጻ ኸም እትኸውን ዚገብር እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ መኣዲ እተቐረቡ፡ ሓደ ኣብ ጐድኒ እቲ ሓደ ዀይኖም ብጸጋማይ ጐድኖም ይቕመጡ ስለ ዝነበሩ፡ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ርእሲ ሓደ ሰብ ኣብ ጥቓ ኣፍ ልቢ እቲ ብድሕሪኡ እተቐመጠ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ‘ሕቝፊ’ እቲ ኻልእ ሰብ ከም ዘሎ ጌርካ ይግለጽ ነበረ” በለ።

ኣብ ሕቝፊ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ወይ ዓዳሚ ድግስ ምቕማጥ፡ ከም ፍሉይ ክብሪ ወይ መሰል ጌርካ ይርአ ነበረ። ስለዚ ድማ እዩ፡ እቲ “የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” እተባህለ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ኣብታ የሱስ ዘብዓላ ናይ መወዳእታ በዓል ፋስጋ፡ ኣብ ሕቝፊ የሱስ እተቐመጠ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ዮሃንስ፡ ኪሓትቶ ኢሉ ‘ናብ ኣፍ ልቢ የሱስ ኪጽጋዕ’ ይኽእል ነበረ።—ዮሃንስ 13:23-25፣ 21:20።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ