ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/1 ገጽ 14
  • ንተነቃፊ ኣስናን ምክንኻን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተነቃፊ ኣስናን ምክንኻን
  • ንቕሑ!—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዋቕር ኣስናን በጥለኒሞስ
    ተነዲፉ ድዩ፧
ንቕሑ!—2001
g01 8/1 ገጽ 14

ንተነቃፊ ኣስናን ምክንኻን

ኣስናንካ ወዲ ኽንደይ ምስ ኰንካ ኢዩ ክበቍል ጀሚሩ፧ ገና ኣዴኻ ነፍሰ⁠-​ጾር ከም ዝዀነት ቅድሚ ምፍላጣ ኣብ ማህጸን ከሎኻ ክበቍል ከም ዝጀመረ ምፍላጥካ ይገርመካ ይኸውን! በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ሓንቲ ነፍሰ⁠-​ጾር ኣደ ከም ካልስዩም: ፎስፈረስ: ፕሮቲን: ከምኡውን ቪታሚን ዝኣመሰለ እኹል መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ክትምገብ ዘለዋ።

ናጽላኸ እንታይ ጥንቃቐ ክግበረሉ ይግባእ፧ ጡጦ ዝጠብዉ ቈልዑ ኣስናኖም ንምሕሳኽ እተቓልዐ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መጀመርታ እተን ላዕለዎት ቆሎ ስኒ ኢየን ዝሕስኻ። እዚ ዝኸውን ግን ብኸመይ ኢዩ፧ ገሊኦም ዕሸላት ጸባ: ጽማቝ: ሽኮር ዘለዎ ማይ: ወይ ልስሉስ መስተ እናጠቦዉ ድቃስ ይወስዶም። እዚ ክቦክዕ ዝኽእል ፈሳሲ: ባክተርያ ንኽራብሑ ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ካርቦሃይድሬት ዝሓዘ ኢዩ። እቶም ባክተርያ እውን ብተራኦም ኣሲድ ይፈጥሩ። እቲ ኣሲድ ብፍላይ ምሉእ ለይቲ ኣብ ኣስናን እቶም ቈልዑ እንተ​ድኣ ሓዲሩ ዝያዳ የበላሽዎ። ገለ ቈልዑ ኣስናኖም ኣጸቢቑ እንተ​ድኣ ሓሲኹ ካብቲ ግቡእ ግዜኡ ኣቐዲሙ ክጐርፍ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ቀወምቲ ኣስናን ክበቍል ከሎ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድረሉ።

ወለዲ ነቲ ተነቃፊ ኣስናን ናይ ንኣሽቱ ደቆም ብኸመይ ክከናኸንዎ ይኽእሉ፧ ጸባ ጡብ ኣደ ሕማም ዘስዕቡ ህዋሳት ዘይብሉን እኹል ጸረ⁠-​ኣካል ዘለዎን ብምዃኑ ዝበለጸ ኢዩ። እቲ ቘልዓ ጡጦ ክጠብው እንተ​ድኣ ዀይኑ ግን ዓመትን መንፈቕን ምስ ገበረ ክገድፎ ከም ዘለዎ ክኢላታት ይዛረቡ። ብተወሳኺውን: ነቲ ቘልዓ ጡጦ ክወሃቦ ዘለዎ ክምገብ ከሎ ጥራይ ደኣ እምበር ከም ችቸቶ ክጥቀመሉ ከም ዘይብሉ ይላበዉ። ኣብ ርእሲ እዚ: ለይቲ ዝጠቡ እንተ​ድኣ ዀይኑ ማይ ጥራይ እንተ ተዋህቦ ዝሓሸ ኢዩ። እቲ ቘልዓ ምስ ተመገበ ብጽሩይን ልስሉስን ጨርቂ ገይርካ ኣስናኑ ከተጽርየሉ ይከኣል ኢዩ።

ኣስናንካ ቀልጢፉ ካብ ምሕሳኽ ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ። እወ: ንዕሸላት እውን እንተ​ዀነ ግቡእ ክንክን ስኒ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ