ትሕዝቶ
15 ሓምለ 2010
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
30 ነሓሰ 2010–5 መስከረም 2010
ገጽ 3
ዚዝመር መዝሙራት፦ 49, 40
6-12 መስከረም 2010
ገጽ 7
ዚዝመር መዝሙራት፦ 48, 29
13-19 መስከረም 2010
ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል
ገጽ 16
ዚዝመር መዝሙራት፦ 45, 28
20-26 መስከረም 2010
ገጽ 20
ዚዝመር መዝሙራት፦ 38, 20
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 3-11
ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ እቶም ብግዜ መወዳእታ ዚነብሩ ክርስትያናት ኣጸቢቑ ኸም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ኣሎ። እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ንመዓልቲ የሆዋ ብኣእምሮና ንኸነቀላጥፋ ይሕግዛና። ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ተዳሊና ንምጽናሕ፡ ካብ ምንታይ ክንርሕቕን እንታይ ክንገብርን ከም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 16-20
ኣብ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ኢና እንነብር ዘለና። ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልወና፡ እንታይ ባህርያት የድልየና፧ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ከመይ ጌርና ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን መልሲ ትህብ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 20-24
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ መንፈስ ኣምላኽ ንቓሉ ኸም እንርድኦ ኣብ ምግባር ዘለዎ ግደ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ብብሕትና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ትገልጽ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦
ንደቅኻ ፍቕሪ ንባብን መጽናዕትን ኣስርጸሎም 25