ጨካን ዝልቦም ሰባት ክልወጡ ከለዉ
ኣብ ፖላንድ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1989 ከም ሃይማኖታዊ ማሕበር መጠን ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸቡ። እቶም ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ መሰኻኽር ነቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ክማሃሩ ዝብህጉ ዝነበሩ ሓያሎ መተኣስርቶም እናገደፍዎም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ ጀመሩ። ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ሓደ ግዜ ጨካናት ዝነበሩ ሰባት ንሓይሊ ቃል ኣምላኽ ንኽቕበልዎ ክሕግዝዎም ብኸመይ ከም ዝጸዓሩ ዝገልጽ ጸብጻብ እንሆ።
ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፖላንድ እትርከብ 12,000 ነባሮ ዘለዋ ቫዉፍ እትበሃል ከተማ ገለ ካብቶም ኣብ ፖላንድ ዘለዉ ዝኸፍኡ ገበነኛታት ዝእሰሩሉ 200 ዓመት ዝገበረ ቤት ማእሰርቲ ኣሎ። ዕዮ ናይቶም መሰኻኽር ወግዓዊ ተፈላጥነት ካብ ዝረክብ ኣትሒዙ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብኡ ዘለዉ እሱራት ብውዕዉዕ ስምዒት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከብጽሑሎም ጸዓሩ።
እታ ብለካቲት 1990 ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ንዅሎም እቶም ኣብ ፖላንድ ዘለዉ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓለፍቲ እተላእከት ደብዳበ ነቲ ብስራት ንምብጻሕ መገዲ ኣጣጠሐት። እታ ደብዳበ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ንኽቕበል ወይ ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክራኸብ ንዝደሊ ዝዀነ ይኹን እሱር እቶም ሓለፍቲ “ክኽልክልዎ የብሎምን” ብምባል እትሕብር ነበረት። ገለ ካብቶም መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ቫዉፍ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ብምንባሮም ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ጭከና ዘለዎም ብዙሓት ገበነኛታት ጽቡቕ ገይሮም ይፋለጡ ነበሩ። ይኹን እምበር: ነቶም ብጭከናኦም እተፈልጡ ካልኦት እሱራት ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ገይሮም ልቦም ንምልስላስ ዝገብርዎ ጻዕርታት ንኽባርኾ ትውክልቶም ኣብ የሆዋ ገበሩ።
ነቲ ዕዮ ምጅማር
እቲ ኣብ ቫዉፍ ንዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሕ እተመዘዘ: 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ቭሮዝላቭ ዝነብር ሓው ቸስዋፍ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ፕሮግራም ክትጅምሮ ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ። እቲ እንገብሮ ‘ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት’ ነቶም እሱራት ጠቓሚ ምዃኑ ነቶም ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣን ንኸነእምኖም ምስኣቶም ብተደጋጋሚ ነዊሕ ምይይጣት ክንገብር ነበረና።”
እቲ ንቸስዋፍ ካልኣዩ ዝነበረ ፓቨው ድማ “ሓደ ዝለዓለ በዓል ስልጣን: እቶም ገበነኛታት ነቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ስጋዊ ረብሓታት ንምርካብ ዝጥቀምሉ መሳርሒ ጥራይ ኢዩ ኢሉ ኣትሪሩ ብምዝራብ” ነቲ ጕዳይ ክሓላልኾ ከም ዝደለየ ይዝክር። እንተዀነ ግን: ብ1991 ቅድም ሓደገኛታት ገበነኛታት ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ንኽጥመቑ ገዛእ ርእሶም ምስ ኣቕረቡ: እቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣን ኣተሓሳስብኦም ለወጡ: ዝገብርዎ ምትሕብባር ድማ ዓበየ።
ቸስዋፍ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ነቶም ገበነኛታትን ክበጽሑዎም ንዝመጹ ስድራቤቶምን ንናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰራሕተኛታትን ብምምስካር ነቲ ዕዮ ጀመርናዮ። ድሕርዚ ሓደ ፈጺምና ዘይተጸበናዮ ፍሉይ ዝዀነ ነገር ከኣ ነቲ ብስራት ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ እናኸድና ክንሰብኮ ተፈቕደልና። ኣብ መወዳእታ: ተገዳስነት ዘለዎም ናይ መጀመርታ ሰባት ምስ ረኸብና: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉን ክርስትያናዊ ኣኼባታት እነካይደሉን ንእሽቶ ኣደራሽ ተዋህበና።” እወ: የሆዋ ነቶም ጨካናት ዝነበሩ እሱራት መገዲ ከፊቱሎም ኢዩ።
ውጽኢታዊ ዝዀነ ትምህርታዊ ፕሮግራም
ነዊሕ ከይጸንሐ: እታ ንእሽቶ ኣደራሽ ኣዝያ ጸበበት። እቶም እተጠመቑ እሱራትን ካብ ደገ ዝመጹ ኣሕዋትን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ይካፈሉ ስለ ዝነበሩ: 50 ዝዀኑ ገበነኛታት ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ጀመሩ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዉ ሽማግለታት ሓደ “ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኴንና ኵሉ ኣኼባታት ኣካይድና: እቶም እሱራት ድማ ኣብቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ይካፈሉ ነበሩ” ብምባል ይገልጽ። ስለዚ ኸኣ ብግንቦት 1995 ካብቲ ናይ ቅድም ዝገፍሕ ኣደራሽ ተዋህቦም።
እቶም ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ክካፈል ዝኽእል መን ምዃኑ ብኸመይ ኢዮም ክውስኑ፧ ሓው ቸስዋፍን ሓው ዘጅሽዋፍን ከምዚ ኢሎም ይገልጹ:- “ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ንሓቂ ልባዊ ተገዳስነት ዘርእዩ እሱራት ኣሎና። ሓደ ገበነኛ ዕቤት እንተድኣ ዘይገይሩ ወይ ብዘይ ቅቡል ምኽንያት ካብ ኣኼባታት ዝበኵር እንተድኣ ዀይኑ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምድላዋት ሞሳ ከም ዝጐደሎ ስለ ዘመልክት: ንስሙ ካብቲ ዝርዝር ንድምስሶ: ነቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ድማ ንሕብሮ።”
እቶም ኣሕዋት ነቶም እሱራት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩሎም ከለዉ ንኣኼባታት ጽቡቕ ገይሮም ብኸመይ ከም ዝዳለዉን ንጽሑፋትና ድማ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ከም ዝጥቀምሉን እውን ይምህርዎም። በዚ ኸምዚ: ናብ ኣኼባታት ጽቡቕ ገይሮም ተዳልዮም ይመጹ: ደስ ኢልዎም ከኣ ይካፈሉ። ሃናጺ ሓሳባት ይህቡ: ንመጽሓፍ ቅዱሶም ጽቡቕ ገይሮም ይጥቀምሉ: ኣብቲ ዝህብዎ ሓሳባት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ሕጂ ተረዲኡኒ: እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣሎኒ’ ዝብል ርእይቶ ብምሕዋስ ነቲ ምኽሪ ኣብ ገዛእ ርእሶም የውዕልዎ።
እቲ ጸሓፊ ናይታ ጉባኤ “ኣብቲ ኣብ ቫዉፍ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብጠቕላላ 20 ሰባት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምርሓሎም ኣሎ። ካብኣቶም እቶም ሸሞንተ በቶም ሰለስተ እሱራት ኣስፋሕቲ ኢዩ ዝምርሓሎም ዘሎ” ይብል። እቶም እሱራት ኣስፋሕቲ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ብምኻድን ኣብቲ ቐጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክዛወሩ ኸለዉን ብምስባኽ እውን ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብቲ ካብ መስከረም 1993 ክሳዕ ሰነ 1994 ዝነበረ ዓሰርተ ኣዋርሕ: 235 መጻሕፍቲ: 300 ዝኸውን ብሮሹራት: ከምኡውን 1,700 መጽሔታት ዓደሉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜውን: ክልተ ካብቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ሓተቱ።
ፍሉይ ኣሰምብሊታት ሓጐስ የምጽእ
ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይግበር ኣብ ዝነበረ ትምህርታዊ ፕሮግራማት: ፍሉይ ኣሰምብሊታት እውን ተወሰኸ። ገየሽቲ ተዓዘብትን ካልኦት ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋትን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ዘሎ ምውስዋስ ኣካላት ዝግበረሉ ኣደራሽ ብምምጻእ ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣሰምብልን ናይ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራማትን ዘሎ ቀንዲ ክፍልታት የቕርቡ። እቲ ናይ መጀመርታ ፍሉይ ኣሰምብሊ ብጥቅምቲ 1993 ተኻየደ። ሓምሳ እሱራት ተኻፈሉ: ጠቕላላ ቍጽሪ ተኣከብቲ ኸኣ 139 ነበረ። እታ ስዎቮ ፖልስኪ እትበሃል ጋዜጣ (ፖሊሽ) “ኣንስትን ቈልዑን ሓዊስካ ኵሎም ኣባላት ስድራቤታት ካብ ከተማ ቭሮዝላቭ መጺኦም ነበሩ” ብምባል ጸብጻብ ሃበት። ኣብ መንጎ እቲ ፕሮግራም ዝነበረ ናይ ዕረፍቲ ግዜ በተን ኣሓት እተዳለወ መግቢ ንምብላዕን ሰናይ ዝዀነ ክርስትያናዊ ሕብረት ንምግባርን ኣጋጣሚ ከፊቱ ኢዩ።
ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር: ሸውዓተ ካልእ ፍሉይ ኣሰምብሊታት ተኻየደ። እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ንዘለዉ እውን ጠቒሙ ኢዩ። ሓንቲ ምስክር ሓብቲ ንሓደ ኣብ ቫዉፍ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሕጂ ግን ተፈቲሑ ኣብ ከተማ ዝነብር ዘሎ ሰብኣይ ምስ በጽሓቶ: ኣብቲ መጀመርታ ጥርጣረ ሓደሮ። ሓደ እሱር ግን ምስክር ከም ዝዀነ ምስ ነገረቶ: “እቲ ቐታሊ እቲ ብሓቂ ምስክር ኰይኑ፧” ኢሉ ብምጭዳር ምእማን ሰኣነ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ፍቓደኛ ኰነ።
ዘደንቕ ለውጢ ተራእየ
እዚ ሰፊሕ ትምህርታዊ ፕሮግራም እዚ ነቶም ጨካን ዝልቦም እሱራት ብሓቂዶ ከም ዝልስልሱ ገይሩዎም ኢዩ፧ እስከ ባዕላቶም ዛንትኦም ይንገሩና።
ሓደ ብተፈጥርኡ መስተውዓሊ ዝዀነ ዠዝዋፍ ዝስሙ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ይእመን:- “ወለደይ ቈልዓ ከሎኹ ስለ ዝጠንጠኑኒ ኣይፈልጦምን ኢየ: ክትፍቀር ናይ ምድላይ ስምዒት ክህልወኒ ድማ ኣዝየ ኢየ ዝብህግ። ገና ንእሽቶ ከሎኹ: ኣብ ገበን ተጸመድኩ: መወዳእትኡ ድማ ሰብ ቀተልኩ። እቲ ዝነበረኒ ናይ ገበን ስምዒት ርእሰይ ክቐትል ዝብል ሓሳብ ንኸሕድር ደፋፍኣኒ: ናይ ሓቂ ተስፋ ንምርካብ ከኣ ኣዝየ እብህግ ነበርኩ። ድሕርዚ: ብ1987 መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ረኸብኩ። ካብታ መጽሔት እቲኣ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤን ዘለኣለማዊ ህይወትን ተማሃርኩ። ገና ተስፋ ከም ዘሎ ብምግንዛብ: ነቲ ርእሰይ ንምቕታል ዝነበረኒ ሓሳብ ካብ ኣእምሮይ ብምውጻእ መጽሓፍ ቅዱስ ክማሃር ጀመርኩ። ካብ የሆዋን ካብ ኣሕዋትን ፍቕሪ ብምርካበይ ሕጂ ናይ ፍቕሪ ትርጕም እንታይ ምዃኑ ተረዳእኩ።” ካብ 1993 ኣትሒዙ እዚ ቅድም ቀታል ሰብ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ኣገልጋሊ ጉባኤን ሓጋዚ ፓይነርን ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ስርዓታዊ ፓይነር ኰነ።
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ቶማሽ: ነቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብር ዝቐረበሉ ዕድመ ሰጋእ መጋእ ከይበለ ተቐበሎ። ከምዚ ብምባል ድማ ይእመን:- “ከምኡ ምግባረይ ግን ቅንዕና ዝነበሮ ስጕምቲ ኣይነበረን። ንእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሰባት ክገልጸሎም ከሎኹ ክሕበን ስለ ዝደለኹ ጥራይ ኢየ ጽንዓት ዝገብር ነይረ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ግን ዋላ ሓንቲ ፍልጠት ኣይነበረንን። ሓደ መዓልቲ: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ክኸይድ ወሰንኩ እሞ ኸድኩ። እቶም እተጠመቑ እሱራት ምዉቕ ኣቀባብላ ገበሩለይ። በቲ ዘሎኒ ፍልጠት ኣብ ክንዲ ክሕበን ዝፍትን ነቲ ጨካን ዝነበረ ልበይ ለዋህ ከም ዝኸውን ክገብሮን ኣተሓሳስባይ ክልውጥን ከም ዝነበረኒ ተገንዘብኩ።” ቶማሽ ሓድሽ ክርስትያናዊ ባህርይ ክለብስ ጀመረ። (ኤፌሶን 4:22-24) ሎሚ: ህይወቱ ወፍዩ እተጠመቐ ምስክር ኢዩ: ኣብቲ እቶም እሱራት ዘለዉዎ ክፍልታት እናኸደ ብምስባኽ ድማ ይሕጐስ ኣሎ።
ካብቶም ናይ ቅድም ኣዕሩኽ ዝመጽእ ጸቕጥታት
እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝፈለጡ ሰባት: ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ናይ ቅድም ኣዕሩኾምን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣንን ከቢድ ጸቕጢ ክወርዶም ጀመረ። ሓደ ካብኣቶም ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ብቐጻሊ የላግጹለይን የሽካዕልሉለይን ነበሩ። ነቲ ‘ከየቋረጽካ ናብ የሆዋ ጸሊ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ: ውሽጣዊ ሓጐስ ድማ ክትረክብ ኢኻ’ ዝብል እቶም ኣሕዋት ዝነግሩኒ ዝነበሩ ዘተባብዕ ቃላት ብቐጻሊ እዝክር ነበርኩ። እዚ ብሓቂ ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ድልዱል ኣካል ዘለዎ ሪሻርድ ዝስሙ እተጠመቐ ሓው ከምዚ ይብል:- “እቶም መተኣስርተይ ሕማቕ ጸርፍታት ንኽጸርፉኒ ዋላ ሓንቲ ንሕስያ ኣይነበሮምን። ‘ናብ ኣኼባታትኩም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ: ፍሉይን ዝሓሽካን መሲልካ ክትርአ ግን ኣይትፈትን: ሕራይዶ፧’ ብምባል ኣጠንቀቑኒ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓለይ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ምስ ገበርኩ: ስቓይ ወረደኒ። ንዓራተይ ይግልብጥዎ: ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋተይ ይድርብይዎ: ነቲ ዝድቅሰሉ ከባቢ ድማ የርስሕዎ ነበሩ። ርእሰይ ክቈጻጸር ሓይሊ ክህበኒ ናብ የሆዋ ብምጽላይ: ነቲ ዝድቅሰሉ ከባቢ ቀስ እናበልኩ ከተዓራርዮ እጅምር። ቍሩብ ጸኒሑ: እቲ ዝወርደኒ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣቋረጸ።”
ካልኦት እተጠመቑ እሱራት ድማ ከምዚ ብምባል የዘንትዉ:- “እቶም መተኣስርትና ንየሆዋ ንምግልጋል ጽኑዕ ውሳነ ከም ዝገበርና ምስ ረኣዩ: ዝወርደና ዝነበረ ጸቕጥታት ካልእ መልክዕ ክሕዝ ጀመረ። ‘ድሕሪ ደጊም መስተ ኣይክትሰትዩን ሽጋራ ኣይከተትክኹን ወይ ድማ ኣይክትሕስዉን ኢኹም ማለት ምዃኑ ኣይትረስዑ’ ይብሉና ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ሓደ ሰብ ንዝዀነ ይኹን ሕማቕ ነገራት ወይ ወልፍታት ብምልጋስ ገዛእ ርእሱ ንኽገትእ ይሕግዞ ኢዩ። ሓደ ሰብ ፍረ መንፈስ ንኸፍሪ እውን ይሕግዞ ኢዩ።”—ገላትያ 5:22, 23
ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃን
እቶም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣን ፍቓድ ስለ ዝሃቡ: ኣብ ጽድያ 1991 ኣብቲ ምውስዋስ ኣካላት ዝግበረሉ ናይ መጀመርታ ጥምቀት ተኻየደ። ዥዝዋፍ ሕጉስ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ነበረ። ዓሰርተው ክልተ እሱራት ተኻፊሎም ነበሩ: ካብተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ከኣ 21 ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ንምክፋል መጺኦም ነበሩ። እቲ ኣኼባ ኣብቶም እሱራት ዘተባብዕ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኢዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘገርም ዕቤት ገበሩ: ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት እቲኣ ድማ ካልኦት ክልተ ገበነኛታት ተጠምቁ። ክልተ ዓመት ጸኒሑ: ብ1993 ክልተ ግዜ ጥምቀት ተኻየደ: ካልኦት ሸውዓተ ገበነኛታት ከኣ ብምጥማቕ ህይወቶም ንየሆዋ ከም ዝወፈዩ ኣርኣዩ!
ሓንቲ ኣብታ ሃገር እትወጽእ ቨይቾርድ ሮትስዋቭያ እትበሃል መዓልታዊ ጋዜጣ (ፖሊሽ) ነቲ ኣብ ታሕሳስ እተኻየደ ጥምቀት ኣመልኪታ ከምዚ ብምባል ትዕዝብታ ገለጸት:- “ሰባት ናብቲ ምውስዋስ ኣካላት ዝግበረሉ ኣደራሽ ብቐጻሊ ይውሕዙ: ኣብኡ ድማ ንዅሎም ሰላም ይብልዎም። ኣብ መንጎኦም ዝጋየሽ ሰብ የለን። ብኣተሓሳስብኦምን ኣነባብራኦምን ነቲ የሆዋ ዝስሙ ሓደ ኣምላኽ ብምግልጋሎምን ብምሕባር: ሓንቲ ዓባይ ስድራቤት መስሪቶም ኢዮም።” እዛ “ዓባይ ስድራቤት” እዚኣ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ 50 ገበነኛታት ሓዊስካ 135 ሰባት ዝሓዘት ነበረት። እስከ ንገለ ካብኣቶም ንርአ።
እቲ ኣብ ሰነ እተጠመቐ የርዚ ዝስሙ እሱር ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝሰማዕኩ ገለ ዓመታት ይገብር እኳ እንተዀነ: ጨካን ኢየ ነይረ። መታለሊ ኢየ ነይረ: ምስታ ቀዳመይቲ ሰበይተይ ተፋቲሐ: ምስ ክርስቲና ዘይሕጋዊ ርክብ ነይሩኒ: ሕጋዊ ካብ ዘይኰነ ሓዳር ቈልዓ ወሊደ: ከምኡውን ብተደጋጋሚ ተኣሲረ። ህይወተይ ከምዚ ኢዩ ዝመስል ነይሩ።” ካልኦት ተረርቲ ገበነኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ መሰኻኽር ክዀኑ ምስ ረኣየ: ንገዛእ ርእሱ ‘ኣነኸ ዝሓሸ ሰብ ክኸውንዶ ኣይክእልን ኢየ፧’ ኢሉ ክሓትት ጀመረ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓተተ: ናብ ኣኼባታት ድማ ክመጽእ ጀመረ። ይኹን እምበር: ክርስቲና ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀነት ሓደ ጠበቓ ምስ ነገሮ: ኣብ ህይወቱ ዓቢ ለውጢ ዝገብረሉ ነጥቢ በጽሐ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ኣዝየ ኢየ ተገሪመ! ‘ኣነኸ፧ እንታይ ኢየ ዝገብር ዘለኹ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ስምረት የሆዋ ክረክብ እንተድኣ ዀይነ ንህይወተይ ስርዓት ከትሕዞ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ።” ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ክርስቲናን ምስታ ማርዚና ዝስማ ጓል 11 ዓመት ጓሎምን ክራኸብ ከሎ ዘሐጕስ ኵነታት ኢዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ: መርዕኦም ሕጋዊ ገበርዎ። የርዚ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ሕማቕን ጽቡቕን የሕልፍ እኳ እንተሎ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ናይ ምልክት ቋንቋ ብምምሃሩ ጸማማት ንዝዀኑ እሱራት ክሕግዝ ክኢሉ ኢዩ።
ሚሮስዋፍ ድሮ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኸሎ: ገበን ኣብ ናይ ምፍጻም ንጥፈታት ተጸሚዱ ነበረ። እቲ ኣዕሩኹ ዝገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ኣዝዩ ይማርኾ ነበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ከምቲ ናቶም ክገብር ጀመረ። ንሱ ዝዘረፎም ወይ ዝሃረሞም ሰባት ብዙሓት ኢዮም ነይሮም። ድሕርዚ ኸኣ ተኣስረ። ከምዚ ብምባል እውን ይእመን:- “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተኹ: ሓገዝ ደልየ ናብ ሓደ ቀሺ ከድኩ። ኣዝየ ተስፋ ቘሪጸ ስለ ዝነበርኩ ግን: ስሚ ብምስታይ ህይወተይ ክቐትል ወሰንኩ።” ኣብታ ህይወቱ ክቐትል መዲቡላ ዝነበረ መዓልቲ: ናብ ካልእ ክፍሊ ተቐየረ። ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት እትዛረብ ሓንቲ ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ረኸበ። ወሲኹ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቀሊልን ንጹርን ሓበሬታ እቲ ንዓይ ዘድልየኒ ነገር ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ሕጂ ብህይወት ክነብር ኢየ ዝደሊ! ስለዚ ኸኣ ናብ የሆዋ ጸለኹ: እቶም መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩለይ ድማ ሓተትክዎም።” መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጽናዕ ቅልጡፍ ዕቤት ገበረ: ብ1991 ድማ ተጠምቀ። ሕጂ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ እናኸደ ክሰብኽ መሰል ብምርካብ: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ የገልግል ኣሎ።
ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ብጠቕላላ 15 እሱራት ተጠሚቖም ኢዮም። እቲ እተበየነሎም ፍርዲ ተደሚሩ ዳርጋ 260 ዓመታት ዝበጽሕ ኢዩ። ገሊኦም ፍርዶም ከይወድኡ ተፈቲሖም ኢዮም። ሓደ ን25 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ ዝነበረ እሱር 10 ዓመት ተነከየሉ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለዉ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሓያሎ እሱራት እውን ምስ ተፈትሑ እተጠመቑ መሰኻኽር ኰኑ። ብተወሳኺ: ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንጥምቀት ዝዳለዉ ዘለዉ ካልኦት ኣርባዕተ እሱራት ኣለዉ።
ብሰበ-ስልጣን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ እተዋህበ ኣፍልጦ
ሓደ ናይ ቤት ማእሰርቲ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቶም ገበነኛታት ኣብ ኣረኣእያኦም ዝገበርዎ ለውጢ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ። ብዙሓት ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጽዎ: ንኽፍልታቶም ድማ ብንጽህና ይሕዝዎ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጠባይ ለውጢ ምግባር ኣብ ሓያሎ ገበነኛታት ይርአ ኣሎ።”
ምምሕዳር ናይቲ ኣብ ቫዉፍ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ “እቶም ገበነኛታት ስነ-ስርዓት ዘለዎም ኢዮም፣ ንናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓለውቲ ድማ ጸገም ዝበሃል ኣይፈጥሩሎምን ኢዮም” ኢሉ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ እታ ዛይች ቫርሻፍ እትበሃል ጋዜጣ (ፖሊሽ) ጸብጻብ ሃበት። እታ ዓንቀጽ ቀጺላ እቶም ፍርዶም ከይወድኡ እተፈትሑ እሱራት ምስ ስርዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ገይሮም እተወሃሃዱን ናብቲ ገበን ናይ ምፍጻም ናብራ ኸኣ ከም ዘይምለሱን ገለጸት።
ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ኣረኣእያኸ እንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ብምባል ድማ ኣፍልጦ ይህብ:- “እቲ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ ዝግበር ዘሎ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ተደላዪን ሓጋዝን ኢዩ። እቶም ገበነኛታት እቲ [ምስቶም መሰኻኽር] ዝገበርዎ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብርኦም ዝመርሖም ሓድሽ ሓይሊ ስለ ዝዀኖም ባህርያቶምን ስርዓቶምን ይልወጥ ኢዩ። ጠባዮም ኣዝዩ ጥዑምን እሩምን ኢዩ። ዘየሸግሩ ህርኵታት ዓየይቲ ኢዮም።” እቲ በቶም ሰበ-ስልጣን እተዋህበ ደስ ዘብል ሓሳባት ነዞም ምስቶም ኣብ ቫዉፍ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ሓቢሮም ዝዓዩ መሰኻኽር ዘሐጕሶም ኢዩ።
እቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሑዎ መሰኻኽር ነቲ “ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። . . . ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ” ዝብል ቃላት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ይግንዘብዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:14, 16) እቲ ሕያዋይ ጓሳ: የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ንምእካብ ናይ ኣብያተ-ማእሰርቲ ሓጹር እውን እንተዀነ ኣይክልክሎን ኢዩ። እቶም ኣብ ቫዉፍ ዘለዉ መሰኻኽር ኣብዚ ዘሐጕስ ኣገልግሎት እዚ ናይ ምክፋል መሰል ብምርካቦም መመስገንቲ ኢዮም። እቶም መሰኻኽር ነቶም ጨካን ልቢ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ክቕበልዎ ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕሪ የሆዋ ብዘይ ምቍራጽ ክባርኾ ብተስፋ ኢዮም ዝጽበዩ።—ማቴዎስ 24:14
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
“ንሓደ ከም ቈልዓ ዝዀነ በጽሒ ዘጋጥሞ” ግድል
እቶም ኣብ ቫዉፍ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝዓዩ ዘለዉ መሰኻኽር ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ሃቡ:- “ሓደ እሱር ንገለ ግዜያት ተኣሲሩ ጸኒሑ ክፍታሕ ከሎ: ናጻ ኴንካ ምንባር ወይ ርእስኻ ባዕልኻ ምምራሕ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ዝነበሮ ምርዳእ መብዛሕትኡ ግዜ የጥፍእ ኢዩ። ሓደ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝፍታሕ ሰብ ምስ ወጸ ገዛእ ርእሱ ብኸመይ ከም ዝኣሊ ስለ ዘይፈልጥ: ‘ንሓደ ከም ቈልዓ ዝዀነ በጽሒ ዘጋጥሞ’ ግድል ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኣድላዪ ሓገዝ ኣሎና። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ግደ ናይታ ጉባኤ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ካብ ምምሃሩ ንላዕሊ ዝኸውን። ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዝኽእል ሓደስቲ ሓደጋታትን ፈተናታትን ኣጠንቂቕና: ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ንኽኸውን ከነዳልዎ ኣሎና። እቲ ምቍጽጻር መጠኑ ዝሓለፈ ከይከውን ምጥንቃቕ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ሓድሽ ህይወት ምምራሕ ንኽጅምር ክንሕግዞ ይግባእ።”