ንተነቃፊ ኣስናን ምክንኻን
ኣስናንካ ወዲ ኽንደይ ምስ ኰንካ ኢዩ ክበቍል ጀሚሩ፧ ገና ኣዴኻ ነፍሰ-ጾር ከም ዝዀነት ቅድሚ ምፍላጣ ኣብ ማህጸን ከሎኻ ክበቍል ከም ዝጀመረ ምፍላጥካ ይገርመካ ይኸውን! በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ኣደ ከም ካልስዩም: ፎስፈረስ: ፕሮቲን: ከምኡውን ቪታሚን ዝኣመሰለ እኹል መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ክትምገብ ዘለዋ።
ናጽላኸ እንታይ ጥንቃቐ ክግበረሉ ይግባእ፧ ጡጦ ዝጠብዉ ቈልዑ ኣስናኖም ንምሕሳኽ እተቓልዐ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መጀመርታ እተን ላዕለዎት ቆሎ ስኒ ኢየን ዝሕስኻ። እዚ ዝኸውን ግን ብኸመይ ኢዩ፧ ገሊኦም ዕሸላት ጸባ: ጽማቝ: ሽኮር ዘለዎ ማይ: ወይ ልስሉስ መስተ እናጠቦዉ ድቃስ ይወስዶም። እዚ ክቦክዕ ዝኽእል ፈሳሲ: ባክተርያ ንኽራብሑ ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ካርቦሃይድሬት ዝሓዘ ኢዩ። እቶም ባክተርያ እውን ብተራኦም ኣሲድ ይፈጥሩ። እቲ ኣሲድ ብፍላይ ምሉእ ለይቲ ኣብ ኣስናን እቶም ቈልዑ እንተድኣ ሓዲሩ ዝያዳ የበላሽዎ። ገለ ቈልዑ ኣስናኖም ኣጸቢቑ እንተድኣ ሓሲኹ ካብቲ ግቡእ ግዜኡ ኣቐዲሙ ክጐርፍ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ቀወምቲ ኣስናን ክበቍል ከሎ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድረሉ።
ወለዲ ነቲ ተነቃፊ ኣስናን ናይ ንኣሽቱ ደቆም ብኸመይ ክከናኸንዎ ይኽእሉ፧ ጸባ ጡብ ኣደ ሕማም ዘስዕቡ ህዋሳት ዘይብሉን እኹል ጸረ-ኣካል ዘለዎን ብምዃኑ ዝበለጸ ኢዩ። እቲ ቘልዓ ጡጦ ክጠብው እንተድኣ ዀይኑ ግን ዓመትን መንፈቕን ምስ ገበረ ክገድፎ ከም ዘለዎ ክኢላታት ይዛረቡ። ብተወሳኺውን: ነቲ ቘልዓ ጡጦ ክወሃቦ ዘለዎ ክምገብ ከሎ ጥራይ ደኣ እምበር ከም ችቸቶ ክጥቀመሉ ከም ዘይብሉ ይላበዉ። ኣብ ርእሲ እዚ: ለይቲ ዝጠቡ እንተድኣ ዀይኑ ማይ ጥራይ እንተ ተዋህቦ ዝሓሸ ኢዩ። እቲ ቘልዓ ምስ ተመገበ ብጽሩይን ልስሉስን ጨርቂ ገይርካ ኣስናኑ ከተጽርየሉ ይከኣል ኢዩ።
ኣስናንካ ቀልጢፉ ካብ ምሕሳኽ ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ። እወ: ንዕሸላት እውን እንተዀነ ግቡእ ክንክን ስኒ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ!