ካብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ እተላእከት ደብዳበ
ብደበና እተሸፈነ መርጀን
እዋኑ ሰሉስ ንጉሆ ሰዓት ሓሙሽተ እዩ ነይሩ። ኣብዛ ሃሩር ዝመልኣ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ካብ ሊ፡ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ተበጊስና፡ ኣብ ኣውራጃ ሞሮበ ኣብ ዚርከብ ከረን ሮልንሰን ናብ እተደኰነት ቍሸት ለንባቲ ኽንከይድ ንዳሎ ነበርና። ዕላማና ድማ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚርከቡ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብጻሕ እዩ ነይሩ።
እዚ ኣርባዕተ ኾፍ መበሊ ብዘለዋ ንእሽቶ ነፋሪት ዝገበርናዮ ጕዕዞ፡ ዳርጋ 30 ደቒቕ እዩ ወሲዱልና። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ጐድኒ እቲ መራሕ ነፋሪት ኮፍ ዝብል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ድምጺ እቲ ሞተር ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ ግን ብናይ እዝኒ መስምዒ ኢና እንዘራረብ። እቲ መራሕ ነፋሪት፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ናይታ ነፋሪት መቈጻጸሪ እናኣመልከተ ብዛዕባ ጥቕሙ ገለጸለይ፣ ዝዀነ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ ኣነ ኸም ዘብርራ ብምንጋር ከኣ ኣስሓቐና። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ሓደ ገያሺ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገር ትዝ በለኒ። እቲ መራሕ ነፋሪት ውኖኡ ምስ ጠፍኦ፡ እታ ነፋሪት ባዕላ እናበረረት ንእተወሰነ እዋን ኣብ ኣየር ኮለል በለት፣ ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ ግን ብሰላም ኣዕለቦም። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ኣብቲ ጕዕዞና ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣየጋጠመናን።
ንእተወሰነ እዋን፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ድሕሪ ምጕዓዝ፡ ኣብ መንጎ እቲ ደበና ቝሩብ ቅልዕ ዝበለ ቦታ ምስ ረኸብና፡ ብሃንደበት ተጠዊና ብልዕሊ እቲ ኸረን በረርና፣ ኰይኑ ግን፡ ብ100 ሜተር ብራኸ ጥራይ ኢና ሓሊፍናዮ። ድሕሪኡ፡ ነታ ብዕንጨይቲ እተሰርሐን ናሕሱ ብሳዕሪ እተሸፈነን ኣባይቲ ዝመልአት ከተማ ለንባቲ ኣብ ቅድሜና ረኣናያ። እቲ መራሕ ነፋሪት ደቂ እቲ ቝሸት ኣብኡ ይጻወቱ ኸይህልዉ ንምርግጋጽ ንዅነታት እቲ መዓልቦ ነፋሪት ብዓይኑ ኺርእዮ ጀመረ። ሓሰማታት ኣብቲ መዓልቦ ነፋሪት ጕድጓድ ኵዒቶም እንተ ዀይኖም እውን ኣረጋገጸ። ናብቲ ስንጭሮ ገጹ ኪቐርብ ከሎ ድማ፡ “እቲ መዓልቦ ነፋሪት ጽቡቕ ይመስል ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኽንዓልብ ኢና” በለና። ንእተወሰነ እዋን ኣብ ኣየር ድሕሪ ምዅላል ድማ፡ ናብቲ ነበርቲ እቲ ቝሸት ንጐድኒ ሓደ ጎቦ ኣፍሪሶም ዝሰርሕዎ ሓጺር መጕየ ነፋሪት ወረድና፣ እቶም ነበርቲ ነዚ መጕየ ነፋሪት እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ብእምኒ ኖራ መድሚዶም እዮም ሰሪሖምዎ።
ቅድሚ ሕጂ ናብዚ ቦታ እዚ ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን፡ ነቲ ኻብ መርጀን እተሰርሐ ኣእማን ኖራ ርእየ፡ እቲ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ክሳዕ ክንደይ ነዊሕ ዕድመ ኸም ዘለዎ ኣገሪሙኒ ነበረ። ነዚ መርጀን እዚ ኻብ ውሽጢ እቲ ውቅያኖስ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ዝደፍኦን ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኽሳዕ ኣርባዕተ ኪሎ ሜተር ከም ዚበጽሕ ዝገበሮን ሓይሊ ኽሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ምንባሩ እሞ ገምትዎ! ካብታ ነፋሪት ናብቲ ‘ብደበና እተሸፈነ መርጀን’ ኢለ ዝጸዋዕክዎ መሬት ወረድና።
ተቐማጦ እታ ቝሸት ድምጺ ነፋሪት ምስ ሰምዑ፡ ከምቲ ዅሉ ግዜ ዚገብርዎ ኻብ እተፈላለየ ኣንፈት ናባና መጹ። እቲ መራሕ ነፋሪት ነቲ ሞተር ምስ ኣጥፍኦ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብቶም እኩባት ሰባት ተፈልዩ ናባና ገጹ ኺመጽእ ረኣኽዎ። እቲ ሰብኣይ እቲ ዙንግ ዚበሃል ኰይኑ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ኸባቢ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚግበር ሰሙናዊ መደብ ትምህርቲ ኺኣልዩ እተመደቡ ሰባት እዩ ነይሩ። ሰባት ንዙንግ፡ ጽፉፍን እሙንን ሓቀኛን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ጠባይ ኪህልዎ ዝኸኣለ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራኡ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓሎ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥና ኸኣ፡ ምስኡን ምስ ካልኦት ኣሕዋትን ኴንና ኻብቲ ኣኽራን ንታሕቲ ገጽና ወረድና። ንኣሽቱ ቘልዑ ነቲ ቦርሳታትና መኖም ከም ዚስከሞ እናተኻትዑ ደድሕሬና ይስዕቡ ነበሩ።
ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ ዚመጽእ ገያሺ ኣገልጋሊ ኢሎም ብዕንጨይቲ ኣብ ዝሃነጽዋ ንእሽቶ ቤት በጻሕና። ፓፕዋ ኒው ጊኒ ትሮፒካዊት ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ዝኸድናሉ ኸባቢ ግን በሪኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ቘራሪ እዩ ነይሩ። ምስ መሰየ፡ እቲ ኣብ ግዜ ድሕሪ ቐትሪ ቐስ እናበለ ኻብቲ ስንጭሮ ንላዕሊ ኺድይብ ዝወዓለ ግመ፡ ናብታ ፋኑስ እተወልዓላ ቤትና ኺኣቱ ኸሎ እርእዮ ነበርኩ። ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ብዘሎ ትሮፒካዊ ሙቐት ንርህጽ ከም ዘይነበርና፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ግን ምእንቲ ኽንመውቕ ረጕድ ክዳንን ስረን ምግባርና ኣዝዩ ኣገረመና።
ኣብ መፋርቕ 1980ታት ካብዛ ቝሸት እዚኣ ዝመጸ ሓደ ሰብኣይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዑ ነበረ። ናብዛ ቝሸት እዚኣ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ንሱን ሒደት ካልኦት ሰባትን ኰይኖም፡ ዚሕበኑላ ንእሽቶ መአከቢት ሰርሑ። ኰይኑ ግን፡ ናይ ሓንቲ ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ቀሺን ደገፍቱን ብምሉኡ እቲ ኸባቢ ናይ ሉተራውያን ከም ዝዀነ ብምግላጽ ኣንደድዋ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ካልእ መአከቢ ሰርሑ፣ ሕጂ ድማ ዳርጋ 50 ዝዀኑ ንጡፋት ኣወጅቲ እቲ ብስራት ኣለዉ። ገለ ኻብቶም ቅድሚ ሕጂ ንዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጻረርዎም ዝነበሩ ሰባት፡ ሕጂ ንባዕሎም ኣብቲ ዕዮ እቲ ብቕንኣት ይካፈሉ ኣለዉ።
ሎሚ ነበርቲ እቲ ቝሸት ነቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህርዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓጐስ እዮም ዚቕበልዎም። መብዛሕትኦም እቶም ነበርቲ ምንባብ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዙሓት ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ምእንቲ ኼካፍልዎም ምንባብ ተማሂሮም እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ዳርጋ 200 ዝዀኑ ሰባት ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ይመጹ።
ኣብቲ ኸባቢ መብራህቲ ስለ ዘየለ፡ እናመሰየ ኪኸይድ ከሎ ዅልና ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ክሽነ ዚነድድ መጋርያ ንእከብ ነበርና። ብሓባር ኴንና ድማ ንበልዕን ነዕልልን ንስሕቕን። እቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ኣብቲ ፍሽኽታ ዝመልኦ ገጽ ፈተውትና ይርአ እዩ። ምስ መሰየ፡ ገሊኦም ኣሕዋት በቲ ጫካ ኣቢሎም ናብ ኣባይቶም ኪኸዱ ኸለዉ ምእንቲ ኼብርሃሎም፡ ካብቲ ዚነድድ ሓዊ ቦምቦም ኢሎም ዚጽውዕዎ ቘጽሊ ስየ ሒዞም ይኸዱ።
ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና፡ ብጸጥታ እቲ ኸባብን በቲ እንሰምዖ ዝነበርና ናይ ተፈጥሮ ድምጽታትን ኣዚና ተመሰጥና። ቅድሚ ምድቃስና ድማ ኣብቲ ደበና ዘይብሉ ሰማይ ንዘለዉ ብዙሓት ከዋኽብቲ ርኢና ተማረኽና።
እታ ሰሙን ከይተፈለጠትና ሓለፈት፣ ንጽባሒቱ ነፋሪት ክትመጸና ኸኣ ንጽበ ነበርና። ካብታ ብደበና እተሸፈነት ዝሕልቲ ለንባቲ ነቒልና ናብታ ሙቐትን ዳህርን ዘለዋ ኣብ ገማግም ውቅያኖስ እትርከብ ቤትና ንምኻድ ሓንቲ ለይቲ ተረፈትና።