ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሁልቍ 31:25-27
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 26 “ነቲ እተዘምተ፡ ነቲ እተማረኸ ሰብን እንስሳን ቍጸር፣ ነዚ ምስ ካህን ኣልኣዛርን ምስ ርእስታት ማይ ቤታት እቲ ኣኼባን ኴንካ ግበሮ። 27 እቲ እተዘምተ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ውግእ እተሳተፉ ኣባላት እቲ ሰራዊትን ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ኣኼባን ፍርቀ ፍርቂ ጌርካ ምቐሎም።+

  • እያሱ 10:12
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 12 በታ የሆዋ ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እስራኤላውያን ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከምዚ በሎ፦

      “ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን+ ደው በሊ፡+

      ኣቲ ወርሒ ድማ፡ ኣብ ስንጭሮ* ኣያሎን!”

  • እያሱ 10:16
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 16 እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ፡ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ።+

  • እያሱ 12:7
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 7 እቶም እያሱን እስራኤላውያንን ዝሰዓርዎም፡ ካብታ ኣብ ስንጭሮ ሊባኖስ+ ዘላ በዓል-ጋድ+ ክሳብ እቲ ናብ ሰዒር+ ዜደይብ ከረን ሓላቅ፡+ ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገስታት እታ ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ (እያሱ ነታ ምድሮም፡ ንነገዳት እስራኤል በብግዲኦም ርስቲ ኽትኰኖም ሃቦም፣+

  • መሳፍንቲ 5:19
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 19 ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፣

      ኣብ ታዓናክ ኣብ ጥቓ ማያት መጊዶ፡+

      ነገስታት ከነኣን ተዋግኡ።+

      ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ