ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/5 ገጽ 3
  • ሓደጋ ኣጋጠመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደጋ ኣጋጠመ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ
    ንቕሑ!—2014
  • ትንሳኤ ዜደንቕ ተስፋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2020
  • ንዜሕዝን ኣጋጣሚ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/5 ገጽ 3

ሓደጋ ኣጋጠመ

ኦወን ዚበሃል ወዲ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ሕጻን ኣብ ሽቓቕ ይጻወት ነበረ። ናብቲ ወለዱ ዘየርክቦ ዚመስሎም ዝነበረ መድሃኒት ዚቕመጠሉ ኸብሒ ድማ ሓዀረ። ሓንቲ ኻብቲ ኣብኡ ዝነበረት ጥርሙስ ባህ በለቶ። ነታ ጥርሙዝ ከፊቱ ነቲ ፈሳሲ ሰተዮ። ሓደጋ ድማ ኣጓነፎ።

እታ ጥርሙስ ሓያል ኣሲድ ዝሓዘት ብምንባራ ኸኣ ኦወን ሞተ። ወለዱ በዚ ልቦም ተሰብረ። እቲ ፐርሲ ዝስሙ ኣቦኡ ምጽንናዕ ደልዩ ናብ ቤተ-ክርስትያኑ ኸደ። “እዚ ስለምንታይ ኣጋጠመ፧” ኢሉውን ሓተተ። እቲ ቐሺ ድማ “ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ንእሽቶ መልኣኽ ስለ ዝደለየ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። እዚ ውሉዱ ዝሞቶ ወላዲ ብሓዘን ተደቚሱ ስለ ዝነበረ: ኣምላኽ ዝገበሮ ነገር ምሉእ ብምሉእ ዘይፍትሓዊ ገይሩ ወሰዶ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ድንገተኛ ሞት ኬጋጥም ወጢኑ ነይሩ ድዩ፧ እዚ ነገራት እዚ ንፐርሲ ኺርድኦ ስለ ዘይከኣለ: ምስታ ቤተ-ክርስትያኑ ዝነበሮ ርክብ በተኸ።

ነቲ ዘጋጠመ ነገራት ኪሓስበሉ ኸሎ ኸኣ: ‘ወደይ ኣብ ስቓይ ድዩ ዘሎ፧ እንደገና እረኽቦ ደዀን እኸውን፧’ ኢሉ ኺሓትት ጀመረ።

ንስኻውን ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ከም ዜጋጥሞን ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ኣብ መጻኢ እንረኽበሉ መገዲ ይፍጠር እንተ ዀይኑን ትሓስብ ትኸውን። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ይህበሉ እዩ። ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎም ዘበሉ ዝሞትዎም ሰባት ንጹርን ዜጸናንዕን መልሲ ሒዙ ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ዜደንቕ ተስፋ ትንሳኤ ይገልጽ እዩ።

ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ ንምፍላጥ: ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ግዳ ኣንብባ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ