149 ንያህ ወድስዎ!
ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣+
ኣብ ጉባኤ እሙናት ወድስዎ።+
2 እስራኤል በቲ ዓብዪ ገባሪኡ ይተሓጐስ፣+
ደቂ ጽዮን ብንጉሶም ባህ ይበሎም።
3 ንስሙ ብሳዕስዒት ይወድስዎ፣+
ብኸበሮን ብመሰንቆን ከኣ ውዳሰ ይዘምሩሉ።+
4 የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ።+
ንዓቃላት ብድሕነት ይስልሞም እዩ።+
5 እሙናት ብኽብሪ ይፈስሁ፣
ኣብ ዓራቶም እልል ይበሉ።+
6 ንኣምላኽ ዚውድስ መዝሙራት ኣብ ጐረሮኦም፡
ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ኣብ ኢዶም ይኹን።
7 በዚ ድማ ንኣህዛብ ሕነ ይፈድዩ፣
ንህዝብታት ከኣ ይቐጽዑ፣
8 ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡
ንልዑላኖም እውን ብመቝሕ ሓጺን ይኣስሩ፣
9 ነቲ እተጻሕፈሎም ፍርዲ እውን ይፍጽምዎ።+
እዚ ኽብሪ እዚ ናይ ኵሎም እሙናቱ እዩ።
ንያህ ወድስዎ!