ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 ግንቦት ገጽ 8-11
  • ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንጉስ ሰሜን” ብግዜ መወዳእታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • የሆዋ “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ይገልጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሎሚ “ንጉስ ሰሜን” መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ሓደ ዘርዕድ ምስጢር ይፍታሕ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 ግንቦት ገጽ 8-11

ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ

ገለ ኻብቲ ኣብዚ ሰሌዳ ተጠቒሱ ዘሎ ትንቢታት ኣብ ሕደ እዋን እዩ ዚፍጸም። እዚ ዅሉ ድማ ኣብ “ግዜ መወዳእታ” ንነብር ከም ዘለና ብብዙሕ መገድታት የረጋግጽ።—ዳን. 12:4።

ካብ 1870 ክሳዕ እዚ ግዜና ዚምልከት ትንቢታት፡ ከምኡ እውን መንነት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዜርኢ ሰሌዳ።
  • ሰሌዳ 1 ኻብ 4፡ ብግዜ መወዳእታ ኻብ 1870 ክሳዕ 1918 ዚሽፍን ትንቢታት። ካብ 1914 ንደሓር ዘሎ ዓመታት፡ ግዜ መወዳእታ ተባሂሉ ኣሎ። ትንቢት 1፦ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ካብቲ ኣብቲ ሰሌዳ ተሓቢሩ ዘሎ ግዜ ኣቐዲሙ ዝነበረ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ እቲ ሻውዓይ ርእሱ ይቘስል። ካብ 1917 ንደሓር፡ እቲ ሻውዓይ ርእሲ ይሓዊ፡ እቲ ኣራዊት ድማ ይጥዒ። ትንቢት 2፦ ንጉስ ሰሜን ብ1871 ይልለ፡ ንጉስ ደቡብ ከኣ ብ1870 ይልለ። ንጉስ ሰሜን ብ1871፡ ጀርመን ኰይኑ ዳግም ይቕልቀል። ንጉስ ደቡብ ኣብ ፈለማ ዓባይ ብሪጣንያ ምዃኑ ይልለ፡ ብ1917 ግና ብሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ይትካእ። ትንቢት 3፦ ካብ 1870ታት ኣትሒዙ፡ ቻርለስ ራስልን ብጾቱን፡ ‘ልኡኽ’ ምዃኖም ይልለዩ። ኣብ መጀመርታ 1880ታት፡ ‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ ንኣንበብታ፡ ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ተተባብዖም። ትንቢት 4፦ ካብ 1914 ንደሓር፡ ቀውዒ ይኸውን። ክርዳድ ካብ ስርናይ ይፍለ። ትንቢት 5፦ ካብ 1917 ንደሓር፡ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን ይቕልቀል። ተወሳኺ መግለጺ፦ ካብ 1914 ክሳዕ 1918 ዝዀነ ፍጻመታት ዓለም፡ ማለት ቀዳማይ ውግእ ዓለም። ንህዝቢ የሆዋ ዚጸልዎም ፍጻመታት፦ ካብ 1914 ክሳዕ 1918፡ ኣብ ብሪጣንያን ጀርመንን ዝነበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይእሰሩ። ብ1918፡ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ኣሕዋት ይእሰሩ።
    ትንቢት 1።

    ጥቕሲ ራእ. 11:7፣ 12:13, 17፣ 13:1-8, 12

    ትንቢት እቲ “ኣራዊት” ኣብ ምድሪ ንሓያሎ ዘመናት ይዘውር። ብግዜ መወዳእታ፡ እቲ ሻውዓይ ርእሱ ይቘስል። ጸኒሑ፡ እቲ ርእሲ እቲ ይሓዊ፣ “ብዘላ ምድሪ” ኸኣ ነቲ ኣራዊት ትስዕቦ። ሰይጣን በቲ ኣራዊት እቲ ገይሩ ‘ምስቶም ዝተረፉ ይዋጋእ።’

    ፍጻመ ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ምስ የሆዋ ዚጻረሩ ሰብኣውያን መንግስትታት ይትንስኡ። ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ማለት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ኣመና ይደክም። ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ሓበሮ ግና፡ ይብርትዕ። ምናዳ ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ ሰይጣን ብዅሉ ፖለቲካዊ ስርዓቱ ገይሩ ንህዝቢ ኣምላኽ ይሰጕጎም።

  • ትንቢት 2።

    ጥቕሲ ዳን. 11:25-45

    ትንቢት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ብግዜ መወዳእታ ይቀናቐኑ።

    ፍጻመ ጀርመንን ኣንግሎ-ኣመሪካን ሓዲኦም ካብቲ ሓደ ንምሕያል ይወዳደሩ። ብ1945 ሕብረት ሶቭየትን ተሓባበርታን፡ ንጉስ ሰሜን ይዀና። ብ1991፡ ሕብረት ሶቭየት ትፈርስ፣ ጸኒሓ ድማ ሩስያን ተሓባበርታን፡ ንጉስ ሰሜን ይዀና።

  • ትንቢት 3።

    ጥቕሲ ኢሳ. 61:1፣ ሚል. 3:1፣ ሉቃ. 4:18

    ትንቢት መሲሓዊት መንግስቲ ቕድሚ ምቛማ፡ የሆዋ “መገዲ ኺጸርግ” ኢሉ ‘ልኡኹ’ ይልእኽ። እዚ ጕጅለ እዚ ‘ንዓቃላት ኬበስሮም’ ይጅምር።

    ፍጻመ ካብ 1870ታት ንደሓር፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግላጽ ብቕንኣት ይዓይዩ። ኣብ 1880ታት ድማ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸም ዜድልዮም ኬጕልሑ ይጅምሩ። ከም እኒ፡ “1,000 ሰበኽቲ ይድለዩ ኣለዉ፡” “ኪሰብኩ እተቐብኡ” ዚብል ኣርእስቲ ዝሓዛ ዓንቀጻት የሕትሙ።

  • ትንቢት 4።

    ጥቕሲ ማቴ. 13:24-30, 36-43

    ትንቢት ጸላኢ ኣብ መንጎ ግራት ስርናይ፡ ክርዳድ ይዘርእ፣ እዚ ድማ ክሳዕ ቀውዒ ዓብዩ ነቲ ስርናይ ኺሓብኦ ይፍቀደሉ፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ኽርዳድ ካብ ስርናይ ይፍለ።

    ፍጻመ ካብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት ንደሓር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ፈሊኻ ዚልለዩ ኪዀኑ ይጅምሩ። ብግዜ መወዳእታ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይእከቡ፡ ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት እውን ይፍለዩ።

  • ትንቢት 5።

    ጥቕሲ ዳን. 2:31-33, 41-43

    ትንቢት እቲ ብበበይኑ ዓይነት ብረት ዝቘመ ምስሊ፡ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን ኣለዎ።

    ፍጻመ ካይላ ነቲ ኣብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዘሎ ፍልይ ዝበለን ህቡብን ባእታታት የመልክት። እዚ ባእታታት እዚ ኸኣ፡ ነዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ኸም ሓጺን ዝኣመሰለ ብርታዐ ኸይህልዎ የዳኽሞ።

  • ሰሌዳ 2 ኻብ 4፡ ብግዜ መወዳእታ ኻብ 1919 ክሳዕ 1945 ዚሽፍን ትንቢታት። ክሳዕ 1945፡ ንጉስ ሰሜን፡ ጀርመን ምዃኑ ይልለ። ንጉስ ደቡብ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ምዃኑ ይልለ። ትንቢት 6፦ ብ1919፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ናብታ ዝጸረየት ጉባኤ ይእከቡ። ካብ 1919 ንደሓር፡ ዕዮ ስብከት ይጐሃሃር። ትንቢት 7፦ ብ1920፡ እተኣሳሰራ መንግስትታት ይምስረት፡ ክሳዕ መጀመርታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም እውን ይቕጽል። ተወሳኺ መግለጺ፦ ትንቢት 1፡ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ይቕጽል። ትንቢት 5፡ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን ይቕጽል። ካብ 1939 ክሳዕ 1945 ዝዀነ ፍጻመታት ዓለም፡ ማለት ካልኣይ ውግእ ዓለም። ንህዝቢ የሆዋ ዚጸልዎም ፍጻመታት፦ ኣብ ጀርመን ካብ 1933 ክሳዕ 1945 ልዕሊ 11,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሮም። ኣብ ብሪጣንያ ኻብ 1939 ክሳዕ 1945፡ ዳርጋ 1,600 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሮም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ 1940 ክሳዕ 1944፡ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 2,500 ብጭፍራ ዚግበር መጥቃዕቲ ወሪዱ።
    ትንቢት 6።

    ጥቕሲ ማቴ. 13:30፣ 24:14, 45፣ 28:19, 20

    ትንቢት እቲ “ስርናይ” ኣብ “ማዕከን” ይእከብ፣ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ድማ ኣብ ልዕሊ “ኣገልገልቲ ቤት” ይሽየም። “ብስራት መንግስቲ” ኸኣ ኣብ “ኵላ ዓለም” ኪስበኽ ይጅምር።

    ፍጻመ ብ1919፡ እቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ተሸይሙ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥፈታት ስብከቶም የሐይሉ። ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ይሰብኩን ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕታማት የዳልዉን ኣለዉ።

  • ትንቢት 7።

    ጥቕሲ ዳን. 12:11፣ ራእ. 13:11, 14, 15

    ትንቢት ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት፡ ‘ምስሊ እቲ ኣራዊት’ ኣብ ምፍጣር መሪሕ ግደ ይህልዎ፡ ‘ነቲ ምስሊ እውን ትንፋስ ይህቦ።’

    ፍጻመ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ንእተኣሳሰራ መንግስትታት ኣብ ምፍጣር መሪሕ ግደ ይህልዎ። እዚ ውድብ እዚ ካብ ካልኦት ሃገራት እውን ደገፍ ይረክብ። ኣብ መወዳእታ፡ ንጉስ ሰሜን ኣባል እቲ ውድብ ይኸውን፣ ግናኸ፡ ካብ 1926-1933 ጥራይ እዩ። እዚ ውድብ እዚ ኸምቲ ድሕሪኡ ዝቘመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚግባእ ውዳሰ ይውሃቦ።

  • ሰሌዳ 3 ኻብ 4፡ ብግዜ መወዳእታ ኻብ 1945 ክሳዕ 1991 ዚሽፍን ትንቢታት። ንጉስ ሰሜን፡ ክሳዕ 1991 ሕብረት ሶቭየትን ተሓባበርታን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሩስያን ተሓባበርታን ምዃኑ ይልለ። ንጉስ ደቡብ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ምዃኑ ይልለ። ትንቢት 8፦ ኣቶማዊ ቦምብ ይነትጕ፡ ነቲ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዜስዕቦ ሰፊሕ ጕድኣት ድማ የመልክት። ትንቢት 9፦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንእተኣሳሰራ መንግስትታት ተኪኡ ብ1945 ይምስረት። ተወሳኺ መግለጺ፦ ትንቢት 1፡ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ይቕጽል። ትንቢት 5፡ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን ይቕጽል። ትንቢት 6፡ ብ1945 ልዕሊ 156,000 ኣስፋሕቲ። ብ1991፡ ልዕሊ 4,278,000 ኣስፋሕቲ። ንህዝቢ የሆዋ ዚጸልዎም ፍጻመታት፦ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ካብ 1945 ክሳዕ 1950ታት፡ ኣሽሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ሳይበርያ ተጠሪዞም።
    ትንቢት 8።

    ጥቕሲ ዳን. 8:23, 24

    ትንቢት ጨካን ዝገጹ ንጉስ “ፍልይ ብዝበለ መገዲ፡ ጥፍኣት” የምጽእ።

    ፍጻመ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ብዙሕ ጥፍኣት ኣምጺኡ። ንኣብነት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ጸላኢት ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ዝዀነት ሃገር ክልተ ኣቶማዊ ቦምብ ምስ ደርበየት፡ ዜስካሕክሕ ዕንወት ኣምጺኣ።

  • ትንቢት 9።

    ጥቕሲ ዳን. 11:31፣ ራእ. 17:3, 7-11, 16

    ትንቢት እቲ “ቐይሕ” ኣራዊት ካብ መዓሙቝ ይወጽእ፡ ሻምናይ ንጉስ እውን ይኸውን። እቶም ዓሰርተ ቐርኑ ኸኣ ነታ “ኣመንዝራ” የጥፍእዋ፣ ድሕሪኡ እቲ ኣራዊት ንባዕሉ እውን ይጠፍእ። መጽሓፍ ዳንኤል ነዚ ንጉስ እዚ “ዜጥፍእ ጽያፍ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።

    ፍጻመ እተኣሳሰራ መንግስትታት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ፈሪሱ። ድሕሪ እቲ ውግእ ከኣ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ኣቚሞምዎ።’ ው.ሕ.ሃ. ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ውድብ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኽብሪ ተዋሂብዎ። ው.ሕ.ሃ. ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት መጥቃዕቲ ኺፍኑ እዩ።

  • ሰሌዳ 4 ኻብ 4፡ ብግዜ መወዳእታ ኻብ ሕጂ ኽሳዕ ኣርማጌዶን ዚሽፍን ትንቢታት። ንጉስ ሰሜን፡ ሩስያን ተሓባበርታን ምዃኑ ይልለ። ንጉስ ደቡብ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ምዃኑ ይልለ። ትንቢት 10፦ መራሕቲ ዓለም ‘ሰላምን ደሓንን’ ይእውጁ። ድሕሪኡ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ይጅምር። ትንቢት 11፦ ኣህዛብ ኣብ ልዕሊ ትካላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት መጥቃዕቲ ይፍንዉ። ትንቢት 12፦ መንግስትታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ይፍንዉ። እቶም ዝተረፉ ቕቡኣት ናብ ሰማይ ይእከቡ። ትንቢት 13፦ ኣርማጌዶን። እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ ይስዕር ወይ ዓወቱ ይፍጽም። እቲ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ይጠፍእ፣ እቲ ሓጺንን ካይላን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ዓብዪ ምስሊ ይሕምሸሽ። ተወሳኺ መግለጺ፦ ትንቢት 1፡ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ክሳዕ ኣርማጌዶን ይቕጽል። ትንቢት 5፡ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን ክሳዕ ኣርማጌዶን ይቕጽል። ትንቢት 6፡ ሎሚ ልዕሊ 8,580,000 ኣስፋሕቲ። ንህዝቢ የሆዋ ዚጸልዎም ፍጻመታት፦ ብ2017፡ ሰበ ስልጣን ሩስያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሲሮም፡ ህንጻታት ጨንፈር እውን ገቢቶም።
    ትንቢትታት 10ን 11ን።

    ጥቕሲ 1 ተሰ. 5:3፣ ራእ. 17:16

    ትንቢት ሃገራት “ሰላምን ደሓንን” ይእውጃ፣ እቶም “ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን” ከኣ ነታ “ኣመንዝራ” የጥቅዕዋ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ጥፍኣት ይወርድ።

    ፍጻመ ሃገራት ሰላምን ደሓንን ከም ዘምጽኣ ይዛረባ። ሽዑ፡ ንው.ሕ.ሃ. ዚድግፋ ሃገራት፡ ንውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት የጥፍኣአን። እዚ ኸኣ መጀመርታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ይኸውን። ብዘሎ ስርዓት ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ምስ ጠፍአ ድማ፡ እቲ ጸበባ የብቅዕ።

  • ትንቢት 12።

    ጥቕሲ ህዝ. 38:11, 14-17፣ ማቴ. 24:31

    ትንቢት ጎግ ንምድሪ ህዝቢ ኣምላኽ ይወርር። ሽዑ፡ መላእኽቲ “ንሕሩያት” ይእክብዎም።

    ፍጻመ ንጉስ ሰሜን ምስ ካልኦት መንግስትታት ዓለም ሓቢሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ይፍኑ። እቲ መጥቃዕቲ ኻብ ዚጅምር ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እቶም ዝተረፉ ቅቡኣት ናብ ሰማይ ይእከቡ።

  • ትንቢት 13።

    ጥቕሲ ህዝ. 38:18-23፣ ዳን. 2:34, 35, 44, 45፣ ራእ. 6:2፣16:14, 16፣ 17:14፣ 19:20

    ትንቢት እቲ ኣብ ‘ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ’ ንጎግን ንሰራዊቱን ብምድምሳስ ይስዕር’ ወይ ‘ዓወቱ ይፍጽም።’ እቲ “ኣራዊት” ናብቲ “ቀላይ ሓዊ” ይድርበ፣ እቲ ዓብዪ ምስሊ እውን ይሕምሸሽ።

    ፍጻመ እቲ ዚገዝእ ዘሎ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንህዝቢ ኣምላኽ የናግፎም። ምስ 144,000 መጋዝእቱን ምስ ሰራዊት መላእኽትን ኰይኑ፡ ንዝሰመሩ ኣህዛብ፡ ማለት ንብዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ሰይጣን የጥፍኦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ