ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ቈረንቶስ 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ውጽኢት ንኣይሁድ ክርስትያናት (1-15)

      • ቲቶስ ናብ ቈረንቶስ ተላእከ (16-24)

2 ቈረንቶስ 8:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 15:26

2 ቈረንቶስ 8:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ገይርዎ እዩ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2001፡ ገጽ 30

    1/11/1998፡ ገጽ 25

2 ቈረንቶስ 8:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:29፣ 2ቈረ 9:7
  • +ማር 12:43, 44

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/1998፡ ገጽ 25

2 ቈረንቶስ 8:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 15:25, 26፣ 1ቈረ 16:1፣ 2ቈረ 9:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    5/2019፡ ገጽ 3

    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!፡ ገጽ 209-210

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2001፡ ገጽ 30

    1/11/1998፡ ገጽ 25

2 ቈረንቶስ 8:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 12:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1998፡ ገጽ 30

2 ቈረንቶስ 8:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጢሞ 6:18

2 ቈረንቶስ 8:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 8:20፣ ፊል 2:7

2 ቈረንቶስ 8:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 7:25

2 ቈረንቶስ 8:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 16:10, 17፣ ምሳ 3:27, 28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2013፡ ገጽ 15

    1/12/2012፡ ገጽ 5

    1/11/2000፡ ገጽ 29

    1/11/1998፡ ገጽ 26

2 ቈረንቶስ 8:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡

    6/1998፡ ገጽ 5

2 ቈረንቶስ 8:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧፡ ዓንቀጽ 5

    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡

    6/1998፡ ገጽ 5

2 ቈረንቶስ 8:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 16:18

2 ቈረንቶስ 8:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 12:18

2 ቈረንቶስ 8:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1998፡ ገጽ 7

2 ቈረንቶስ 8:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 16:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2001፡ ገጽ 30-31

2 ቈረንቶስ 8:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 3:4፣ 1ጴጥ 2:12

2 ቈረንቶስ 8:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መኻፍልተይን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሃዋርያት።”

2 ቈረንቶስ 8:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጴጥ 1:22፣ 2:17

ሓፈሻዊ

2 ቈረ. 8:1ሮሜ 15:26
2 ቈረ. 8:3ግብ 11:29፣ 2ቈረ 9:7
2 ቈረ. 8:3ማር 12:43, 44
2 ቈረ. 8:4ሮሜ 15:25, 26፣ 1ቈረ 16:1፣ 2ቈረ 9:1, 2
2 ቈረ. 8:62ቈረ 12:18
2 ቈረ. 8:71ጢሞ 6:18
2 ቈረ. 8:9ማቴ 8:20፣ ፊል 2:7
2 ቈረ. 8:101ቈረ 7:25
2 ቈረ. 8:12ዘዳ 16:10, 17፣ ምሳ 3:27, 28
2 ቈረ. 8:15ዘጸ 16:18
2 ቈረ. 8:162ቈረ 12:18
2 ቈረ. 8:201ቈረ 16:1
2 ቈረ. 8:21ምሳ 3:4፣ 1ጴጥ 2:12
2 ቈረ. 8:241ጴጥ 1:22፣ 2:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ቈረንቶስ 8:1-24

2 ቈረንቶስ

8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉባኤታት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና።+ 2 ብጸበባ ብዙሕ ኣብ እተፈተኑሉ እዋን፡ እቲ ብዙሕ ሓጐሶምን እቲ ሕሉፍ ድኽነቶምን ንሃብቲ ልግሶም ኣዕዚዝዎ እዩ።* 3 ከመይሲ፡ ከም ዓቕሞም፡+ አረ ሓለፋ ዓቕሞም እውን+ 4 ምእንቲ ኺልግሱን ኣብቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት ረድኤት ምእንቲ ኺካፈሉን፡ ብተበግሶኦም ብዙሕ ከም ዝለመኑና እምስክረሎም እየ።+ 5 ቅድም ንጐይታ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዓና ብፍቓድ ኣምላኽ ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን። 6 ስለዚ ኸኣ፡ ንቲቶስ፡+ ከምቲ ነዚ ዕዮ እዚ ኣባኻትኩም ዝጀመሮ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ልግስኹም ኪፍጽሞ ኣተባቢዕናዮ ኢና። 7 ግናኸ፡ ከምቲ ብዅሉ፡ ማለት ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን በታ ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕርን ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ልግሲ እዚ እውን ዕዙዛት ኩኑ።+

8 ጸዓት ካልኦት ከፍልጠኩምን ሓቅነት ፍቕርኹም ክዕዘብን እየ እምበር፡ ክእዝዘኩም ኣይኰንኩን እዚ ዝብለኩም ዘለኹ። 9 ምኽንያቱ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ሃብታም ክነሱስ፡ ንስኻትኩም ብድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ምእንታኹም ደኽዩ እዩ።+

10 ብዛዕባ እዚ፡ ርእይቶይ ክህበኩም፦+ ዓሚ ነቲ ተግባር እቲ ጀሚርኩምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምግባሩ ድሌት ከም ዘሎኩም ስለ ዘርኣኹም፡ እዚ ንጥቕምኹም እዩ። 11 ሕጂ ኸኣ ነቲ ንምግባሩ ዘሎኩም ድሉውነት ከም ዓቕምኹም ምእንቲ ኽትፍጽምዎ፡ ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ። 12 ቅድም ድሉውነት እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡+ ብዘይብሉ ኣይኰነን። 13 ንኻልኦት ከቕልለሎም፡ ንዓኻትኩም ከኣ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኰንኩን፣ 14 የግዳስ፡ ብምምዕርራይ ሕጂ ዘሎ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ምእንቲ ኺምልእ፡ ተረፎም እውን ነቲ ጐደሎኹም ምእንቲ ኺምልእ እሞ፡ ምምዕርራይ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ እየ። 15 ከምቲ፡ “እቲ ብዓል ብዙሕ ኣይተረፎ፡ እቲ ብዓል ሒደት እውን ኣይጐደሎ” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+

16 ኣምላኽ ኣብ ልቢ ቲቶስ+ ከምዛ ንዓኻትኩም ዘላትና ብዙሕ ሓልዮት ስለ ዘሕደረ፡ ምስጋና ይኹኖ፣ 17 ምኽንያቱ፡ ንሱ ነቲ እተዋህቦ መተባብዒ ተቐቢሉስ፡ ኣዝዩ ተሃንጥዩ፡ ብተበግሶኡ ናባኻትኩም ይመጽእ ኣሎ። 18 ምስኡ እውን ነቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ብስብከት ብስራት እተወደሰ ሓው ንሰድዶ ኣለና። 19 እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ንኽብሪ ጐይታን ክንረድእ ድሉዋት ምዃንና ንምርኣይን እነመሓድሮ ልግሲ መጋይሽትና ኪኸውን ብጉባኤታት ተሸይሙ እዩ። 20 በዚ ኸምዚ፡ ምስዚ ንሕና እነመሓድሮ ብዙሕ ውጽኢት ብእተተሓሓዘ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቕ ኣለና።+ 21 ከመይሲ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።’+

22 ብዘይካዚ፡ ትጉህ ከም ዝዀነ ብዙሕ ሳዕ ብብዙሕ ነገር ፈቲንና ዘረጋገጽናዮ፡ ሕጂ ኸኣ ስለቲ ኣባኻትኩም ዘላቶ ዓባይ እምንቶ ዝያዳ ትጉህ ዝዀነ ሓውና ምሳታቶም ንሰድዶ ኣለና። 23 ብዛዕባ ቲቶስ ሕቶ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ብጻየይን* ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ፣ ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀነ እውን፡ ንሳቶም ልኡኻት* ጉባኤታትን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24 እምበኣር፡ መርትዖ እታ ንዓታቶም ዘላትኩም ፍቕሪ ኣርእዩ፣+ ብዛዕባኹም ስለምንታይ ከም እተመካሕና ድማ ንጉባኤታት ኣርእይወን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ