ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 ታሕሳስ ገጽ 15
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ህይወት ድሕሪ ሞት—ሰባት እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እተገብረ ዕልወት
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 ታሕሳስ ገጽ 15

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሰይጣን ንሄዋን ካብ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን እንተ በሊዓ ኸም ዘይትመውት ኪነግራ ኸሎ፡ ነዚ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ነፍሲ ኣይትመውትን ዚብል ሓሳብ ድዩ ዜተኣታቱ ነይሩ፧

ሄዋን በቲ ብተመን ኣቢሉ ዚዛረባ ሰይጣን ትፍተን

ኣይፋልን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ድያብሎስ ንሄዋን ካብታ ኣምላኽ ዝኸልከሎም ፍረ እንተ በሊዓ ኸም ዝሞተት ከም እትመስል፡ ግናኸ ኣብ ውሽጣ እትርከብ ዘይትርአ ረቃቕ ነገር (እታ ሎሚ ገሊኦም ዘይትመውት ነፍሲ ዚብልዋ) ኣብ ካልእ ከም እትነብር ኣይኰነን ነጊርዋ። ሰይጣን ብተመን ኣቢሉ፡ ካብ ፍረ እታ ኦም እንተ በሊዓ፡ ‘ከቶ ኸም ዘይትመውት’ እዩ ነጊርዋ። ብህይወት ምንባር ከም እትቕጽል፡ ኣብ ምድሪ ድማ ዝሓሸ ህይወት ከም ዚህልዋ፡ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብርእሳ ኸም እትመሓደር እዩ ኣሚቱ።—ዘፍ. 2:17፣ 3:3-5።

እሞ ደኣ እዚ ሎሚ ዘሎ ሰረተ እምነት ኢመዋትነት ነፍሲ መበቈሉ ኣብ ኤደን እንተ ዘይኰይኑ፡ መዓስ እዩ ጀሚሩ፧ ርግጸኛታት ኴንና በዚ ግዜ እዚ ኽንብል ኣይኽእልን ኢና። ግናኸ፡ ኵሉ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣብቲ ብዘመን ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ ኸም ዝጠፍአ ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ጥራይ ስለ ዝደሓኑ፡ ንሳቶም እውን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ስለ ዝነበሩ፡ ግጉይ ሃይማኖታዊ ሓሳባት ንማይ ኣይሂ ኣይሰገረን።

ስለዚ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ዚብል ትምህርቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ እዩ መጺኡ ኪኸውን ዘለዎ። ኣምላኽ ኣብ ባቤል ንቛንቋታት ምስ ደባለቖን እቶም ህዝቢ ናብ “ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ” ፋሕ ምስ በሉን ከኣ፡ ነቲ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶም ዚብል ሓሳብ ምሳታቶም ሒዞምዎ ተበቲኖም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍ. 11:8, 9) እቲ ናይ ሓሶት ሓሳብ መበቈሉ መዓስ ምዃኑ ብዘየገድስ ግና፡ ካብቲ “ኣቦ ሓሶት” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኸም ዝዀነ፡ ብሰፊሑ ኺዝርጋሕ ከሎ እውን ንሱ በዚ ባህ ከም ዚብሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 8:44።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ