ትፈልጥዶ፧
የሱስ፡ “ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቖ የልቦን” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧
▪ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንወይኒ ኣብ ኣሕርብቲ ምቕማጥ ልሙድ እዩ ነይሩ። (እያሱ 9:13) ኣሕርብቲ ኻብ ከም ቈርበት መሓስእን ኣጣልን ዝኣመሰላ እንስሳ ዘቤት ይስራሕ ነበረ። ሓደ እንስሳ ምስ ተሓርደ፡ ነቲ ርእሱን ኣእጋሩን ቈሪጽካ፡ ነቲ ቘርበት ካብቲ ስጋ ብጥንቃቐ ብምፍልላይ እዩ ዚስራሕ። እቲ ቘርበት ምስ ለፍዐ፡ ንኽሳድ ወይ ንእግሪ እቲ ሓርቢ ሓዲግካ ዝተረፈ ቐዳዳት ይስፈ፣ እቲ ኸይተሰፍየ ዝተረፈ ቐዳድ ከኣ ከም ኣፍ እቲ ሓርቢ ዀይኑ የገልግል። ኣፍ እቲ ሓርቢ፡ ዝዀነ ነገር ይውተፈሉ ወይ ከኣ ብገመድ ይእሰር።
ድሕሪ ግዜ ግን እቲ ቘርበት ስለ ዚቝርብዕ፡ ብቐሊሉ ኣይተዓጻጸፍን እዩ። ሓድሽ ወይኒ ስለ ዚፈልሕ፡ ኣብ ዝኣረገ ኣሕርብቲ ወይኒ ኪቕመጥ ኣይነበሮን። ከመይሲ፡ እቲ ወይኒ ፈሊሑ ነቲ ዝኣረገ ኣሕርብቲ ወይኒ ኪቐዶ ይኽእል ነበረ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ብቐጻሊ ብሰንኪ ዚገብሮ ኸይዲ ምፍላሕ ኣይቅደድን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ነቲ ብብዙሓት ዚፍለጥ ዝነበረ ሓቂ ዝጠቐሰ። ሓደ ሰብ ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ዝኣረገ ኣሕርብቲ ምስ ዜዕርቖ እንታይ ከም ዜጋጥም ኪገልጽ ከሎ፡ “እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይባላሾ። ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ” በለ።—ሉቃስ 5:37, 38።
እቶም ምስ ምእሳር ጳውሎስ ብዚተሓሓዝ ተጠቒሶም ዘለዉ “ቐተልቲ ነፍሲ” እንታዎት እዮም ነይሮም፧
▪ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሽሕ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዕግርግር ምስ ተላዕለ፡ ጳውሎስ መራሒ እቶም ጕጅለ መናዓብቲ ዝዀኑ “ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ” ስለ ዝመሰሎ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:30-38) እዞም ቀተልቲ ነፍሲ እዚኣቶም እንታዎት እዮም ነይሮም፧
እታ ን“ቐተልቲ ነፍሲ” እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ካብታ ሲካሪ እትብል ናይ ላቲን ቃል እተወስደት ኰይና፡ “ሲካ [ወይ ሽቶል] ዚጥቀሙ” ማለት እያ። ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ጥሩፋት ጕጅለ ኣይሁድ ኰይኖም፡ ምእንቲ ፖለቲካዊ ዕላማኦም ኢሎም፡ ብሓደ ተወዲቦም ሰባት ዚቐትሉ ጸላእቲ ሮሜ እዮም ነይሮም።
ጆሰፈስ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ቀትሪ ኣብ ማእከል ከተማ ንሰባት ይቐትሉ ነበሩ፣ ከምዚ ዚገብሩሉ ቐንዲ መገዲ ድማ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝቢ ተሓዋዊሶም፡ ነቶም ጸላእቶም በታ ኣብ ክዳኖም ዚሓብእዋ ሽቶል ገይሮም ብምውጋእ እዩ ነይሩ” በለ። ንግዳዮም ምስ ቀተሉ በቲ ዅነታት ከም እተቘጥዑ የምስሉ ስለ ዝነበሩ፡ ማንም ከይፈለጦም የምልጡ ነበሩ። ጆሰፈስ ወሲኹ ኸም ዝሓበሮ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ጸኒሑ ብ66-70 ድ.ክ. ኣንጻር ሮሜ እተገብረ ዕልዋ ኣይሁድ መሪሕ ግደ ነይርዎም እዩ። እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሰራዊት ንመራሒ እቶም ጕጅለ ንምሓዝ እንተ ተሃንጠየ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ዝኣረገ ሓርቢ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ብሓደ ስነ-ጥበበኛ እተሳእለ ቐታሊ ነፍሲ