ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 64
  • ሰሎሞን ቤት መቕደስ ይሃንጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰሎሞን ቤት መቕደስ ይሃንጽ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 64

ዛንታ 64

ሰሎሞን ቤት መቕደስ ይሃንጽ

ዳዊት ቅድሚ ሙማቱ: ቤት መቕደስ የሆዋ ንምህናጽ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህበ ምስሊ ንሰሎሞን ሃቦ። ኣብ ራብዓይ ዓመት ግዝኣቱ: ሰሎሞን ቤት መቕደስ ክሃንጽ ጀመረ: ንኽውድኣ ኸኣ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ወሰደሉ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነታ ቤት መቕደስ ይሃንጹ ነበሩ: ንምህናጻ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ ወድአ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ስለ እተጠቕሙ ኢዩ።

እታ ቤት መቕደስ ልክዕ ከምቲ ማሕደር ክልተ ቐንዲ ክፍልታት ኣለዋ። ዓቐን ናይዚ ክፍልታት እዚ ግን ዕጽፊ ናይቲ ኣብቲ ማሕደር ዝነበረ ክፍልታት ኢዩ። ሰሎሞን ከኣ እቲ ታቦት ኪዳን ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ናይቲ ቤት መቕደስ ከም ዝኸውን ገበሮ: እቲ ኣብቲ ማሕደር ዝነበረ ካልእ ነገራት ከኣ ኣብቲ ካልእ ክፍሊ ገበሮ።

እቲ ቤት መቕደስ ምስ ተወድአ ዓቢ በዓል ተገብረ። ኣብዚ ስእሊ ከም እትርእዮ: ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት መቕደስ ተምበርኪኹ ጸለየ። ሰሎሞን ከኣ ንየሆዋ ‘ሰማየ ሰማያት እኳ ክሕዙኻ ኣይክእሉን: እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ግዳ ክንደይ ከይትሕዘካ። እንተዀነ ግን ዎ ኣምላኸይ: ነቲ ህዝብኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኰይኖም ዝልምንዎ ስማዕ’ ብምባል ጸለየ።

ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድአ ካብ ሰማይ ሓዊ ወረደ። ነቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ኸኣ በልዖ። ካብ የሆዋ ኸኣ ብሩህ መብራህቲ ነቲ ቤት መቕደስ መልኦ። እዚ የሆዋ ነቲ ጸሎት ከም ዝሰምዖ ከምኡውን በቲ ቤት መቕደስን ሰሎሞን ዝገበሮ ጸሎትን ከም እተሓጐሰ የረድእ። ካብ ሽዑ ሰባት ኣብ ክንዲ ኣብቲ ማሕደር: ኣብ ቤት መቕደስ ከምልኹ ጀመሩ።

ንነዊሕ ግዜ ሰሎሞን ብምስትውዓል ገዝአ: እቶም ህዝቢ ኸኣ ሕጕሳት ነበሩ። ሰሎሞን ግን ንየሆዋ ዘየምልኻ ብዙሓት ኣንስቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ተመርዓወ። ሓንቲ ካብአን ነቲ ጣኦት ከተምልኽ ትርእያዶ ኣለኻ፧ ኣብ መወዳእትኡ ኣንስቱ: ንሰሎሞን ካልኦት ኣማልኽቲ ከም ዘምልኽ ገበራኦ። ሰሎሞን ከምኡ ምስ ገበረ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ ነቶም ሰባት ብሕያውነት ምሓዝ ኣቋረጸ። ጨካን ኰነ: እቶም ሰባት ከኣ ፈጺሞም ኣይተሓጐሱን።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ የሆዋ ምስ ሰሎሞን ተቘጥዐ: ከምዚ ኢሉ ኸኣ ነገሮ:⁠- ‘መንግስትኻ ካባኻ ወሲደ ንኻልእ ሰብ ክህባ ኢየ። እዚ ኣብ ዘመንካ ኣይገብሮን ኢየ: ኣብ ዘመን ወድኻ ኢየ ዝገብሮ። እንተዀነ ግን ኵሎም ህዝቢ ካብ ወድኻ ኣይወስዶምን ኢየ’ በሎ። እዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝኸውን እስከ ንርአ።

1 ዜና መዋእል 28:⁠9⁠-​21፣ 29:⁠1⁠-​9፣ 1 ነገስት 5:⁠1⁠-​18፣ 2 ዜና መዋእል 6:⁠12⁠-​42፣ 7:⁠1⁠-​5፣ 1 ነገስት 11:⁠9⁠-​13

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ