ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/12 ገጽ 11
  • ‘ንልቢ ደቂ ሰብ ይፈልጦ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንልቢ ደቂ ሰብ ይፈልጦ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • “ኪርከበልካ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሰሎሞን ቤት መቕደስ ይሃንጽ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/12 ገጽ 11

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ንልቢ ደቂ ሰብ ይፈልጦ’

2 ዜና መዋእል 6:29, 30

መን ካባና እዩ እሞ ኣብ ህይወት ብዜጋጥም ብድሆታትን ጸገማትን ተተንኪፉ ዘይፈልጥ፧ ሓድሓደ ግዜ ንዜጋጥመና ጸገማት ወይ ንዚስምዓና ኸቢድ ስቓይ ብሓቂ ኺርድኣልና ዚኽእል ኣካል ዘየለ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንስምዒትና ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣልና ዚኽእል ኣካል ኣሎ፡ ንሱ ድማ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ካብቲ ሰሎሞን ዚጸሓፎ ኣብ 2 ዜና መዋእል 6:29, 30 ዚርከብ ቃላት፡ መጸናንዒ ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ብ1026 ቅ.ክ.፡ ሰሎሞን ኣብ ጽምብል ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ጸሎት ኣቕረበ። ኣብዚ ዓሰርተ ደቂቕ ወሲዱሉ ኪኸውን ዚኽእል ጸሎቱ ድማ፡ ንየሆዋ ኸም እሙን ኣምላኽ፡ ፈጻም መብጽዓታት፡ ሰማዕ ጸሎት፡ ገይሩ ወደሶ።—1 ነገስት 8:23-53፣ 2 ዜና መዋእል 6:14-42።

ሰሎሞን ንኣምላኽ፡ ጸሎት ኣገልገልቱ ንኺሰምዕ ተማሕጸኖ። (ቍጽሪ 29) ዋላ እኳ ሰሎሞን ኣቐድም ኣቢሉ ሓያሎ ጸበባ እንተ ጠቐሰ (ቍጽሪ 28)፡ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ “ቍስሉን ቃንዛኡን” ከም ዚፍለጦን ከም ዚስምዖን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ብሓደ ነገር ኪሓዝን ከሎ፡ ካልእ ሰብ ከኣ ካልእ ዜሕዝን ነገር የጋጥሞ ይኸውን።

እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ዜጋጥሞም ጸገም ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ንበይኖም ኣይኰኑን ዚዋጽእሉ። ሰሎሞን ኣብ ጸሎቱ፡ ብዛዕባ እቲ ‘ኣእዳዉ ዘርጊሑ’ ብልባዊ ጸሎት ንየሆዋ ኪቐርቦ ዚድረኽ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ ዚሓስብ ነይሩ።a ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ኣዝዩ ምስ ተጨነቐ፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝሙር 55:4, 22።

የሆዋ ንልባዊ ለመና መልሲ ዚህበሉ ብኸመይ እዩ፧ ሰሎሞን ንየሆዋ፡ “ንስኻ ካብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ . . . ንነፍሲ ወከፍ . . . ከከም መገዱ ሀቦ” ኢሉ ለመኖ። (ቍጽሪ 30) ‘እቲ ሰማዕ ጸሎት’ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ኣምለኽቱ ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እውን ከም ዚሓልየሎም ሰሎሞን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 65:2) ሓደ ሓጥእ ብምሉእ ልቡ ናብ ኣምላኽ ኪምለስ ዚደሊ እንተ ደኣ ኰይኑ፡ የሆዋ ድማ ዜድሊ ሓገዝ ይገብረሉን ይቕረ ይብለሉን እዩ።—2 ዜና መዋእል 6:36-39።

የሆዋ ንለመና እተነስሐ ኣምላኺኡ መልሲ ኸም ዚህበሉ፡ ሰሎሞን ርግጸኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሰሎሞን ጸሎቱ ብምቕጻል፡ “ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ [የሆዋ] በይንኻ ኢኻ” በለ። የሆዋ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ ዚርከብ ቍስሊ ወይ ቃንዛ ይፈልጦ እዩ።—መዝሙር 37:4።

ካብቲ ሰሎሞን ዝጸለዮ ጸሎት መጸናንዒ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ደቂ ሰብ ውሽጣዊ ስምዒትና፡ ማለት ‘ቍስልናን ቃንዛናን’ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኡልናን ይዀኑ። (ምሳሌ 14:10) የሆዋ ግን ንልብና ስለ ዚፈልጦ ኣዝዩ ይሓልየልና እዩ። ልብና ብጸሎት ናብኡ ምፍሳስና፡ ጾርና ንኽንስከሞ ዝቐለለ ኪዀነልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ይብል።—1 ጴጥ. 5:7።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣእዳዉ ምዝርጋሕ’፡ ማለት ኢድካ ንላዕሊ ምዝርጋሕ፡ ምልክት ጸሎት እዩ ነይሩ።—2 ዜና መዋእል 6:13።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ