ካብ መዛግብትና
ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ኣብ ፖርቱጋል ብኸመይ ከም እተዘርአ
እታ መርከብ ብማዕበል ኣትላንቲክ እናተደፍአት ጕዕዞኣ ናብ ኤውሮጳ ከተምርሕ ከላ፡ ሓደ ኻብቶም ተጓዓዝቲ ዝዀነ ጆርጅ ያንግ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብራዚል ዝዘርኦ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ባህ ኢልዎ የስተንትን ነበረ።a ይኹን እምበር፡ እቲ ጕዕዞ ኪቕጽል ከሎ፡ ሓውና ያንግ ኣቓልቦኡ ናብቲ ሓድሽ ዕዮኡ፡ ማለት ናብቲ ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዚርከብ ሰፊሕ ዘይተዓይየ ኽሊ ገበረ። ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ብሓውና ጆሴፍ ራዘርፎርድ ንዚውሃብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረታት መሰናድዎታት ኪገብርን 300,000 ትራክት ኬበርክትን ተስፋ ገይሩ ነበረ።
ጆርጅ ያንግ ኣብ ሓያሎ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ብባሕሪ ተጓዕዘ
ብ1925 ሓውና ያንግ ኣብ ሊዝበን ምስ በጽሐ፡ እቲ ኸባቢ ብናዕቢ ተናዊጹ ነበረ። እቲ ናይ 1910 ሰውራ ሪፓብሊካን ነቲ ንጉሳዊ ስርዓት ኣወጊድዎ፡ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድማ ነቲ ዝነበራ ስልጣን ኣሕዲግዋ ነበረ። እቲ ህዝቢ ብዙሕ ናጽነት ረኺቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብታ ሃገር ግና ዘይምርግጋእ ቀጺሉ ነበረ።
ሓውና ያንግ ንመደረ ሓውና ራዘርፎርድ ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ስለ እተኻየደ፡ እቲ መንግስቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ኣወጀ። ጸሓፊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻእን ድማ ንሓውና ያንግ ብዙሕ ተቓውሞ ኬጋጥሞ ኸም ዚኽእል ኣጠንቀቖ። ይኹን እምበር፡ ሓውና ያንግ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ካሞይሽ ኣብ ዚርከብ ጂምናዝዩም እቲ መደረ ኪቐርብ ፍቓድ ሓተተ፣ ተፈቕደሉ ድማ።
ድሕሪኡ እታ ሓውና ራዘርፎድ መደረ ኺህበላ እተመደበት ዕለት፡ ማለት 13 ግንቦት በጽሐት። ሓያል ትጽቢት እውን እዩ ነይሩ። እቲ “ሃው ቱ ሊቭ ኦን ዘ አርዝ ፎርኤቨር” (ኣብ ምድሪ ብኸመይ ንዘለኣለም ከም እትነብር) ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ፡ ኣብ ህንጻታት ፖስተራት ብምልጣፍን ብጋዜጣታትን ተወዓውዐ። ሃይማኖታውያን ተቓወምቲ ብዛዕባ ሓደስቲ “ናይ ሓሶት ነብያት” ዜጠንቅቕ ዓንቀጽ ኣብ ጋዜጣኦም ብፍጥነት ኣሕተሙ። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ጂምናዝዩም ከኣ፡ እቶም ተቓወምቲ ነቲ ብሓውና ራዘርፎርድ ዚቐርብ ዝነበረ ትምህርትታት ብቐጥታ ዚጻረር ሓበሬታ ዝሓዘ ብኣሽሓት ዚቝጸር ብሮሹራት ይዕድሉ ነበሩ።
ይኹን እምበር፡ እቲ መአከቢ ብኣስታት 2,000 ዚኣኽሉ ሰባት መልአ፡ ክንድኡ ቝጽሪ ዘለዎም ካልኦት ሰባት ድማ ተመልሱ። ገለ ሃንጡያት ሰማዕቲ ግና ኣብቲ ጂምናዝዩም ኣብ መሳልል ገመድ ተንጠልጢሎም፡ ካልኦት ድማ ኣብቲ ኣብ ጂምናዝዩም ዚርከብ ኣቕሑ ስፖርት ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
ብሰላም እተዛዘመ ግና ኵሉ ነገር ኣይነበረን። ተጻረርቲ ይጭድሩን መናብር ይሰብሩን ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓውና ራዘርፎርድ ድምብርጽ ከይበሎን ህድእ ኢሉን ድምጹ ኺስማዕ ናብ ዜኽእል ሓደ ሰደቓ ደየበ። ኣብ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ መደረኡ ምስ ዛዘመ፡ ተገዳስነት ዘርኣዩ ልዕሊ 1,200 ዝዀኑ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ምእንቲ ኺበጽሖም ስሞምን ኣዳራሻኦም ሃቡ። ንጽብሒቱ ድማ፡ ኡ ስኵላ እትብሃል ጋዜጣ ብዛዕባ መደረ ሓውና ራዘርፎርድ ዚገልጽ ዓንቀጽ ኣውጽአት።
ኣብ መስከረም 1925 እታ ብፖርቱጋልኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ፖርቱጋል ክትሕተም ጀመረት። (ኣቐዲሙ፡ ኣብ ብራዚል ብፖርቱጋልኛ እትሕተም መጽሔት ነይራ እያ።) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ኣብ ብራዚል ዚነብር ቨርዘሄሎ ፈርጉሰን ዚብሃል ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ናብ ፖርቱጋል ኪግዕዝ መዲቡ ነበረ። ኣቐዲሙ፡ ኣብቲ ኣብ ብራዚል ዝነበረ ንእሽቶ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሓውና ያንግ ይዓይዪ ነይሩ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቨርዘሄሎ ኸም ብሓድሽ ምስ ሓውና ያንግ ምእንቲ ኼገልግል ምስ ሊዝ ሰበይቱ ዀይኑ ተጓዕዘ። ሓውና ቨርዘሄሎ ፈርጉሰን ኣብ ኣገዳሲ እዋን እዩ ናብ ፖርቱጋል ከይዱ። ከመይሲ፡ ሓውና ያንግ ናብ ካልእ መደባት ስብከት፡ እንተላይ ናብ ሕብረት ሶቭየት ኪግዕዝ ኣብ ምቅርራብ እዩ ነይሩ።
ብ1928 ቨርዘሄሎ ፈርጉሰንን ሰበይቱ ሊዝን መንበሪ ፍቓድ ተዋህቦም
ብሰንኪ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብ ፖርቱጋል ውልቀ መላኺ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ዕዮ ስብከትና ዜጋጥም ዝነበረ ምጽራር ወሰኸ። ሓውና ፈርጉሰን ተቢዑ ኣብኡ ጸንሐ፡ ነታ ንእሽቶ ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕቋብ ኣድላዪ ስጕምትታት ወሰደ፡ ንንጥፈታቶም ድማ ኣደልደሎ። ኣብ ቤቱ ስሩዕ ኣኼባ ኺግበር ፍቓድ ሓተተ። ኣብ ጥቅምቲ 1927 ከኣ ተፈቕደሉ።
ኣብ ናይ መጀመርታ ዓመት ስርዓት እቲ ውልቀ መላኺ፡ ኣስታት 450 ዝዀኑ ሰባት፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኽትልኣኸሎም ኰንትራት ኣተዉ። ብዘይካዚ፡ ቃል ሓቂ ብትራክትን ብንኣሽቱ ጽሑፋትን ኣቢሉ ናብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፖርቱጋል፡ ማለት ናብ ኣንጎላን ኣዞረስን ከይፕ ቨርደን ምብራቕ ቲሞርን ጎዋን ማደይራን ሞዛምቢክን ተዘርግሐ።
ኣብ መወዳእታ 1920ታት፡ ማንወል ዳ ሲልቫ ዦርዳው ዚብሃል ሓደ ትሑት ኣታኽልተኛ ናብ ሊዝበን መጸ። ኣብ ብራዚል ከሎ፡ ብሓውና ያንግ እተዋህበ ህዝባዊ መደረ ሰሚዑ ነበረ። ብኡብኡ ድማ ንሓቂ ኸም ዝረኸባ ተገንዘበ፡ ዕዮ ስብከት ንምስፋሕ ከኣ ንሓውና ፈርጉሰን ኪሕግዞ ተሃንጥዩ ነበረ። ከምኡ ንምግባር ድማ፡ ኮልፖርተር (ሽዑ ፈለምቲ ዚጽውዑሉ ዝነበሩ ስም) ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብዚግባእ ተወዲቡ ኺሕተምን ኪዕደልን ስለ ዝጀመረ ኸኣ፡ እታ ኣብ ሊዝበን ዝነበረት ሓዳስ ጉባኤ ሰሰነት።
ብ1934 ሓውና ፈርጉሰንን ብዓልቲ ቤቱን ናብ ብራዚል ተመልሱ። ዘርኢ ሓቂ ግና ተዘሪኡ ነበረ። ኣብ ኤውሮጳ፡ ውግእ ሓድሕድ ስጳኛን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ኣብ እተኻየደሉ እዋናት፡ እቶም ኣብ ፖርቱጋል ዝነበሩ ጕጅለ ኣሕዋት ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም እዮም ቀጺሎም። ንእተወሰነ እዋን ከም ድጉል ሓዊ ዀይኖም እኳ እንተ ጸንሑ፡ ብ1947 ጆን ኩክ ዝስሙ ናይ መጀመርታ ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠነ ሚስዮናዊ ምስ መጸ ግና እታ ጕጅለ ዝነበራ ቕንኣት ከም ብሓድሽ ተጓሃሃረ። ድሕሪኡ፡ ቍጽሪ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይምቍራጽ ዓበየ። ብ1962 መንግስቲ ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋላ እኳ እንተ ኣገዶ፡ ዕቤት ግና ቀጺሉ እዩ። ኣብ ታሕሳስ 1974 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ብሓድሽ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምስ ረኸቡ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 13,000 ኣስፋሕቲ ነበሩ።
ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ፓርቱጋልን ኣብተን ፖርቱጋልኛ ዚዝረበለን ከም ኣዞሮስን ማደይራን ዝኣመሰላ ሓያሎ ደሴታትን ልዕሊ 50,000 ኣስፋሕቲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ገለ ኻብቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ ሳልሳይ ወለዶ እቶም ብ1925 ሓውና ራዘርፎርድ ታሪኻዊ መደረ ኺህብ ከሎ ዝነበሩ ሰባት እዮም።
ንየሆዋን ነቶም ንዕዮ ስብከት “ንኣህዛብ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ” ኰይኖም ብትብዓት ዝመርሑን ቀዳሞት እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ነመስግኖም ኢና።—ሮሜ 15:15, 16።—ኣብ ፖርቱጋል ካብ ዚርከብ መዛግብትና።
a ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2014 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 31-32 ዝወጸት፡ ‘ዕዮ ቐውዒ ገና ኣይተዛዘመን’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።