ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/11 ገጽ 24-28
  • ንሰብኡት፡ ብመንፈስ ንኺዓብዩ ሓግዝዎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰብኡት፡ ብመንፈስ ንኺዓብዩ ሓግዝዎም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብራ
  • ፍርሂ ሰብ
  • ብቑዕ ኣይኰንኩን ዚብል ሓሳብ
  • ብዙሓት ሰብኡት ‘ግፈፉ’
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ኪቘሙ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንኻልኦት፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ንኺሓድሮም ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/11 ገጽ 24-28

ንሰብኡት፡ ብመንፈስ ንኺዓብዩ ሓግዝዎም

“ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ።”​—ሉቃ. 5:10።

1, 2. (ሀ) ሰብኡት ንስብከት የሱስ እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መላእ ገሊላ የገልግሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብጃልባ ገይሮም ናብ ብሕት ዝበለ ቦታ ኸዱ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም ሰዓብዎም። እቶም ሽዑ ዝመጹ ሰባት፡ “ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ።” (ማቴ. 14:21) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን፡ ብዙሓት ሰባት፡ ንኺሓውዩን ንየሱስ ንኺሰምዕዎን ተኣከቡ። እቶም ሽዑ እተኣከቡ፡ “ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ።” (ማቴ. 15:38) እወ፡ ካብቶም ናብ የሱስ ዝመጹ ሰባት ብዙሓት ሰብኡት ብዛዕባ ትምህርቱ ይግደሱ ነበሩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ኪህቡ ይጽበ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብተኣምራዊ መገዲ ዓሳ ኸም ዚረኽቡ ምስ ገበረ፡ ንስምኦን፡ “ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 5:10) ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንመርበቦም ናብ ናይ ደቂ ሰብ ባሕሪ ኺድርብዩን ብዙሓት ሰብኡት ዚርከብዎም ሰባት ‘ኪሕዙን’ ነበሮም።

2 ሎሚ እውን ሰብኡት፡ ኣብቲ እንሰብኮ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ተገዳስነት የሕድሩን ጽቡቕ ምላሽ ይህቡን ኣለዉ። (ማቴ. 5:3) ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰብኡት መንፈሳዊ ዕቤት ካብ ምግባር የድሓርሕሩ ወይ ፈጺሞም መንፈሳዊ ዕቤት ኣይገብሩን እዮም። እሞኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ የሱስ ንሰብኡት ንምንዳይ ዚኸውን ፍሉይ ዓይነት ኣገልግሎት እኳ እንተ ዘይመስረተ፡ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰብኡት ኬገድሶም ብዛዕባ ዚኽእል ጕዳያት ግና ይዛረብ ነይሩ እዩ። ነቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ፡ ሰብኡት ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ዜጨንቖም ጕዳያት ንኺዋጽኡሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል እስከ ንመርምር፦ (1) ናብራ፡ (2) ፍርሂ ሰብ፡ ከምኡውን (3) ብቑዕ ኣይኰንኩን ዚብል ሓሳብ።

ናብራ

3, 4. (ሀ) ንብዙሓት ሰብኡት ብዝያዳ ዜገድሶም እንታይ እዩ፧ (ለ) ገሊኣቶም ሰብኡት ካብ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት፡ ንናብራ ዜድሊ ነገራት ኣብ ምምእራር ዜተኵሩ ስለምንታይ እዮም፧

3 ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ” በሎ። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ “ንወዲ ሰብ . . . ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” ኢሉ ምስ መለሰሉ፡ እቲ ጸሓፊ በቲ ውሳነኡ ኺጠራጠር ጀመረ። ዚበልዖ ምግብን ዚነብረሉ ቤትን ብምስኣን ኪሽገር ከም ዚኽእል ምስ ሓሰበ፡ ድሕር ምሕር በለ፣ ሰዓቢ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ዚሕብር ነገር እውን የልቦን።​—ማቴ. 8:19, 20።

4 ሰብኡት መብዛሕትኡ እዋን ካብ ንመንፈሳዊ ነገራት ንስጋዊ ነገራት እዮም ዜቐድሙ። ንዝለዓለ ትምህርትን ጽቡቕ ንዚኽፈሎ ስራሕን ከኣ እዮም ቀዳምነት ዚህቡ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጽኒዕካን ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ መስሪትካን ካብ እትረኽቦ ጥቕሚ ንላዕሊ፡ ገንዘብ ረኺብካ ዚመጽእ ፍረ ጻማ፡ ብዝያዳ ኣገዳስን ግብራውን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይስሕቦም እኳ እንተ ዀነ፡ “ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን” ንተገዳስነቶም ይሓንቆ እዩ። (ማር. 4:18, 19) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ቀዳምነት ዚህብዎ ነገራት ንኼተዓራርዩ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እስከ ንርአ።

5, 6. እንድርያስን ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን፡ ኣብቲ ንዕዮ ስብከትን ንናብራን ብዚምልከት ቀዳምነት ዚህብዎ ነገራት ምትዕርራይ ንኺገብሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

5 እንድርያስን እቲ ስምኦን ጴጥሮስ ዚበሃል ሓዉን ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተሻሪኾም ይሰርሑ ነበሩ። ዮሃንስን ያእቆብ ሓዉን ዘብዴዎስ ኣቦኦምን እውን ተሻሪኾም እዮም ዚሰርሑ ነይሮም። እዚ ስራሕ እዚ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ግዙኣት ነበርዎም። (ማር. 1:16-20) እንድርያስን ዮሃንስን ብዮሃንስ መጥምቕ ኣቢሎም ብዛዕባ የሱስ ምስ ፈለጡ፡ ንመሲሕ ከም ዝረኸብዎ ርግጸኛታት እዮም ነይሮም። እንድርያስ ድማ ንስምኦን ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ነገሮ፣ ዮሃንስ እውን ንያእቆብ ሓዉ ነጊርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 1:29, 35-41) ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ኣዋርሕ፡ ኣርባዕቲኦም ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ገሊላን ይሁዳን ሰማርያን ሰበኹ። ድሕሪኡ፡ ናብ ስራሖም ተመልሱ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ተገዳስነት እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣገልግሎት ግና ገና ቐዳምነት ዚህብዎ ጕዳይ ኣይነበረን።

6 ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንእንድርያስን፡ ንዕኡ ብምስዓብ “ገፈፍቲ ሰብ” ንኪዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም። እሞኸ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ “ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ።” ያእቆብን ዮሃንስን እውን ከምኡ ገበሩ። “ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ።” (ማቴ. 4:18-22) ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺኣትዉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ስምዒታውያን ስለ ዝነበሩ ድዮም ከምኡ ገይሮም፧ ኣይፋሎምን። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም፡ ኣብተን ኣቐዲመን ዝነበራ ኣዋርሕ፡ ንየሱስ ሰሚዖምዎ፡ ንተኣምራቱ ርእዮምዎ፡ ነቲ ንጽድቂ ዘለዎ ቕንኢ ኣስተብሂሎምሉ፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸቦ ውጽኢት ብዓይኖም መስኪሮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶም እምነት ደልደለት።

7. ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት፡ ኣብቲ የሆዋ ንህዝቡ ንምክንኻን ዘለዎ ኽእለት ንኺተኣማመኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

7 ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ኣብ የሆዋ ንኺውከሉ ኽንሕግዞም ከለና፡ ንኣብነት የሱስ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ምሳ. 3:5, 6) ኣመሃህራና ዓብዪ እጃም ኣለዎ። ክንምህር ከለና፡ ነቲ ኣምላኽ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲምና ኸም ዚባርኸና ዚገልጽ መብጽዓ ኸነጕልሖ ንኽእል ኢና። (ሚልክያስ 3:10፣ ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ።) የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚከናኸኖም ንምጕላሕ እተፈላለየ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ናይ ገዛእ ርእስና ኣብነት ንዘለዎ ግደ እውን ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። ንተመሃሮና ብዛዕባ ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ነገራት ንነግሮም እንተ ዄንና፡ ኣብ የሆዋ ንኺውከሉ ኣጸቢቕና ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ኣብ ጽሑፋትና ዘንበብናዮ ዜተባብዕ ተመክሮታት እውን ክንነግሮም ንኽእል ኢና።a

8. (ሀ) ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ኺጥዕምን ኪርእን’ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንተመሃራይና፡ የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ንኺርኢ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

8 ድልድልቲ እምነት ንምምዕባል፡ ብዛዕባ እቶም በረኸት የሆዋ ዝረኸቡ ሰባት ካብ ምንባብን ብዛዕባ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኻብ ምስማዕን ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕያውነት የሆዋ ብውልቁ ኺርእዮ ኣለዎ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፡ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ” በለ። (መዝ. 34:8) ንሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ፡ የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ንኺርኢ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ ንኣብነት፡ ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘጋጠሞ ቝጠባዊ ጸገም፡ ምስ ከም ሽጋራ ምትካኽ፡ ምጥላዕ፡ ወይ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዝኣመሰለ ኣመል ይቃለስ ይህሉ ይኸውን። (ምሳ. 23:20, 21፣ 2 ቈረ. 7:1፣ 1 ጢሞ. 6:10) ነቲ ኣመሉ ምእንቲ ኺሓድጎ፡ ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ኪጽሊ ምስ እንምህሮ፡ የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ንኺርኢ ደይኰንናን እንሕግዞ፧ ብዘይካዚ፡ ንሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ግዜ ብምምዳብ፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተዳልዩ ብምምጻእ፡ ከምኡውን ኣብኡ ብምእካብ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ኪህብ እንተ ኣተባቢዕናዮ፡ የሆዋ ንጻዕርታቱ ይባርኾ ኸም ዘሎ ብውልቁ ስለ ዚርኢ፡ እምነቱ ኽትድልድል እያ።

ፍርሂ ሰብ

9, 10. (ሀ) ኒቆዲሞስን ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ነቲ ኣብ ትምህርትታት የሱስ ዝነበሮም ተገዳስነት ብምስጢር ዝሓዝዎ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ገሊኣቶም ሰብኡት ንክርስቶስ ካብ ምስዓብ ዜድሓርሕሩ ስለምንታይ እዮም፧

9 ገሊኣቶም ሰብኡት፡ ብምኽንያት ጸቕጢ መዛኑ፡ ንክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምስዓብ የድሓርሕሩ እዮም። ኒቆዲሞስን ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ይግደሱ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንርእይቶን ንተግባርን ካልኦት ኣይሁድ ፈሪሆም፡ ነቲ ርክቦም ብምስጢር ሓዝዎ። (ዮሃ. 3:1, 2፣ 19:38) ኪፈርሁ ኸኣ ሓቆም እዮም ነይሮም። ከመይሲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ኣመና ይጸልእዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣብ የሱስ ዝኣመነ ሰብ ካብ ቤት ጸሎት ይሰጕጉዎ ነበሩ።​—ዮሃ. 9:22።

10 ሎሚ እውን ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ሃይማኖት ኪግደስ እንተ ጀሚሩ፡ መሳርሕቱ፡ ኣዕሩኹ፡ ወይ ኣዝማዱ የሸግርዎ ይዀኑ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት እሞ ኸኣ፡ ሃይማኖት ብዛዕባ ምቕያር ክትዛረብ እውን ሓደገኛ እዩ። ሓደ ሰብኣይ ብፍላይ ኣብ ውትህድርና፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ወይ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ማሕበረሰብ ብንጥፈት ይካፈል እንተ ዀይኑ፡ ጸቕጢ መዛኑ ኼሸግሮ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ጀርመን ዚነብር ሰብኣይ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትሰብክዎ ነገራት ሓቂ እዩ። ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይነ ግና፡ ጽባሕ ኵሉ ሰብ ኪፈልጥ እዩ። ሽዑ መሳርሕተይን ጐረባብተይን ኣብቲ ኣነን ስድራ ቤተይን እንኸዶ ክለብ ዘለዉ ሰባትን እንታይ ኪብሉኒ እዮም፧ ነዚ ኣይክእሎን እየ” በለ።

11. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንፍርሂ ሰብ ንኺዋጽኡሉ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

11 ሃዋርያት የሱስ ተባዓት እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ዚፈርሁሉ እዋናት እውን ነይሩ እዩ። (ማር. 14:50, 66-72) እሞኸ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንጸቕጢ መዛኑ ሰጊሮም ዕቤት ንኺገብሩ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ኣብ መጻኢ ኼጋጥሞም ዚኽእል ምጽራር ንኼዳልዎም ኢሉ ስጕምቲ ብምውሳድ እዩ። “ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኹም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጽኡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም” በሎም። (ሉቃ. 6:22) በዚ ኸምዚ፡ ኪጽረፉ ኸም ዚኽእሉ ኣጠንቀቖም። እቲ ዚወርዶም ጸርፊ ብምኽንያት ወዲ ሰብ ከም ዝዀነ ኸኣ ነገሮም። ብዘይካዚ፡ ሓገዝን ብርታዐን ደልዮም ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪሎም፡ ንሱ ኸም ዚድግፎም ኣረጋገጸሎም። (ሉቃ. 12:4-12) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንሓደስቲ ሰባት፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኺሓብሩን ኪተዓራረኹን ኣተባብዖም።​—ማር. 10:29, 30።

12. ንሓደስቲ ሰባት፡ ንፍርሂ ሰብ ንኺዋጽኡሉ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ንሕና እውን ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንፍርሂ ሰብ ንኺዋጽኡሉ ኽንሕግዞም ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ሰባት ኪጻረርዎም ከለዉ እንታይ ከም ዚገብሩ ብምንጋር እዩ። (ዮሃ. 15:19) ንኣብነት፡ ነቲ ተመሃራይ፡ መሳርሕቱ ወይ ካልኦት ሰባት ሕቶ ምስ ሓተትዎ ኺምልሶ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ቐሊልን ርትዓውን መልሲ ንኺዳሎ ኽንሕግዞ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ እቲ ተመሃራይ ንዓና ዓርክና እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ብሕልፊ ኸኣ ምስቶም ኪረዳድኦም ዚኽእል ሰባት ከነላልዮ ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣዘውቲሩን ካብ ልቡን ኪጽሊ ኽንምህሮ ኣሎና። እዚ ኸኣ፡ ናብ ኣምላኽ ንኪቐርብን ንየሆዋ ዕቝባኡን ከውሑን ንኺገብሮን ኪሕግዞ እዩ።​—መዝሙር 94:21-23፣ ያእቆብ 4:8 ኣንብብ።

ብቑዕ ኣይኰንኩን ዚብል ሓሳብ

13. ገሊኣቶም ሰብኡት፡ ብምኽንያት እቲ ብቑዕ ኣይኰንኩን ዚብል ሓሳብ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ካብ ምስታፍ ዜድሓርሕሩ ብኸመይ እዮም፧

13 ገሊኣቶም ሰብኡት ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ኪሳተፉ ዘይደልዩ፡ ጽቡቕ ገይሮም ኬንብቡ ወይ ብንጹር ኪዛረቡ ስለ ዘይክእሉ ወይ ከኣ ሓፋራት ስለ ዝዀኑ እዩ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቐሪቦም ብዛዕባ ኣረኣእያኦምን ስምዒቶምን ምዝራብ ይኸብዶም እዩ። ኬጽንዑ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓሳብ ኪህቡ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ኬዘራርቡ የጨንቖም ይኸውን። ሓደ ክርስትያን ሓው፡ “ንእሽቶ ኸለኹ፡ ቀልጢፈ ናብቲ ማዕጾ እኸይድ፡ ነቲ ደወል ጭር ዘብል ብምምሳል ከኣ ዋላ ሓደ ሰብ ንኸይርእየኒ ወይ ንኸይሰምዓኒ ተጠንቂቐ እሓልፍ ነበርኩ። . . . ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ቀጨውጨው እዩ ዜብለኒ ነይሩ” በለ።

14. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሓደ ጋኔን ዝሓዞ ወዲ ኼሕውይዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

14 ንኣብነት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሓደ ጋኔን ዝሓዞ ቘልዓ ኼሕውይዎ ዘይምኽኣሎም፡ ንምትእምማኖም ኣጥፊእዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣቦ እቲ ቘልዓ ናብ የሱስ መጺኡ፡ “[ንወደይ፡] ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡ ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ፡ ምሕዋዩ ሰአኑ” በሎ። የሱስ ነቲ ጋኔን ኣውጽኦ እሞ፡ እቲ ቘልዓ ሓወየ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸኒሖም ንየሱስ፡ “ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰአንና፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ድማ፡ “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፤ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት እንተ አልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፤ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰአነኩምውን የልቦን” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴ. 17:14-20) ስለዚ፡ ከም ከረን ዝኣመሰለ ዕንቅፋት ንምስጋር፡ ብየሆዋ ኽንኣምን ኣሎና። ሓደ ሰብ ነዚ ዕሽሽ ኢሉ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኽእለት ኬተኵር እንተ ጀሚሩ፡ እንታይ ኬጋጥሞ ይኽእል፧ ኪዕወት ስለ ዘይክእል፡ ምትእምማኑ እዩ ዚጠፍእ።

15, 16. ንሓደ ዘይብቑዕ ኰይኑ ዚስምዖ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

15 ንሓደ ብቑዕ ኰይኑ ዘይስምዖ ሰብ ክንሕግዘሉ እንኽእል ዝሓሸ መገዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእሱ፡ ኣብ የሆዋ ኼተኵር ብምትብባዕ እዩ። ጴጥሮስ፡ “ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። . . . ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 5:6, 7) ስለዚ፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት፡ መንፈሳውነቶም ንኼማዕብሉ ኽንሕግዞም ኣሎና። መንፈሳዊ ሰብ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ንቓል ኣምላኽ የፍቅሮን ኣብ ህይወቱ “ፍረ መንፈስ” የንጸባርቕን እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ጸሎተኛ እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ብዘይካዚ፡ ንሓደ ዅነታት ንምስጋር ወይ ንዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ንምፍጻም ዜድልዮ ትብዓትን ብርታዕን ንምርካብ ናብ ኣምላኽ እዩ ዚጽጋዕ።​—2 ጢሞቴዎስ 1:7, 8 ኣንብብ።

16 ገሊኣቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ምንባብ፡ ምስ ካልኦት ናይ ምርድዳእ፡ ወይ ከኣ ናይ ምዝራብ ክእለቶም ምእንቲ ኼመሓይሹ፡ ግብራዊ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ገሊኣቶም ከኣ ብሰንኪ እቲ ንየሆዋ ቕድሚ ምፍላጦም ዝፈጸምዎ ሕማቕ ተግባር፡ ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ዘይበቕዑ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ፍቕርን ትዕግስትን ዝመልኦ ሓገዝ እዩ ዜድልዮም። የሱስ፡ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን” በለ።​—ማቴ. 9:12።

ብዙሓት ሰብኡት ‘ግፈፉ’

17, 18. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎትና ንብዙሓት ሰብኡት ከነዘራርብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ከነጽንዕ ኢና፧

17 ብዙሓት ሰብኡት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዚርከብ ዜዕግብ መልእኽቲ ምላሽ ኪህቡሉ ንምነ ኢና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ንብዙሓት ሰብኡት ከነዘራርብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብቲ ዝያዳ ሰብኡት ዚርከቡሉ እዋን፡ ማለት ኣብ ግዜ ምሸት፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ወይ ከኣ ኣብ ግዜ በዓላት፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ብምሕላፍ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ንርእሲ እታ ቤት ከነዘራርቦ ንኽእል እንተ ዄንና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋናት፡ ንመሳርሕትና ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኽንምስክረሎም፡ ነቶም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ዘይኣመንቲ ሰብኡት ከኣ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።

18 ንዅሎም ሰባት ክንሰብኽ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን፡ እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ከም ዚህቡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ነቶም ብዛዕባ ሓቂ ልባዊ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ብትዕግስቲ ንሓግዞም። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ እተጠምቁ ኣሕዋት፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ሓላፍነት ናይ ምስካም ድሌት ንኼሕድሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ዝወጸ ታሪኽ ህይወት ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሰብኡት ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምእንቲ ኺህቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

• ንሓደስቲ ሰባት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ንኺዋጽኡሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

• ንሓደ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ዚስምዖ ሰብ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ንሰብኡት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከተካፍሎም ትጽዕር ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ፡ ንፈተናታት ንኺዋጽኣሉ ብኸመይ ከተዳልዎ ትኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ