ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/6 ገጽ 16-17
  • ኣብርሃም፡ ብሓቂዶ ኣግማል ይውንን ነይሩ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብርሃም፡ ብሓቂዶ ኣግማል ይውንን ነይሩ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ይስሃቅ ንፍዕቲ ሰበይቲ ይረክብ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንይስሃቅ እትኸውን ሰበይቲ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/6 ገጽ 16-17

ኣብርሃም፡ ብሓቂዶ ኣግማል ይውንን ነይሩ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣግማል፡ ምስተን ፈርኦን ንኣብርሃም ዝሃቦ እንስሳታት ዘቤት ይዝርዝረን እዩ። (ዘፍ. 12:16) ግዙእ ኣብርሃም ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዙ ናብ መሶጶታምያ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ “ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ገመል [ወሰደ]።” ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብርሃም ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ መዋእል ሽሕ ቅ.ክ.፡ ኣግማል ይውንን ከም ዝነበረ ብንጹር ይገልጽ እዩ።—ዘፍ. 24:10።

ገሊኦም ነዚ ኣይቅበልዎን እዮም። ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ኣርኪዮሎጂካል ስታዲ ባይብል እትበሃል መጽሓፍ፡ “መብዛሕትኦም ምሁራት፡ እዘን እንስሳታት እዚኣተን እንስሳ ዘቤት ኰይነን ብብዝሒ ዝለመዳሉ እዋን ብግምት ካብ 1200 ቅ.ክ. ንደሓር ምዃኑ ስለ ዚኣምኑ፡ ንታሪኻውነት እዚ ኣግማል እተጠቕሰሉ ጸብጻባት ተኻቲዖምሉ እዮም” በለት። እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣግማል ኣቐዲሙ ዝጠቐሶ ነገራት ዘይቅኑዕ ምዀነ።

ገሊኦም ምሁራት ግን፡ ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ መዋእል ሽሕ ኣቢሉ፡ ንኣግማል እንስሳ ዘቤት ናይ ምግባር ተግባር ኣትኵሮ እኳ እንተ ተዋህቦ፡ ቅድሚኡ ኣግማል ኣብ ኣገልግሎት ይውዕላ ኣይነበራን ማለት ከም ዘይኰነ ይማጐቱ እዮም። ሲቪላይዜሽንስ ኦቭ ዘ ኣንሽየንት ኒያር ኢስት እትበሃል መጽሓፍ፡ “ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ምርምር፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓረብ፡ ገመል ኣብ ሳልሳይ መዋእል ሽሕ [ቅ.ክ.] እንስሳ ዘቤት ከም ዝዀነት ይሕብር እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ምእንቲ ጸባኣን ጸጕራን ቈርበታን ስጋኣን ተባሂላ እያ እትፋረ ነይራ፣ ብዙሕ ከይጸንሐ ግን፡ ከም መጽዓኛ ዀይና ኸተገልግል ከም እትኽእል ተፈልጠ” በለት። እዚ ናብ ቅድሚ ግዜ ኣብርሃም ዚወስደና ግምት፡ ብቝርጽራጽ ኣዕጽምትን ብኻልእ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራትን እተደገፈ እዩ ዚመስል።

ብጽሑፍ ዝሰፈረ መርትዖ እውን ኣሎ። እዛ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዘላ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “ኣብ መሶጶታምያ፡ እታ ፍጥረት [ገመል] ኣብ ኲኒፎርም ተጠቒሳን ኣብ ማሕተማት ተሳኢላን ተረኺባ፣ እዚ ኸኣ እታ እንስሳ ኣብ መጀመርያ ኻልኣይ መዋእል ሽሕ ናብ መሶጶታምያ በጺሓ ኸም ዝነበረት ይሕብር።” እቲ እዋን እቲ ድማ፡ ኣብርሃም ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን እዩ።

ገሊኦም ምሁራት፡ ዕጣን ዚነግዱ ዝነበሩ ነጋዶ ደቡብ ዓረብ፡ ንሸቐጣቶም በቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ዚርከብ ምድረ-በዳ ኣቢሎም ናብ ግብጽን ሶርያን ንምብጻሕ፡ ብኣግማል ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንኣግማል ናብቲ ቦታታት እቲ ኸም ዘተኣታተዉ ይኣምኑ እዮም። እዚ ንግዲ እዚ፡ ካብ 2000 ቅ.ክ. ኣትሒዙ ልሙድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 37:25-28 እውን፡ እስማኤላውያን ነጋዶ፡ ዕጣን ኣብ ኣግማል ጽዒኖም ናብ ግብጺ ይጐዓዙ ኸም ዝነበሩ ተጠቒሱ ኣሎ፣ እቲ እዋን እቲ ድማ፡ ሓደ ሚእቲ ዓመት ድሕሪ ግዜ ኣብርሃም እዩ ነይሩ።

ምናልባት ኣብ ካልኣይ መዋእል ሽሕ ቅ.ክ.፡ ኣግማል ኣብ ቀረባ ምብራቕ ብብዝሒ ኣይዕየየለንን ነይሩ ይኸውን፣ ከቶ ዘይፍለጣ ነይረን ኪበሃል ከም ዘይከኣል ግን፡ ብመርትዖ እተረጋገጸ ይመስል። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል መደምደምታ ሃበ፦ “ገመል ቅድሚ ግዜ ኣበው እንስሳ ዘቤት ኰይና ኸም ዝለመደት ዚሕብር እኹል ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዛንታ ኣበው ኣግማል ኪጥቀሳ ኸለዋ፡ ዕለቱ ኸም ዝሰሓተ ጸብጻብ ጌርካ ኺርአ ኣይግባእን።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ