ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መዝሙር 144
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መዝሙር—ትሕዝቶ

      • ዓወት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

        • “መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” (3)

        • “ንጸላእቲ ፋሕ ኣብሎም” (6)

        • ህዝቢ የሆዋ ሕጉስ እዩ (15)

መዝሙር 144:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:4
  • +2ሳሙ 22:35፣ መዝ 18:2, 34

መዝሙር 144:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውሑስ መዕቈብየይን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 22:2, 3
  • +መዝ 18:47

መዝሙር 144:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 8:4፣ እብ 2:6

መዝሙር 144:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 39:5
  • +1ዜና 29:15፣ እዮ 14:1, 2

መዝሙር 144:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣድኒንካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 18:9
  • +ዘጸ 19:18

መዝሙር 144:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 36:32
  • +2ሳሙ 22:15

መዝሙር 144:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቍጽጽር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 22:17, 18፣ መዝ 18:16, 17፣ 54:3

መዝሙር 144:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ኢድ ሓሶት እያ።”

መዝሙር 144:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኸዚመልካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 33:3፣ 40:3፣ 96:1፣ ኢሳ 42:10፣ ራእ 5:9፣ 14:3

መዝሙር 144:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድሕነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:19፣ መዝ 18:50
  • +1ሳሙ 17:45, 46፣ 2ሳሙ 21:15, 17

መዝሙር 144:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2018፡ ገጽ 32

መዝሙር 144:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 33:12፣ 37:9, 37፣ 146:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2006፡ ገጽ 13

    15/6/2006፡ ገጽ 12-13

ሓፈሻዊ

መዝ. 144:1ዘዳ 32:4
መዝ. 144:12ሳሙ 22:35፣ መዝ 18:2, 34
መዝ. 144:22ሳሙ 22:2, 3
መዝ. 144:2መዝ 18:47
መዝ. 144:3መዝ 8:4፣ እብ 2:6
መዝ. 144:4መዝ 39:5
መዝ. 144:41ዜና 29:15፣ እዮ 14:1, 2
መዝ. 144:5መዝ 18:9
መዝ. 144:5ዘጸ 19:18
መዝ. 144:6እዮ 36:32
መዝ. 144:62ሳሙ 22:15
መዝ. 144:72ሳሙ 22:17, 18፣ መዝ 18:16, 17፣ 54:3
መዝ. 144:9መዝ 33:3፣ 40:3፣ 96:1፣ ኢሳ 42:10፣ ራእ 5:9፣ 14:3
መዝ. 144:102ሳሙ 5:19፣ መዝ 18:50
መዝ. 144:101ሳሙ 17:45, 46፣ 2ሳሙ 21:15, 17
መዝ. 144:15መዝ 33:12፣ 37:9, 37፣ 146:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መዝሙር 144:1-15

መዝሙር

ናይ ዳዊት።

144 የሆዋ፡ እቲ ኸውሐይ፡+

እቲ ኣእዳወይ ንዂናት፡

ኣጻብዐይ ከኣ ንውግእ ዜሰልጥን፡+ ይወደስ።

 2 ንሱ ብተኣማንነት ፍቕሪ ዜርእየንን ዕርደይን፡

እምባይን* መናገፍየይን፡

ዋልታይን መዕቈብየይን፡+

ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ ዜግዝኣኒ እዩ።+

 3 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ እተስተብህለሉስ ሰብ እንታይ እዩ፧

እተቕልበሉኸ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧+

 4 ሰብሲ ንትንፋስ ይመስል፣+

መዓልትታቱ ኸም ዚሓልፍ ጽላሎት እየን።+

 5 ኦ የሆዋ፡ ሰማያትካ ኣትሒትካ* ውረድ፣+

ንኣኽራን ተንኪኻ ኣትክኮ።+

 6 በርቂ ኣብሪቕካ ንጸላእቲ ፋሕ ኣብሎም፣+

ፍላጻታትካ ወርዊርካ ኣሸብሮም።+

 7 ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፣

ካብ ብርቱዕ ማያት፡

ካብ ኢድ* ጓኖት ኣናግፈንን ኣድሕነንን።+

 8 ንሳቶምሲ ብኣፎም ሓሶት ይዛረቡ፣

ብሓሶት ኪምሕሉ ኸኣ የማነይቲ ኢዶም የልዕሉ።*

 9 ኦ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ።+

ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ፣

10 ንነገስታት ዓወት* ዝሃብካ፡+

ንጊልያኻ ዳዊት ካብ ቀታሊ ሰይፊ ዘናገፍካ ንስኻ ኢኻ።+

11 ካብ ኢድ ጓኖት፡

ካብቶም ብኣፎም ሓሶት ዚዛረቡ፡

ካብቶም ብሓሶት ኪምሕሉ የማነይቲ ኢዶም ዜልዕሉ ኣናግፈንን ኣድሕነንን።

12 ሽዑ፡ ኣወዳትና ኸምቲ ቐልጢፉ ዚበቍል ውልዶ ተኽሊ ኪዀኑ እዮም፣

ኣዋልድና ኸኣ ንቤተ መንግስቲ ኸም እተጸርበ ኣዕኑድ ኵርናዕ ኪዀና እየን።

13 ማዕከናትና ብዅሉ ዓይነት ፍረ ኺምላእ እዩ፣

ኣብ መሮር ዘለዋ መጓሰና ድማ ብኣሽሓትን ብኣእላፋትን ኪፋረያ እየን።

14 መላኣት ዝዀና ኣሓና ድንገት ኣይኪገጥመንን ወይ ኣይኬቘልዓን እየን፣

ኣብ ኣደባባያትና ኣውያት ኣይኪኸውንን እዩ።

15 ከምዚ ዚዀነሉ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!

የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ