“ኣብ ፈረንሳ እንታይ ኢዩ ዝግበር ዘሎ፧”
ኣብቲ “ላ ማርሰየዝ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃገራዊ መዝሙር ፈረንሳ “ሓርነት: ክብርቲ ሓርነት” ዝብል ቃላት ይርከብ። ብዘይጥርጥር ሓርነት ኣኽቢርካ ኽርአ ዘለዎ ነገር ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ፈረንሳ ንመሰረታዊ ናጽነት ኣብ ሕቶ ዘእቱ ጕዳይ ዕሽሽ ተባሂሉ ይርአ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም: ብዓርቢ 3 ሕዳር 2000 ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብድምር 12 ሚልዮን ቅዳሓት ናይታ “ኣብ ፈረንሳ እንታይ ኢዩ ዝግበር ዘሎ፧ ናጽነትዶ ኽጭፍለቕ ኢዩ፧” ዘርእስታ ትራክት ዝዓደሉ።
ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ እተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ጕጅለታት ጸረ-ኣንቈራን መጥቃዕቲ ኽወርዶም ካብ ዝጅምር ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብውልቀ-ሰብ: ብጉባኤ: ከምኡውን ብሃገር ደረጃ ጸገም ፈጢርሎም ኢዩ። ብ23 ሰነ 2000 ግን እቲ ኮንሰይ ዴታ ዝበሃል ናይ ፈረንሳ ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ: ነቲ 31 ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ ጽቡቕ ብይን ሂቦምሉ ዝነበሩ 1,100 ጕዳያት ቅኑዕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣገዳሲ ውሳነ ገበረ። እዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ኣምልኾ ምስ ናይ ፈረንሳ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሰማማዕን ኣደራሻት መንግስቲ ልክዕ ከም ካልኦት ሃይማኖታት ካብ ግብሪ ናጻ ክኸውን ከም ዝግባእን ኣረጋገጸ።
ይኹን እምበር: ሚኒስትሪ ፋይናንስ ፈረንሳ ነዚ ውሳነ እዚ እዝኒ ብዘይምግባር: ነቲ ንሃይማኖታዊ ትካላት ካብ ግብሪ ናጻ ክዀና ዝፈቅድ ሕጊ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይውዕል ከልከለ። እቲ ሚኒስትሪ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብተን 1,500 ዝዀና ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ጉባኤታት ምስኦም ዝሓብሩ ፈተውቶምን ዝገብርዎ ወፈያ 60 ሚእታዊት ግብሪ ክኽፈሎ ይሓትት ኣሎ። እዚ ጕዳይ ገና ኣብ መጐተ ኢዩ ዘሎ።
ዕላማ ናይቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ወፈራ ነዚ ኣንጻር ሕጊ ዝዀነ ተግባር ንምቅላዕ ከምኡውን እዚ ዓይኒ ዘይብሉ ኣከፋፍላ ግብርን ንሃይማኖታዊ ሓርነት ዝጸቅጥ ቀሪቡ ዘሎ ሕግታትን ዘምጽኦ ሽግራት ንምጕላሕ ኢዩ።a
ብዙሕ ዕማም እተዓመላ መዓልቲ
ኣብ ገሊአን ጉባኤታት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ኣብ ከባቢ መደበራት ባቡር: ፋብሪካታት: ከምኡውን መዓርፎ ነፈርቲ ነታ ትራክት ክዕድሉ ጀመሩ። ሰዓት ሽዱሽተ ምስ ኰነ እቲ ጸጥ ኢሉ ዝነበረ ጐደናታት ፓሪስ ብዝንቀሳቐሱ ሰባት መልአ። ገለ 6,000 ዝዀኑ ወለንተኛታት: ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ክኸዱ ኸለዉ ንምርካብ ኣብ ዝምችእ ቦታ ደው ኢሎም ነበሩ። ሓንቲ ሰበይቲ “እዚ ንሃይማኖታዊ ሓርነት እትገብርዎ ዘለኹም ተግባር ጽቡቕ ኢዩ። እዚ ጕዳይ እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኣይኰነን ዝትንክፍ” በለት። ኣብ ማርሴል: ልዕሊ 350 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መደበር ባቡር ትሕቲ ምድርን ኣብ ጐደናታትን ትራክትታት ዓዲሎም ኢዮም። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት: እቲ ሃገራዊ መደበር ራድዮ ንሰማዕቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ኣጓኒፎምዎም ከይግረሙ ብምጥቃስ ወፈራ ይግበር ከም ዘሎ ገለጸ። ኣብታ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት “ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ” ዝርከባ ኸተማ ስትራዝቡግ: ነናብ ቦትኦም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ሰባት ትራክት ንኽወሃቦም መስርዕ ገይሮም ነይሮም። ሓደ ጠበቓ ንእምነትና ዘይሰማምዓሉ እኳ እንተዀነ: እዚ ቓልሲ እዚ ኣገዳስን ፍትሓውን ስለ ዝዀነ ብኣትኵሮ ይከታተሎ ኸም ዘሎ ገለጸ።
ሰዓት ሸሞንተ ምስ ኰነ ኣብታ ኣብ ኣኽራናት ኣልፕስ እተደኰነት ከተማ ግሮኖብል ሓያል ዝናም ይወቅዕ እኳ እንተ ነበረ: 507 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣብ መገዲ ዀይኖም ትራክት ይዕድሉ ወይ ኣብ ናይ ጶስጣ ሳጹን ትራክት የእትዉ ነበሩ። መራሕቲ ማካይን ገለ ነገር ይግበር ከም ዘሎ ብምፍላጥ: ማካይኖም ደው ኣቢሎም ትራክት ክወሃቦም ሓተቱ። ኣብታ ፕዋትየ እትበሃል ኣብ ምብራቓዊ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ: ሰዓት ትሽዓተ ብባቡር ዝመጹ ተጓዓዝቲ ድሮ ኣብቲ ዝነቐሉሉ ቦታ ትራክት ተዋሂብዎም ነበረ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ጀርመን እትርከብ መሉዝ ድሮ 40,000 ቅድሓት ተዓዲሉ ነበረ።
ክሳዕ ሰዓት ዓሰርተ ኣብ ዘሎ እዋን: መብዛሕትአን ጉባኤታት ልዕሊ ፍርቂ ትራክትታተን ዓዲለን ነበራ። እናረፈደ ክኸይድ ከሎ ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም ምቕባል ኣብዮም: ብዙሕ ባህ ዘብል ዝርርብ እውን ተገይሩ ኢዩ። ኣብታ ኻብ ስዊዘርላድ 80 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ቢዛንሶን: ሓደ መንእሰይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ገለጸ: ኣምላኽ ንምንታይ ስቓይ ከም ዘፍቀደ ድማ ሓተተ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብቲ ኣብ ጥቕኦም ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ብምኻድ ነቲ ምይይጥ ክቕጽልዎ ዓደሞ: ኣብኡ ድማ በታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ገይሩ ብኡንብኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረሉ።
ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነተን ኣብ ግዜ ምሳሕ ዝረኽብወን ሓንቲ ወይ ክልተ ሰዓታት ንምስባኽ ተጠቐሙለን። ድሕሪ ቐትሪ: እቲ ወፈራ ቐጸለ: ብዙሓት ጉባኤታት ድማ ሰዓት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ትራክትታተን ዓዲለን ወድኣ። ኣብ ከተማ ረይምዝ ቀደም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓብሩ ዝነበሩ ሰባት እንደገና ሕብረቶም ክቕጽሉ ኸም ዝደልዩ ገለጹ። ኣብ ቦርዶ ሰለስተ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ጋዜጣ ንምዕዳግ ናብ ሓደ ድኳን ምስ ኣተወት ኣብቲ ባንኮ ትራክትታት ተዀሚሩ ረኣየት። እታ ቐደም ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ወናኒት እቲ ድኳን ነታ ትራክት ምስ ተቐበለት: ኣገዳስነታ ስለ እተገንዘበት ንኻልኦት ንምዕዳል ፎቶ ኮፒ ዝገበረቶ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ለ ሃቨ: ኖርማንዲ: ሓንቲ ፕሮተስታንት ሰበይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ወፈያ ግብሪ ኽቝረጾ ምዃኑ ኣብ ራድዮ ምስ ሰምዐት ሰምበደት። ትራክት ምስ ተዋህባ ተሓጒሳ ተቐበለት: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር ብምቅልዖም ባህ ከም ዝበላ ነገረቶም። ምሸት ሰዓት 7:20 ኣብ ሊዮን ዝርከብ መደበር ተለቪዥን: ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኸባቢ ዝገልጽ ዜና “ሎሚ ንግሆ: ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዕድልዎ ትራክትታት ካብ ምምላጥ: ካብ ዝናም ምምላጥ ይቐልል ነይሩ” በለ። ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃለ-መጠይቕ ተገብረሎም: ንምንታይ እቲ ወፈራ ኸም እተገብረ ድማ ገለጹ።
ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ስርሖም ምስ ወጹ: ናብ ቤቶም ንዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት ትራክትታት ዓደሉ: ኣብ ናይ ጶስጣ ሳጹናት ድማ ኣእተዉ። ኣብተን ብስርሓት ካይላ ውሩያት ዝዀና ከም ብረስትን ሊሞዥን ዝኣመሰላ ኸተማታት: ምሸት ሰዓት 11:00 ካብ ሲነማ ዝወጹ ዝነበሩ ሰባት ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ትራክት እተቐበሉ ናይ መወዳእታ ሰባት ነበሩ። ዝተረፈ ትራክትታት ተኣከበ እሞ ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ተዓደለ።
እተረኽበ ፍረ
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር “ጸላእትና ዘዳኽሙና ኢዩ መሲልዎም። ከም ሓቂ ግን ብኣንጻሩ ኢዩ ዀይኑ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ መብዛሕትአን ጉባኤታት ልዕሊ 75 ሚእታዊት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ እተገብረ ወፈራ ተሳቲፎም ኢዮም: ገሊኣቶም ከኣ ኣብቲ ወፈራ 10: 12: ወይ 14 ሰዓታት ኣሕሊፎም ኢዮም። ኣብታ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ እትርከብ ሀም እትበሃል ከተማ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናይ ለይቲ ኽሰርሕ ድሕሪ ምሕዳር ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ነዛ ትራክት ኣብ ምዕዳል ተዋፊሩ ኢዩ። ኣብታ ኣብ ጥቕኣ እትርከብ ካብ 1906 ኣትሒዙ ጉባኤ ዘለዋ ደነን እትበሃል ከተማ ድማ ዓርቢ ጥራይ 75 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ትራክት ኣብ ምዕዳል 200 ዝኸውን ሰዓታት ኣሕሊፎም ኢዮም። ካልኦት እውን እርጋን: ሕማም: ከምኡውን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዕንቅፋት እኳ እንተዀኖም: ኣብቲ ወፈራ ንምክፋል ግን ቈሪጾም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ለ ማን እትበሃል ከተማ ኣብ 80ታት ዕድመአን ዝርከባ ሰለስተ ኣሓት ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ናይ ጶስጣ ሳጹናት ትራክት ኣእተዋ፣ ብብሽክለታ ስንኩላን ዝንቀሳቐስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር እውን ኣብ ጥቓ መደበር ባቡር ኰይኑ ትራክትታት ዓደለ። ብዙሓት ዛሕቲሎም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ፍሉይ ንጥፈት እዚ ኽካፈሉ ምርኣይሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ ነይሩ!
ብዘይጥርጥር: በዚ ወፈራ እዚ ሰፊሕ ምስክርነት ተዋሂቡ ኢዩ። ኣብ እተፈላለየ ማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃ ዝርከቡ ሰባት ቅዳሕ ናይዛ ትራክት ወሲዶም ኢዮም: መብዛሕትኦም ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ዕዮ ክርከቡ ዘይክእሉ ኢዮም። ብዙሓት ሰባት እዚ ተግባር እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት እውን ከም ዝጠቅም ገይሮም ርእዮሞ ኢዮም። ንናይ ህዝቢ ፈረንሳ ናይ ሕልናን ኣምልኾን ናጽነት ዝጣበቕ ተግባር ገይሮም ኢዮም ወሲዶሞ። ስለዚ ድማ ገሊኦም ሰባት ንኣዕሩኽቶም: መሳርሕቶም: ወይ ኣዝማዶም ምእንቲ ኽህብዎም ተወሳኺ ቕዳሓት ክወሃቦም ሓቲቶም ኢዮም።
እወ: ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስም የሆዋ ኸም ዝፍለጥ ብምግባሮምን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምጥባቖምን ይሕበኑ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:15) ‘ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲኦም ብዘይ ህውከት ክነብሩ’ ከምኡውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንሰማያዊ ኣቦኦም የሆዋ ኣብ ምውዳስ ክሓብርዎም ተስፋ ይገብሩ ኢዮም።—1 ጢሞቴዎስ 2:2
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ጥሪ 1999 ነቲ ኣብ ሃይማኖታት ዝግበር ኣድልዎ ንምቅዋም ተመሳሳሊ ወፈራ ተገይሩ ነይሩ። ናይ 1 ነሓሰ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 9 ከምኡውን ናይ 2000 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 24-6 ርአ።