መእተዊ
እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ኵሉ ሰብ ዜሕዝን ነገር፡ ንኣብነት ሕማም፡ ሓደጋ፡ ባህርያዊ ዕንወት፡ ወይ ዓመጻ የጋጥሞ እዩ።
ሰባት መልሲ ይደልዩ እዮም።
ገሊኦም ሰባት መከራ ብሰንኪ ዕድልካ ኸም ዚመጽእ ይኣምኑ፡ ወይ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዚወርድ ጠሪስና ኽንቈጻጸሮ ኸም ዘይንኽእል ይኣምኑ።
ገሊኦም ከኣ ኣብ ካርማ ይኣምኑ፣ ማለት ኣብ መጀመርታ እዛ ህይወትና ወይ ኣብ ሕሉፍ ህይወትና ብሰንኪ ዝገበርናዮ ሕማቕ ነገር መከራ ኸም ዚረኽበና ይኣምኑ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኼጋጥም ከሎ፡ ዘይተመለሰ ሕቶታት ሓዲጉ እዩ ዚኸይድ።