ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 41
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • እስማኤል ንገዳልያ ቐተሎ (1-10)

      • ዮሓናን ንእስማኤል ኣህደሞ (11-18)

ኤርምያስ 41:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ መንግስትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:23፣ ኤር 40:14
  • +2ነገ 25:25

ኤርምያስ 41:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:1
  • +እያ 18:1
  • +1ነገ 16:23, 24
  • +ዘሌ 19:27, 28፣ ዘዳ 14:1
  • +ዘሌ 2:1

ኤርምያስ 41:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:22፣ 2ዜና 16:6

ኤርምያስ 41:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:7
  • +ኤር 40:12
  • +ኤር 40:14

ኤርምያስ 41:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:13፣ 43:2

ኤርምያስ 41:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓብዪ ሓጽቢ” ኪኸውን ይኽእል።

ኤርምያስ 41:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 40:6

ኤርምያስ 41:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 41:2

ኤርምያስ 41:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:26፣ ኤር 42:14፣ 43:7
  • +ዘፍ 35:19

ኤርምያስ 41:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 41:2

ሓፈሻዊ

ኤር. 41:12ነገ 25:23፣ ኤር 40:14
ኤር. 41:12ነገ 25:25
ኤር. 41:51ነገ 12:1
ኤር. 41:5እያ 18:1
ኤር. 41:51ነገ 16:23, 24
ኤር. 41:5ዘሌ 19:27, 28፣ ዘዳ 14:1
ኤር. 41:5ዘሌ 2:1
ኤር. 41:91ነገ 15:22፣ 2ዜና 16:6
ኤር. 41:10ኤር 40:7
ኤር. 41:10ኤር 40:12
ኤር. 41:10ኤር 40:14
ኤር. 41:11ኤር 40:13፣ 43:2
ኤር. 41:14ኤር 40:6
ኤር. 41:16ኤር 41:2
ኤር. 41:172ነገ 25:26፣ ኤር 42:14፣ 43:7
ኤር. 41:17ዘፍ 35:19
ኤር. 41:18ኤር 41:2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 41:1-18

ኤርምያስ

41 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን* ሓደ ኻብቶም ኣውራታት ንጉስን ዝነበረ እስማኤል+ ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕ ምስ ዓሰርተ ሰባት ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ናብ ሚጽጳ መጸ።+ ኣብ ሚጽጳ ብሓባር እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ 2 እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ዓሰርተ ሰባትን ተንሲኦም፡ ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ብሰይፊ ቐተልዎ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ሸይምዎ ዝነበረ፡ ቀተሎ። 3 እስማኤል ከኣ ነቶም ምስ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከለዳውያን ተዋጋእትን ቀተሎም።

4 ኣብ ጽባሕ እታ ገዳልያ እተቐትለላ መዓልቲ ድማ፡ ሓደ እኳ ብዛዕባ እዚ ኸይፈለጠ ኸሎ፡ 5 ካብ ሴኬምን+ ካብ ሺሎን+ ካብ ሰማርያን+ ጭሕሞም እተላጸዩን ክዳውንቶም እተቐድደን ሰብነቶም ዝበጥሑን+ 80 ሰባት፡ ናብ ቤት የሆዋ ኺወስድዎ መስዋእቲ እኽልን ጻዕዳ ዕጣንን+ ኣብ ኢዶም ሒዞም መጹ። 6 እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ካብ ሚጽጳ እናበኸየ ኸይዱ ተቐበሎም። ምስ ረኸቦም ድማ፡ “ንዑናይ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም” በሎም። 7 ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ግና፡ እስማኤል ወዲ ነታንያን ሰቡን ሓረድዎም፡ ኣብ መዕቘር ማይ እውን ደርበይዎም።

8 ካባታቶም ዓሰርተ ሰባት ግና ንእስማኤል፡ “ሕቡእ መኽዘናት ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ መሮር ኣሎና እሞ፡ ኣይትቕተለና” በልዎ። ስለዚ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቶም ከይቀተለ ሓደጎም። 9 እስማኤል ድማ ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ኣብቲ ንጉስ ኣሳ ብሰሪ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ዓብዪ መዕቘር ማይ ደርበዮ።+ እዚ ኸኣ እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ በቶም ቅቱላት ዝመልኦ መዕቘር ማይ እዩ።

10 እስማኤል ድማ ንዅሎም እቶም ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም ዝገደፎም ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝቢ፡+ እንተላይ ንኣዋልድ ንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ሚጽጳ ዝተረፉ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ማሪኹ ወሰዶም እሞ ናብ ዓሞናውያን ኪሰግር ነቐለ።+

11 ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ብዛዕባ ዅሉ እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ ዝገበሮ እከይ ምስ ሰምዑ፡ 12 ንዅሎም ሰቦም ሒዞም ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኺዋግእዎ ኸዱ፣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት* ድማ ረኸብዎ።

13 ኵሎም እቶም ምስ እስማኤል ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ፡ ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ንዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ምስ ረኣዩ፡ ተሓጐሱ። 14 ሽዑ፡ ኵሎም እቶም እስማኤል ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ህዝቢ+ ዞይሮም ምስ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃ ተመሊሶም ከዱ። 15 እስማኤል ወዲ ነታንያ ግና ምስ ሸሞንተ ሰቡ ኻብ ዮሓናን ኣምለጠ፡ ናብ ዓሞናውያን እውን ከደ።

16 ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ነቶም እስማኤል ወዲ ነታንያ ንገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም ምስ ቀተሎ ኻብ ኢዱ ዘናገፍዎም ካብ ሚጽጳ ዝተረፉ ህዝቢ ምሳታቶም ወሰድዎም። ነቶም ሰብኡትን ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን ከኣ ካብ ጊብዖን መለስዎም። 17 ናብ ግብጺ ኪኸዱ ሓሲቦም ድማ፡+ ናብታ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም+ ዘላ መሕደሪ ኪምሃም ከይዶም ኣብኣ ጸንሑ። 18 ከመይሲ፡ እስማኤል ወዲ ነታንያ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ዝሸሞ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ስለ ዝቐተሎ፡ በቶም ከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ