እዚኣ መዓልቲ ምድሓን ኢያ!
“እንሆ: እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ: እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።”—2 ቈረንቶስ 6:2
1. ምስ ኣምላኽን ክርስቶስን ስምረት ዘለዎ ኣቕዋም ምእንቲ ክህልወና እንታይ ምግባር ኢዩ ዘድልየና፧
የሆዋ ንደቅሰብ ዝፈርደሉ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31) ንዓናውን መዓልቲ ምድሓን ክትኰነልና ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ምስኡን ምስቲ ዝሸሞ መስፍን የሱስ ክርስቶስን ስምረት ዘለዎ ኣቕዋም ክህልወና ኣለዎ። (ዮሃንስ 5:22) ነዚ ኣቕዋም እዚ ምሓዝ ክበሃል ከሎ ድማ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ ጠባይ ከምኡውን ንኻልኦት ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኽዀኑ ክንሕግዞም ዝድርኸና እምነት ከነጥሪ ኣሎና ማለት ኢዩ።
2. እዛ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ካብ ኣምላኽ ርሒቓ ዘላ ስለምንታይ ኢያ፧
2 እዛ ናይ ደቅሰብ ዓለም ብምኽንያት እቲ እተወርሰ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ርሒቓ ኢያ እትርከብ። (ሮሜ 5:12፣ ኤፌሶን 4:17, 18) ስለዚ እምበኣር እቶም እንሰብከሎም ሰባት ድሕነት ክረኽቡ ዝኽእሉ ምስ ኣምላኽ እንተ ተዓሪቖም ጥራይ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ ነዚ ነገር እዚ ኣነጺርዎ ኣሎ። ጳውሎስ ብዛዕባ ፍርድን ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕን ድሕነትን እንታይ ከም ዝበለ ንኽንርኢ: 2 ቈረንቶስ 5:10–6:10 እስከ ንመርምር።
“ንሰብ ነረድኦም አሎና”
3. ጳውሎስ ‘ንሰባት ዘረድኦም’ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: ንሕናኸ ሎሚ ነዚ ክንገብሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3 ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገበሮ: ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ: ምእንቲ ኪቕበል: ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሀድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ: ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና። እምብኣርሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና: ንሰብ ነረድኦም አሎና” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ንፍርዲ ምስ ስብከት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 5:10, 11) እቲ ሃዋርያ ነቲ ብስራት ብምስባኽ ‘ንሰባት የረድኦም ነበረ።’ ንሕናኸ፧ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ እናቐረበ ይመጽእ ስለ ዘሎ: ካልኦት እቲ ካብ የሱስ ዝመጽእ ሰናይ ፍርዲ ከምኡውን ናይቲ ምንጪ ድሕነት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ስምረት ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ስጕምትታት ክወስዱ ንኸነረድኦም ዝከኣለና ክንጽዕር ይግብኣና።
4, 5. (ሀ) በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንፍጽሞ ዓወታት ክንምካሕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ጳውሎስ “ንኣምላኽ” እተመክሓሉ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንኣገልግሎትና እንተድኣ ባሪኽዎ ክንጀሃር የብልናን። ገለ ካብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ወይ ኣብ ካልኦት ሰባት ብትዕቢት ተነፊሖም ነበሩ: በዚ ኸምዚ ድማ ኣብታ ጉባኤ ምክፍፋል ኣምጽኡ። (1 ቈረንቶስ 1:10-13፣ 3:3, 4) ጳውሎስ ነዚ ኵነታት እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ነቶም ብገጽ እምበር: ብልቢ ዘይኰነ: ዚምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ኺህልወኩም: ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም አሎና እምበር: ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቍበኩም ኣይኰንናን። . . . እንተ ተጸለልና: ንኣምላኽ: ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን: ንኣኻትኩም ኢና።” (2 ቈረንቶስ 5:12, 13) እቶም ዕቡያት ብሓድነት ናይታ ጉባኤን ብመንፈሳዊ ድሕነታን ኣይግደሱን ኢዮም ነይሮም። ንኣመንቲ ብጾቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ልቢ ከማዕብሉ ኣብ ክንዲ ዝሕግዝዎም ብግዳማዊ ትርኢት ክጀሃሩ ይደልዩ ነበሩ። ስለዚ ጳውሎስ ነታ ጉባኤ ምስ ገሰጻ ጸኒሑ “እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ” በለ።—2 ቈረንቶስ 10:17
5 ጳውሎስ ንባዕሉ ኣይተመከሐንዶ ኢዩ፧ ገሊኣቶም ብዛዕባ ሃዋርያነቱ ስለ እተዛረበ ከምኡ መሲልዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንሱ ግን “ንኣምላኽ” ኢዩ ዝምክሓሉ ነይሩ። እቶም ሰብ ቈረንቶስ ንየሆዋ ምእንቲ ከይሓድግዎ ኢሉ ብዛዕባ እቲ ከም ሃዋርያ መጠን እተዋህቦ መሰል ኢዩ ዝምካሕ ነይሩ። ከምኡ ንኽገብር ዘለዓዓሎ ምኽንያት ድማ ናይ ሓሶት ሃዋርያት ብግጉይ መገዲ ይመርሕዎም ስለ ዝነበሩ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ክመልሶም ኢሉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:16-21፣ 12:11, 12, 19-21፣ 13:10) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ኵሉ ግዜ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ በቲ ዝፈጸሞ ዓወታት ከም ዝምሰጥ ክገብሮ ኢሉ ኣይፍትንን ኢዩ ነይሩ።—ምሳሌ 21:4
ፍቕሪ ክርስቶስ ይድርኸካዶ ኣሎ፧
6. ፍቕሪ ክርስቶስ ብኸመይ ኢዩ ክድርኸና ዝግባእ፧
6 ጳውሎስ ከም ናይ ሓቂ ሃዋርያ መጠን ንኻልኦት ብዛዕባ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ይምህሮም ነበረ። ጳውሎስ “ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ: ስለዚ ዅላቶም ሞቱ: ካብ እንብልሲ: ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ። . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” ብምባል ስለ ዝጸሓፈ: በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣብ ህይወቱ ጽልዋ ነይርዎ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) የሱስ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ብምሃቡ ከመይ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኰን ኢዩ ዘርኣየ! ብርግጽ እዚ ኣብ ህይወትና ዝድርኽ ሓይሊ ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣብ ክንዳና ህይወቱ ብምሃቡ እነርእዮ ሞሳ ነቲ የሆዋ በቲ ፍቱው ወዱ ዘቕረቦ ናይ ድሕነት ብስራት ቅንኢ ብዝመልኦ ንጥፈት ንኸነቕርቦ ክድርኸና ይግብኦ። (ዮሃንስ 3:16፣ ምስ መዝሙር 96:2 ኣረኣእዮ።) “ፍቕሪ ክርስቶስ” ኣብቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብቕንኢ ንኽትሳተፍ ይድርኸካዶ ኣሎ፧—ማቴዎስ 28:19, 20
7. ‘ንሓደ እኳ ብመገዲ ስጋ ዘይምፍላጥ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
7 ቅቡኣት ክርስትያናት ህይወቶም ነቲ ክርስቶስ ዝገበረሎም ነገር ምስጋና ብዝገልጽ መገዲ ብምጥቃም ‘ምእንትኦም ዘይኰኑስ ምእንትኡ ኢዮም ዝነብሩ።’ ጳውሎስ “ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና: ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና: ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና” በለ። (2 ቈረንቶስ 5:16) ክርስትያናት ምናልባት ንኣይሁድ ካብ ኣህዛብ ወይ ንሃብታማት ካብ ድኻታት ኣብሊጾም ብምርኣይ ንሰባት ብስጋዊ መገዲ ክርእይዎም የብሎምን። ቅቡኣት ‘ንሓደ እኳ ብመገዲ ስጋ ኣይፈልጥዎን ኢዮም:’ ከመይሲ እቲ ኣገዳሲ ነገር ምስ ኣመንቲ ብጾቶም ዘለዎም መንፈሳዊ ርክብ ኢዩ። እቶም ‘ንክርስቶስ ብመገዲ ስጋ ዝፈለጥዎ’ እቶም ንየሱስ ኣብ ምድሪ መጺኡ ከሎ ዝረኣይዎ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ሽሕ’ኳ ገለ ካብቶም ኣብ መሲሕ ተስፋ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ንክርስቶስ ብመገዲ ስጋ ይርእይዎ እንተ ነበሩ: ድሕሪ ደጊም ከምኡ ገይሮም ክርእይዎ ኣይነበሮምን። ኣካሉ በጃ ገይሩ ሃበ: ህይወት ዝህብ መንፈስ ኰይኑ ኸኣ ተንስአ። ካልኦት ንየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ርእዮምዎ ዘይፈልጡ ንሰማያዊ ህይወት ዝተንስኡ ሰባት ድማ ስጋዊ ኣካላቶም ሓዲጎም ኢዮም ዝኸዱ።—1 ቈረንቶስ 15:45, 50፣ 2 ቈረንቶስ 5:1-5
8. ሰባት ‘ምስ ክርስቶስ ዝህልዉ’ ብኸመይ ኢዮም፧
8 ንቅቡኣት ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ ጳውሎስ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ: ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ: እቲ ብሉይ ሐሊፉ: እንሆ: ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።” (2 ቈረንቶስ 5:17) ‘ብክርስቶስ ምህላው’ ክበሃል ከሎ: ምስኡ ሓደ ምዃን ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 17:21) እቲ ሰብ ከምዚ ዝበለ ርክብ ክህልዎ ዝኸኣለ: የሆዋ ናብ ወዱ ምስ ሰሓቦ እሞ ነቲ ሰብ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ምስ ወለዶ ኢዩ። መንፈሳዊ ውሉድ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ድማ: ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቲ ናይ ምክፋል ተስፋ ዘለዎ “ሓድሽ ፍጥረት” ኢዩ። (ዮሃንስ 3:3-8፣ 6:44፣ ገላትያ 4:6, 7) እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ዓቢ ናይ ኣገልግሎት መሰል ተዋሂብዎም ኢዩ።
“ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ”
9. ኣምላኽ ምስኡ ዕርቂ ምግባር ምእንቲ ኽከኣል እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧
9 የሆዋ ነዚ “ሓድሽ ፍጥረት” ኣየ ከመይ ዝበለ ስምረት ኢዩ ዘርኣዮ! ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዐርቀና: ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሀበና ኣምላኽ እዩ። ማለት ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዐርቃ ኸሎ: ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ: በደሎም ኣይሐዘሎምን: ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።” (2 ቈረንቶስ 5:18, 19) ካብቲ ኣዳም ዝሓጥኣሉ ግዜ ኣትሒዙ ወዲ ሰብ ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ኢዩ። የሆዋ ግን ብመስዋእቲ የሱስ ገይሩ መገዲ ዕርቂ ንኽኸፍተልና ብፍቕሪ ተደሪኹ ተበግሶ ወሰደ።—ሮሜ 6:6-12
10. የሆዋ ኣገልግሎት ዕርቂ ዝሃቦም ንመን ኢዩ: ንዕኡ ንምፍጻምከ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧
10 የሆዋ ነቶም ቅቡኣት: ኣገልግሎት ዕርቂ ብሕድሪ ስለ ዝሃቦም: ጳውሎስ ከምዚ ክብል ክኢሉ ኢዩ:- “ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ። . . . ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ: እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና።” (2 ቈረንቶስ 5:20) ኣብ ግዜ ጥንቲ ልኡኻት: ውግእ ደው ክብል ዝኽእል እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ብፍላይ ኣብ እዋን ግጭት ኢዮም ብህጹጽ ዝለኣኹ ነይሮም። (ሉቃስ 14:31, 32) እዛ ብሓጢኣት ዝመልአት ናይ ደቅሰብ ዓለም ካብ ኣምላኽ ርሒቓ ስለ ዘላ: ብዛዕባ እቲ ንዕርቂ ዝገበሮ ስምምዕ ንሰባት ምእንቲ ከፍልጥዎም ነቶም ቅቡኣት ልኡኻቱ ለኣኾም። እቶም ቅቡኣት ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ብምዃን “ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ” እናበሉ ይልምኑ ኣለዉ። እዚ ማዕዳ እዚ ምስ ኣምላኽ ሰላም ንምግባርን ነቲ ብክርስቶስ ኣቢልካ ከም ዝርከብ ዝገበሮ ድሕነት ከኣ ንምቕባልን ዘተባብዕ ምሕረት ዝመልኦ ምሕጽንታ ኢዩ።
11. ኣብ መወዳእታ በቲ ብእምነት ዝርከብ በጅነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ዝሕዙ መን ኢዮም፧
11 ኵሎም እቶም ኣብቲ በጅነት እምነት ዘርእዩ ሰባት ምስ ኣምላኽ ክዕረቑ ይኽእሉ ኢዮም። (ዮሃንስ 3:36) ጳውሎስ “ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን: [የሆዋ] ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ [ክርስቶስ] ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 5:21) እቲ ፍጹም የሱስ ንዅሎም እቶም ካብቲ እተወርሰ ሓጢኣት ዝደሓኑ ዘርኢ ኣዳም መስዋእቲ ሓጢኣቶም ኰይኑ ኢዩ። ብየሱስ ኣቢሎም “ጽድቂ ኣምላኽ” ኰይኖም ኢዮም። እዚ ጽድቂ እዚ ወይ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ምሓዝ መጀመርታ እቶም መዋርስቲ ክርስቶስ ዝዀኑ 144,000 ኢዮም ዝረኽብዎ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ እቶም ምድራውያን ደቂ ናይቲ ዘለኣለማዊ ኣቦ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ፍጹማት ሰባት ብምዃን ጽድቃዊ ኣቕዋም ክህልዎም ኢዩ። ንኣምላኽ እሙናት ብምዃን ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክቕበሉ ናብ ፍጽምና ዘለዎ ጽድቃዊ ደረጃ ክብ ከብሎም ኢዩ።—ኢሳይያስ 9:6፣ ራእይ 14:1፣ 20:4-6, 11-15
“እታ ቕብልቲ ጊዜ”
12. በቶም ናይ የሆዋ ልኡኻትን ወኪላትን እንታይ ኣገዳሲ ኣገልግሎት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧
12 ምእንቲ ክንድሕን ምስቲ “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ: ንሕና መዓይይቲ [የሆዋ] ዄንና ንምዕደኩም አሎና። ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ: ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ: ይብል እዩ እሞ: እንሆ: እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ: እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” ዝብል ቃላት ጳውሎስ ተሰማሚዕና ክንመላለስ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 6:1, 2) እቶም ናይ የሆዋ ቅቡኣት ልኡኻትን እቶም ወኪላቱ ዝዀኑ ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ንኸንቱ ኣይቅበልዎን ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16) ኣብዛ “ቕብልቲ ጊዜ” እዚኣ ብዘርእይዎ ቅኑዕ ኣካይዳን ቅንኢ ዝመልኦ ኣገልግሎትን መለኮታዊ ስምረት ይደልዩ: ንተቐማጦ ምድሪ ኸኣ እዛ ግዜ እዚኣ “መዓልቲ ምድሓን” ምዃና ይሕብርዎም።
13. እቲ ኢሳይያስ 49:8 ሒዛቶ ዘላ ፍረ ነገር እንታይ ኢዩ: ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ዝረኸበኸ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ጳውሎስ ካብቲ ከምዚ ዝብል ናይ ኢሳይያስ 49:8 ቃላት ይጠቅስ:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፤ ብምሽእቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ: ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ። ንምድሪ ኸተቝማ: ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶም: . . . ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ።” እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ናጻ ወጺኦም ናብታ ዝበረሰት ዓዶም ምስ ተመልሱ እዚ ትንቢት እዚ ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ረኸበ።—ኢሳይያስ 49:3, 9
14. ኢሳይያስ 49:8 ብወገን የሱስ ፍጻሜኣ ዝረኸበት ብኸመይ ኢያ፧
14 ናይ ትንቢት ኢሳይያስ ካልእ ተወሳኺ ፍጻሜ ኸኣ የሆዋ ነቲ “ባርያኡ” የሱስ ‘ምድሓን ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ: ብርሃን ኣህዛብ’ ገይርዎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 49:6, 8፣ ምስ ኢሳይያስ 42:1-4, 6, 7፣ ማቴዎስ 12:18-21 ኣረኣእዮ።) እታ “ምሽእቲ ጊዜ” ወይ ከኣ “ቅብልቲ ጊዜ” ተባሂላ ዘላ ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን ከም እተመልክት እተረጋገጸ ኢዩ። ንሱ ጸለየ: ኣምላኽ ከኣ ‘ሰምዖ።’ ንጽህንኡ ፍጹም ኰይኑ ብምሕላዉ “ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዅላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት” ስለ ዝዀኖም ንየሱስ “መዓልቲ ምድሓን” ኢያ ነይራ።—እብራውያን 5:7, 9፣ ዮሃንስ 12:27, 28
15. መንፈሳውያን እስራኤል ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ክቕበሉ ድሉዋት ንምዃን ዝጸዓሩ ካብ መዓስ ጀሚሮም ኢዮም: ምስ ከመይ ዝበለ ዕላማኸ፧
15 ጳውሎስ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳልዋ ‘ቅብልቲ ግዜን’ ‘መዓልቲ ምድሓንን’ ፍቓዱ ካብ ምድላይ ብምስናፍ ‘ጸጋ ኣምላኽ ብኸንቱ ከይቅበሉ’ ብምምዓድ ንኢሳይያስ 49:8 ኣብ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣውዓላ። ጳውሎስ ወሲኹ “እንሆ: እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ: እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 6:2) ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው: መንፈሳውያን እስራኤል እታ “ቕብልቲ ጊዜ” ንዓታቶም “መዓልቲ ምድሓን” ምእንቲ ኽትኰነሎም ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ንምቕባል ድሉዋት ንኽዀኑ ጽዒሮም ኢዮም።
“ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ”
16. ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ፈታኒ ኵነታት ኢዩ ንገዛእ ርእሱ ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘርኣየ፧
16 ገለ ካብቶም ምስ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝሓብሩ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ንምቕባል ድሉዋት ኣይነበሩን። ጳውሎስ ‘ገለ መዓንቀፊ ዘይህብ’ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ናይ ሃዋርያዊ ስልጣኑ ከጥፍእሉ ኢሎም የኽፍእዎ ነበሩ። ብርግጽ ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ “ብብዙሕ ትዕግስቲ: ብመከራ: ብጭንቀት: ብጸበባ: ብመውቃዕቲ: ብማእሰርቲ: ብጋሮ: ብጻዕሪ: ብምንቃሕ: ብጾም” ርእሱ ኣርእዩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:3-5) ጸኒሑ ድማ ጳውሎስ እቶም ተጻረርቱ ኣገልገልቲ ኢና ዝብሉ እንተድኣ ነይሮም: ካብኦም ዝያዳ ማእሰርቲ: መውቃዕቲ: ሓደጋታትን ስእነትን ስለ ዘሕለፈ ንሱ ከም ‘ዝበልጾም’ ርትዓዊ ዝዀነ ሓሳብ ኣቕረበ።—2 ቈረንቶስ 11:23-27
17. (ሀ) ከመይ ዝበሉ ባህርያት ብምንጽብራቕ ኢና ርእስና ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከነርኢ እንኽእል፧ (ለ) ‘ኣጽዋር ጽድቂ’ እንታይ ኢዩ፧
17 ንጳውሎስን ብጾቱን ብምምሳል ንሕናውን ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ “ብንጽህና” ከምኡውን ምስቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስ ኢና ከነርኢ እንኽእል። ርእስና ከነርእየሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ “ብዓቕሊ” እዚ ማለት ከኣ ንጌጋ: ወይ ከኣ ነቲ ንምቝጣዕ ዘለዓዕለና ነገራት ብትዕግስቲ ብምጽማም: ከምኡውን “ብሕያውነት” እዚ ኸኣ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ብመንፈሱ ዝወሃበና መምርሒ ብምቕባል: ‘ተጕላባ ዘይብላ ፍቕሪ’ ብምርኣይ: ሓቂ ብምዝራብ: ከምኡውን ኣገልግሎትና ንምፍጻም ሓይሊ ክህበና ኣብኡ ብምውካል ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ከነርኢ ንኽእል ኢና። ዘገርም ከኣ ጳውሎስ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ደረጅኡ “በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም” ገይሩ ኣረጋጊጹዎ ኢዩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ውግእ: የማናይ ኢድ መብዛሕትኡ ግዜ ሴፍ ክሕዝ ከሎ ጸጋማይ ኢድ ከኣ ዋልታ ይሕዝ ነበረ። ጳውሎስ ኣብቲ ኣንጻር መማህራን ሓሶት ዝገብሮ ዝነበረ ቃልሲ: ከም ቄናን ኣተሓሳስባ: ምትላል: ጥበራ ዝኣመሰለ ናይ ሓጥእ ስጋ ኣጽዋር ኣይተጠቕመን። (2 ቈረንቶስ 6:6, 7፣ 11:12-14፣ ምሳሌ 3:32) ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ ናይ ጽድቂ “ኣጽዋር” ወይ ሜላ ኢዩ ተጠቒሙ። ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ይግብኣና።
18. ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንተድኣ ዄንና: ንገዛእ ርእስና ብቕዕቲ እንገብራ ብኸመይ ኢና፧
18 ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንተድኣ ዄንና: ከምቲ ጳውሎስን መተዓይይቱን ዝገበርዎ ንገዛእ ርእስና ብቕዕቲ ክንገብራ ኢና። ንኽበር ወይ ንሕሰር ብዘየገድስ ክርስትያናት ኴንና ክንመላለስ ኢና። እቲ ብዛዕባና ዝውረ ክፉእ ወረ ነቲ ዕዮ ስብከትና ኣይዓግቶን ኢዩ: ጽቡቕ ወረ እንተድኣ ተወርዩልና እውን ኣይንዕበን ኢና። ሓቂ ክንዛረብ ኢና: በቲ እነርእዮ ኣምላኻዊ ግብሪ ድማ ተፈላጥነት ንረክብ ንኸውን። ብምኽንያት እቲ ካብ ጸላኢ ዝወርደና መጥቃዕቲ ኣብ ናይ ሞት ሓደጋ ንርከብ እኳ እንተ ዀንና እውን ኣብ የሆዋ ኢና እንውከል። ንመቕጻዕቲ ድማ ብምስጋና ንቕበል ኢና።—2 ቈረንቶስ 6:8, 9
19. ብመንፈሳዊ መገዲ ‘ንብዙሓት ክንጽግዎም’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
19 ብዛዕባ እቲ ናይ ዕርቂ ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓሳብ ክድምድም ከሎ ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱን ብጾቱን ኣመልኪቱ “ከም ጕሁያት: ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና: ከም ድኻታት: ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና: ኵሉ ኸሎናስ: ሓንቲ ኸም ዜብሎም ኴንና ንረኤ አሎና” ብምባል ይዛረብ። (2 ቈረንቶስ 6:10) እዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም በቲ ዝወርዶም ዝነበረ መከራ ዝጕህይሉ ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮም: ውሽጣዊ ሓጐስ ነይርዎም ኢዩ። ብስጋ ድኻታት ኢዮም ነይሮም: ብመንፈሳዊ መገዲ ግን ‘ንብዙሓት ኣጸግዮም’ ኢዮም። እምነቶም መንፈሳዊ ሃብቲ—ሰማያውያን ደቂ ኣምላኽ ናይ ምዃን ተስፋ እውን ከይተረፈ—ስለ ዘምጽኣሎም ‘ኵሉ ነይርዎም’ ኢዩ። ከም ክርስትያን ኣገልገልቲ መጠን ከኣ ብልጹግን ሕጉስን ናብራ ህይወት ነይርዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ልክዕ ከማታቶም ንሕናውን ነቲ ናይ ዕርቂ ኣገልግሎት ሕጂ—ኣብዛ መዓልቲ ድሕነት እዚኣ—ንኻልኦት ብምክፋል ‘ንብዙሓት ክንጽግዎም’ ንኽእል ኢና!
ኣብቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ ድሕነት ተወከል
20. (ሀ) እቲ ናይ ጳውሎስ ልባዊ ባህጊ እንታይ ኢዩ ነይሩ: ዘየላቡ ግዜ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ መዓልቲ ምድሓን ምዃኑ ዘመልክት እንታይ ኢዩ፧
20 ጳውሎስ ነታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ካልኣይቲ መልእኽቱ ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ክጽሕፋ ኸሎ እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ንኽጠፍእ ገለ 15 ዓመታት ኣቢሉ ጥራይ ኢዩ ተሪፍዎ ነይሩ። እቲ ሃዋርያ ንኣይሁድን ኣህዛብን ብክርስቶስ ኣቢሎም ምስ ኣምላኽ ክዕረቑ ሃረርትኡ ኢዩ ነይሩ። እቲ ግዜ እቲ መዓልቲ ምድሓንን ዘየላቡ ግዜን ኢዩ ነይሩ። ንሕናውን ምስ እዚ ዝመሳሰል ካብ 1914 ንነጀው ኣብ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኢና እንነብር ዘሎና። እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ: እዚ እዋን እዚ መዓልቲ ምድሓን ከም ዝዀነ ኢዩ ዘመልከት።
21. (ሀ) ን1999 እተመርጸት ናይ ዓመት ጥቕሲ ኣየነይቲ ኢያ፧ (ለ) ኣብዚ መዓልቲ ምድሓን እዚ እንታይ ኢና ክንገብር ዝግብኣና፧
21 ህዝብታት ኵላ ምድሪ ነቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንምድሓን ዝገበሮ ምድላው ክሰምዕዎ የድልዮም። ሕጂ እንደናጐየሉ ግዜ ኣይኰነን። ጳውሎስ “እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። እዘን ናይ 2 ቈረንቶስ 6:2 ቃላት ናይ 1999 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ዓመት ጥቕሲ ክዀና ኢየን። ካብቲ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ዝወረደ ጥፍኣት ዝኸፍአ ክወርድ ንጽበ ስለ ዘሎና እዘን ቃላት እዚኣተንሲ ኣየ ኽንደይ ምስ ግዜና ዝሰማማዓ ኰን ኢየን! ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ዝትንክፍ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ስጕምቲ እንወስደሉ ግዜ ጽባሕ ዘይኰነስ ሎሚ ኢዩ። ምድሓን ናይ የሆዋ ምዃኑ ንኣምን እንተድኣ ዄንና: ነፍቅሮ እንተድኣ ዄንና: ንናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ኣኽቢርና ንርእዮ እንተድኣ ዄንና ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ንኸንቱ ኣይክንቅበልን ኢና። ንየሆዋ ንምኽባር ልባዊ ዝዀነ ባህጊ ብምሕዳር “እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” ክንብል ከሎና ብሓቂ ከም ዝኣመንናሉ ብቓልን ብግብርን ከነርኢ ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብቲ ናይ ዕርቂ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዘለዉ ልኡኻትን ወኪላትን መን ኢዮም፧
◻ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ከነዕቍብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ እታ ናይ 1999 ዓመት ጥቕሲ ንዓኻ ከመይ ዝበለ ትርጉም ኢዩ ዘለዋ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእልታት]
ከም ጳውሎስ ብቕንኢ እናሰበኽካ ካልኦት ምስ ኣምላኽ ክዕረቑ ትሕግዞምዶ ኣሎኻ፧
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ፈረንሳ
ኮትዲቭዋር
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣብዚ መዓልቲ ምድሓን እዚ ኣብ ማእከል እቶም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝዕረቑ ሰባትዶ ትኸውን ኣሎኻ፧