ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ታሕሳስ ገጽ 14-ገጽ 15 ሕ.ጽ. 8
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥበባዊ ምርጫታት ብምግባር ንርስትኻ ሓልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ያእቆብ ውርሲ ወረሰ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ታሕሳስ ገጽ 14-ገጽ 15 ሕ.ጽ. 8
ያእቆብ ንብዅርና ኤሳው ይዕድጎ

ያእቆብ ኣቦሓጎ እቲ መሲሕ ዝዀነ ንብዅርና ኤሳው ስለ ዝዓደጎ ድዩ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እቲ ናብ መሲሕ ዚመርሕ መስመር ወለዶ ምስ መሰል ብዅርና ምትእስሳር ነይርዎ ድዩ፧

ኣብ ገሊኡ እዋናት ምስዚ ዚሰማማዕ ሓሳባት ሂብና ኔርና ኢና። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ እብራውያን 12:16 እነንብቦ ሓሳባት ዚሰማማዕ እዩ ዚመስል ነይሩ። እታ ጥቕሲ፡ ኤሳው፡ ‘ንቕዱስ ነገራት ከም ዝነዓቐ’ ኸምኡ ድማ ‘ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ [ንያእቆብ] ከም ዝሸጠ’ ትገልጽ። እዚ ድማ ያእቆብ ኣቦሓጎ እቲ መሲሕ ኪኸውን ዝበቕዐ፡ ‘ብዅርና’ ምስ ረኸበ ኸም ዝዀነ እዩ ዚሕብር ነይሩ።—ማቴ. 1:2, 16፣ ሉቃ. 3:23, 34።

ንጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ምስ እንምርምሮ ግና፡ ሓደ ሰብ ኣቦሓጎ እቲ መሲሕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ግድን በዅሪ ወዲ ኪኸውን ከም ዘየድልዮ እዩ ዚሕብረና። ንገለ ኻብቲ መርትዖታት እስከ ንመርምሮ፦

ካብ ደቂ ያእቆብ (እስራኤል)፡ እቲ ኻብ ልያ እተወልደ ሮቤል እዩ በዅሪ ነይሩ። ካብታ ያእቆብ ዝፈትዋ ሰበይቱ ራሄል ካብ እተወልዱ ደቂ ኸኣ፡ ዮሴፍ እዩ በዅሪ ነይሩ። ሮቤል ጾታዊ ርኽሰት ምስ ፈጸመ ድማ፡ መሰል ብዅርና ናብ ዮሴፍ ተመሓላለፈ። (ዘፍ. 29:31-35፣ 30:22-25፣ 35:22-26፣ 49:22-26፣ 1 ዜና 5:1, 2) ይኹን እምበር፡ እቲ መሲሕ ብመስመር ወለዶ ሮቤል ወይ ዮሴፍ ኣይኰነን መጺኡ። በቲ ያእቆብ ካብ ልያ ዝወለዶ ራብዓይ ወዲ ዝነበረ ይሁዳ ኣቢሉ እዩ መጺኡ።—ዘፍ. 49:10።

ኣብ ሉቃስ 3:32፡ ዝርዝር እቶም ናብቲ መሲሕ ኣብ ዚመርሕ መስመር ወለዶ እቱዋት ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ይርከብ። ነፍሲ ወከፎም ድማ በዅራት ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ቦኣዝ ንዖቤድ ወሊዱ፣ ዖቤድ ከኣ ንእሰይ።—ሩት 4:17, 20-22፣ 1 ዜና 2:10-12።

ግናኸ፡ እቲ ወዲ እሰይ ዝዀነ ዳዊት፡ በዅሪ ኣይነበረን። ካብቶም ሸሞንተ ኣወዳት፡ እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ መሲሕ ብመስመር ወለዶ ዳዊት ኣቢሉ እዩ መጺኡ። (1 ሳሙ. 16:10, 11፣ 17:12፣ ማቴ. 1:5, 6) ብተመሳሳሊ፡ ሰሎሞን በዅሪ ዳዊት እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብቲ መስመር ወለዶ ግና እቱው ኰነ።—2 ሳሙ. 3:2-5።

እዚ ግና በዅሪ ምዃን ኣገዳስነት ኣይነበሮን ንምባል ኣይኰነን። በዅሪ ወዲ ኽቡር ቦታ እዩ ነይርዎ፣ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ እቲ ቐጺሉ ርእሲ እታ ስድራ ቤት ዚኸውን ንሱ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ዕጽፊ ጥሪት እዩ ዚወርስ ነይሩ።—ዘፍ. 43:33፣ ዘዳ. 21:17፣ እያ. 17:1።

ግናኸ፡ መሰል ብዅርና ናብ ካልእ ኪመሓላለፍ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብርሃም ንእስማኤል ሰዲዱ፡ ነቲ ብዅርና ናብ ይስሃቅ ኣመሓላለፎ። (ዘፍ. 21:14-21; 22:2) ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ ድማ፡ ብዅርና ሮቤል ናብ ዮሴፍ ተመሓላሊፉ እዩ።

ሕጂ ናብ እብራውያን 12:16 እስከ ንመለስ፣ “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ከይከውን ድማ ተጠንቀቑ” ትብል። እዚ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፍ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ወለዶ እቲ መሲሕ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ንክርስትያናት ‘ንኣእጋሮም ትኽ ዝበለ መገዲ ኺገብሩ’ ተማሕጺንዎም እዩ። በዚ ኸኣ ‘ጸጋ ኣምላኽ ኣይስእኑን፣’ ምንዝርና እንተ ፈጺሞም ግና ኪስእንዎ ይኽእሉ ነበሩ። (እብ. 12:12-16) ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ከም ኤሳው እዮም ዚዀኑ። ከመይሲ፡ ‘ንቕዱስ ነገራት ንዒቑን’ ብስጋዊ ነገራት ተሰኒፉን እዩ።

ኤሳው ብዘመነ ኣበው ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ሓሓሊፉ መስዋእቲ ናይ ምቕራብ መሰል ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 8:20, 21፣ 12:7, 8፣ እዮ. 1:4, 5) ስጋዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ግና ንዅሉ እቲ ብብዅርናኡ ረኺብዎ ዝነበረ መሰላት ብሒደት ጸብሒ ሸጦ። ካብቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኣብ ዘርኢ ኣብርሃም ዚወርድ መከራ ኼምልጥ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 15:13) ኤሳው ነተን ንወለዱ ዘጕሃያ ኽልተ ኣረማውያን ኣንስቲ ብምምርዓዉ፡ ንቕዱስ ነገራት ከም ዚንዕቕን ስጋዊ ዝንባለ ኸም ዝነበሮን ኣርኣየ። (ዘፍ. 26:34, 35) ምስ ሓዉ ያእቆብሲ ኸመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን እዩ ነይርዎም። ምኽንያቱ፡ ያእቆብ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተምልኽ ሰበይቲ ኺምርዖ ወሲኑ ነበረ።—ዘፍ. 28:6, 7፣ 29:10-12, 18።

ማርያምን ዮሴፍን ኣብ ጥቓ እቲ ሕጻን የሱስ ዝደቀሰሉ መብልዕ ማል ኰይኖም

እምበኣር፡ ናብቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ዚመርሕ መስመር ወለዶ ብዚምልከት ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ መስመር ወለዶ እዚ በቲ በዅሪ ወዲ ኣቢሉ ይሓልፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ኵላ ሳዕ ግና ኣይኰነን። ኣይሁድ ነዚ ተረዲኦምዎን ተቐቢሎምዎን ነበሩ፣ ከመይሲ፡ ክርስቶስ ብመስመር ወለዶ እቲ ናይ መወዳእታ ወዲ እሰይ ዝዀነ ዳዊት ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ተኣሚኖም ነበሩ።—ማቴ. 22:42።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ