ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ቈረንቶስ 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ካብ ርኽሰት ርእስና ነንጽህ (1)

      • ጳውሎስ ብሰብ ቈረንቶስ ተሓጐሰ (2-4)

      • ቲቶስ ዜሐጕስ ደሃይ ሒዙ ተመልሰ (5-7)

      • ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይን ንስሓን (8-16)

2 ቈረንቶስ 7:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 6:16
  • +ሮሜ 12:1፣ 1ጢሞ 1:5፣ 3:9፣ 1ዮሃ 3:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 40

    ንቕሑ!፡

    ቍ. 3 2019፡ ገጽ 4

    “ፍቕሪ ኣምላኽ፡” ገጽ 93-95

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2006፡ ገጽ 26

    1/8/1997፡ ገጽ 5-7

    ሓጐስ ስድራ ቤት፡ ገጽ 45-48

2 ቈረንቶስ 7:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 12:10፣ 2ቈረ 6:12, 13
  • +ግብ 20:33, 34፣ 2ቈረ 12:17

2 ቈረንቶስ 7:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ፊል 2:17፣ ፊሞ 7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2006፡ ገጽ 15

2 ቈረንቶስ 7:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስጋናስ ዕረፍቲ ኣይረኸበን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 20:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2014፡ ገጽ 23

    15/11/1998፡ ገጽ 30

    1/11/1996፡ ገጽ 11-12

2 ቈረንቶስ 7:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 1:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 166

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1998፡ ገጽ 30

    1/11/1996፡ ገጽ 11-12

2 ቈረንቶስ 7:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንዓይ ዘሎኩም ቅንኣትን።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 166

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1998፡ ገጽ 30

2 ቈረንቶስ 7:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 2:4

2 ቈረንቶስ 7:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 32:5፣ 1ዮሃ 1:9

2 ቈረንቶስ 7:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 3:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/1997፡ ገጽ 14

2 ቈረንቶስ 7:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 5:5

2 ቈረንቶስ 7:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 2:9፣ እብ 13:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1998፡ ገጽ 30

2 ቈረንቶስ 7:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብዅሉ ሳላኹም ትብዓት ስለ ዘሎኒ” ኪኸውን ይኽእል።

ሓፈሻዊ

2 ቈረ. 7:12ቈረ 6:16
2 ቈረ. 7:1ሮሜ 12:1፣ 1ጢሞ 1:5፣ 3:9፣ 1ዮሃ 3:3
2 ቈረ. 7:2ሮሜ 12:10፣ 2ቈረ 6:12, 13
2 ቈረ. 7:2ግብ 20:33, 34፣ 2ቈረ 12:17
2 ቈረ. 7:4ፊል 2:17፣ ፊሞ 7
2 ቈረ. 7:5ግብ 20:1
2 ቈረ. 7:62ቈረ 1:3, 4
2 ቈረ. 7:82ቈረ 2:4
2 ቈረ. 7:10መዝ 32:5፣ 1ዮሃ 1:9
2 ቈረ. 7:11ማቴ 3:8
2 ቈረ. 7:121ቈረ 5:5
2 ቈረ. 7:152ቈረ 2:9፣ እብ 13:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ቈረንቶስ 7:1-16

2 ቈረንቶስ

7 እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ሃለወናስ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።+

2 ኣብ ልብኹም ቦታ ሃቡና።+ ንሓደ እኳ ኣይበደልናን፡ ንሓደ እኳ ኣየበላሸናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን።+ 3 ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘለኹምሲ፡ ኣቐዲመ ኢለ ኣለኹ እሞ፡ ክዅንነኩም ኢለ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ። 4 ንዓኻትኩም ብብዙሕ ትብዓት ክዛረበኩም እኽእል እየ። ብኣኻትኩም ብዙሕ እምካሕ እየ። ብምጽንናዕ ተመሊአ፡ ኣብ ኵሉ ጸበባና ኸኣ ኣዝየ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።+

5 ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና እኳ፡+ ኣብ ወጻኢ ቓልሲ፡ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሂ ስለ ዝነበረና፡ ብዅሉ ደኣ ጸቢቡና ነይሩ እምበር፡ ዕረፍትስ ኣይረኸብናን።* 6 እቲ ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና፡+ ቲቶስ ኣብዚ ኸም ዚህሉ ብምግባር፡ ኣጸናኒዑና እዩ፣ 7 ንሱ ብዛዕባ እቲ ናፍቖትኩምን ሓዘንኩምን ንዓይ ዘሎኩም ብዙሕ ሓልዮትን* ደሃይ ሒዙ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ እውን እምበር፡ ኣብዚ ብምህላዉ ጥራይ ኣይኰንናን እተጸናናዕና፣ ስለዚ፡ ኣዝየ ተሓጒሰ እየ።

8 በታ ደብዳበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡+ ኣይጥዓስን እየ። ኣብ ፈለማ እኳ እንተ ተጥዓስኩ፡ (እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣለኹ እሞ፡) 9 ሕጅስ ስለ ዝጐሃኹም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንስሓ ስለ ዝጐሃኹም እሕጐስ ኣለኹ። ከመይሲ፡ ብኣና ብገለ ምእንቲ ኸይትጕድኡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሃኹም። 10 ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ናብ ድሕነት ዚመርሕ ዘይትጥዓሰሉ ንስሓ እዩ ዜፍሪ፣+ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜፍሪ። 11 እንሆ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይኩም፡ ክንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምጽራይ ርእስኹም፡ ክንደይ ቍጥዓ፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መአረምታ እዩ ኣምጺኡልኩም!+ በዚ ነገር እዚ፡ ብዅሉ ንጹሃት ምዃንኩም ኣርኢኹም ኢኹም። 12 እንተ ጸሓፍኩልኩም እኳ፡ ስሌና እትጽዕትዎ ጸዓት ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ+ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። 13 ስለዚ ድማ ኢና ተጸናኒዕና ዘለና።

ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕ ድማ፡ ቲቶስ ብዅላትኩም መንፈሱ ስለ ዝቐሰነ፡ ብሓጐሱ ኣዚና ተሓጒስና ኢና። 14 ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ተመኪሐ እንተ ዀይነ፡ ኣይሓፈርኩን፣ ከምቲ ዅሉ እቲ ዝነገርናኩም ሓቂ ዝዀነ ግና፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ቅድሚ ቲቶስ እተመካሕናዮ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። 15 ኵላትኩም ከም እተኣዘዝኩምን+ ከመይ ጌርኩም እናፈራህኩምን ራዕራዕ እናበልኩምን ከም እተቐበልኩምዎን እናዘከረ፡ ንዓኻትኩም ዘለዎ ልባዊ ፍቕሪ በዚሑ ኣሎ። 16 ብዅሉ ኣባኻትኩም እምንቶ ስለ ዘሎኒ፡* እሕጐስ እየ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ