ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/4 ገጽ 3
  • ንዓለም ዝለወጣ ሰብኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዓለም ዝለወጣ ሰብኣይ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሚካኤል ፋራዳይ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • እቲ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
  • የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ዕዮና ይመርሖ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/4 ገጽ 3

ንዓለም ዝለወጣ ሰብኣይ

ኣብዛ ምድሪ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እኳ እንተ ነበሩ፡ መብዛሕትኦም ግን ኣሰር ከይሓደጉ እዮም ሓሊፎም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ታሪኽ፡ ምናልባት እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ጽልዋ ዚገብሩ ሒደት ሰባት ኣለዉ።

ንግሆ ተንሲእካ፡ መብራህቲ ወሊዕካ፡ ናብ ስራሕ ክትከይድ ትዳሎ። ክትጐዓዝ ከለኻ እተንብቦ መጽሓፍ ወይ መጽሔት ድማ ትማላእ። ብሓኪም እተኣዘዘልካ ኻብ ሕማም ዚከላኸለልካ ጸረ-ነፍሳት እውን ትውሕጥ። በዚ ኸምዚ፡ ገና ኻብ ገዛ ኸይወጻእካ ኸለኻ፡ እተወሰኑ ውሩያት ሰባት ካብ ዝመሃዝዎ ነገራት ተጠቒምካ ኢኻ።

ሚካኤል ፋራዳይ፦ እዚ ብ1791 እተወልደ እንግሊዛዊ ናይ ፊዚክስ ሊቅ፡ ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ ሞተርን ዲናሞን ዝመሃዘ ሰብ እዩ። እዚ ምህዞኡ ኸኣ ኤለክትሪክ ኣብ ብዙሓት ሰባት ከም ዚባጻሕ ገበረ።

ዛይ ሉን፦ እዚ ኣብ ሃጸያዊ ቤተ-መንግስቲ ቻይና ዚሰርሕ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ ከባቢ 105 ድ.ክ.፡ ወረቐት ዚስርሓሉ ኣገባብ ኣማዕበለ፣ እዚ ኸኣ ወረቐት ብብዝሒ ኸም ዚስራሕ ገበረ።

ዮሃንስ ጉተንበርግ፦ እዚ ጀርመናዊ ሰብኣይ እዚ፡ ኣብ ከባቢ 1450 ተንቀሳቓሲት ሓታሚት ማኪና መሃዘ። እዛ ሓታሚት ማኪና እዚኣ፡ ጽሑፋት ብሕሱር ዋጋ ንኺሕተም ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተት፡ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ዚገልጽ ሓበሬታ ኣብ ኵሉ ኺዝርጋሕ ከኣለ።

ኣለክሳንደር ፍለሚንግ፦ እዚ ስኮትላንዳዊ ተመራማሪ እዚ፡ ብ1928 ፐኒሲሊን ዚበሃል ጸረ-ነፍሳት ረኸበ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ጸረ-ነፍሳት ብባክተርያ ንዚመጽእ ረኽሲ ንምፍዋስ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።

ናይዞም ሒደት ሰባት እዚኣቶም ርኽበታትን ምህዞታትን፡ ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ከም ዝጠቐሞምን ዝሓሸ ጥዕና ኸም ዘምጸኣሎምን ዜተሓታትት ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ሓለፍ ዝበለ ሓደ ሰብኣይ ኣሎ። ብስነ-ፍልጠታዊ ወይ ብሕክምናዊ ርኽበት ኣይኰነን ዚፍለጥ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዚ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ዝሞተ ተራ ኣተዓባብያ ዝነበሮ ሰብኣይ፡ ተስፋን ምጽንናዕን ዚህብ መልእኽቲ ሂቡ እዩ ሓሊፉ። እቲ መልእኽቱ ኣብ መላእ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ኣዝዩ ስለ ዝጸለዎም፡ ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ንዓለም ከም ዝለወጣ ይሰማምዑ እዮም።

እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ከመይ ዝበለ መልእኽቲ እዩ ዚሰብኽ ነይሩ፧ እዚ መልእኽቲ እዚኸ ንህይወትካ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ