እዮብ
4 ኣብ እተረስዐ ቦታታት፡ ካብቲ ሰብ ዚመላለሰሉ ርሒቑ፡
ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዅዕት፣
ገሊኦም ሰባት ይወርዱ፡ ጠልጠል እውን ይብሉ።
5 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምግቢ ይበቍል፣
ኣብ ታሕቲ ግና፡ ከም ብሓዊ፡ ህውከት ኣሎ።*
6 ኣብኡ እቲ ኣእማን፡ ሰፊሮስ እዩ፣
እቲ ሓመድ ከኣ ወርቂ ኣለዎ።
7 ኣሞራ ነታ መገዲ ኣይፈልጣን፣
ዓይኒ ሊሎ ድማ ኣይረኣየታን።
8 ግርማ ዘለዎም ኣራዊት ኣይረግጽዋን፣
ዘይባጽሐ ኣንበሳ እውን ተጸናትዩ ኣይንቀሳቐሰላን።
9 ሰብ ብኢዱ ንኸውሒ ኣዝሒት ይወቕዖ፣
ንኣኽራን ካብ መሰረቱ ይግልብጦ።
10 ኣብ ኣኻውሕ መትረብ+ ማይ ይነድል፣
ኣዒንቱ ድማ ክቡር ዘበለ ይርእያ።
11 ንምንጪ ኣፍላግ ይዓብሶ፣
ንሕቡእ ከኣ ናብ ብርሃን የውጽኦ።
12 ጥበብ ግና፡ ኣበይ እያ እትርከብ፧+
ምንጪ ኣእምሮኸ ኣበይ እዩ፧+
13 ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፣+
ኣብ ምድሪ ህያዋን እውን ኣይትርከብን።
14 መዓሙቝ ማያት፡ ‘ንሳ ኣባይ የላን!’ ይብል፣
ባሕሪ ኸኣ፡ ‘ምሳይ የላን!’ ይብል።+
15 ብጽሩይ ወርቂ ኣይትዕደግን፣
ንምልዋጣ ድማ ብሩር ኣይምዘንን።+
16 ብወርቂ ኦፊር ኰነ፡+
ብኽቡር ኦኒክስን ብሰፊሮስን ኣይትዕደግን።
17 ወርቅን መረጼንን ኣይወዳደራን፣
ብኣቕሓ ጽሩይ ወርቂ እውን ኣይትልወጥን።+
19 ናይ ኩሽ ቶጳዝዮን+ እኳ ኣይወዳደራን፣
ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን።
20 ጥበብ ግና ካበይ እያ እትመጽእ፧
ምንጪ ኣእምሮኸ ኣበይ እዩ፧+
21 ካብ ኣዒንቲ ዅሎም ህያዋን ተሓቢኣ ኣላ፣+
ካብ ኣዕዋፍ ሰማያት ከኣ ተሰዊራ ኣላ።
22 ጥፍኣትን ሞትን፡
‘ኣእዛንና ወሪኣ ጥራይ እየን ሰሚዐን’ ይብሉ።
23 ኣምላኽ ግና እትርከበሉ መገዲ ይርድኦ፣
ንሱ በይኑ ጥራይ ኣበይ ከም እትነብር ይፈልጥ።+
24 ከመይሲ፡ ንሱ ንወሰናት ምድሪ ይምልከቶ፣
ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ድማ ይርእዮ።+