ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/6 ገጽ 30-31
  • “ጥበባዊ መምርሒ” ድለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጥበባዊ መምርሒ” ድለ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ጥበባዊ መምርሒ” ኻበይ ክንረክብ ንኽእል፧
  • ትጽቢትን ውጥንን
  • ናይ ሓቂ ጥበብ ትጭድር ኣላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ብቓል ኣምላኽ ተመርሑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጥበብ ኣጥሪ ተግሳጽ እውን ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኣምላኽ እተኽብር ስድራቤት ምህናጽ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/6 ገጽ 30-31

“ጥበባዊ መምርሒ” ድለ

ህይወት ምስ መገሻ ባሕሪ ኺመሳሰል ጸኒሑ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ዚርአ ግና፡ ሰብኣዊ ጥበብ ንሰባት ኣብ መገዲ ህይወት ብዘይ ዕንቅፋት ከም ዚምርሑ ናይ ምግባር ዓቕሙ ድሩት እዩ። ልክዕ ከምቲ ንሓንቲ መርከብ ኣብ ማዕበል ሓደጋ ዜጋጥማ፡ ንሓያሎ ሰባት እውን ኣብ ህይወቶም ሓደጋ የጋጥሞም እዩ። (መዝ. 107:23, 27) እዚ ምሳልያዊ ምምስሳል እዚ ብቑዕ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

ጥንቲ፡ ጕዕዞ ባሕሪ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ተመክሮ ዚሓትት እዩ ነይሩ። እዚ ሞያ እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ተመክሮ ነዊሕ ዓመታት ዘለዎም ባሕረኛታት፡ ምናልባት እውን በቲ መራሕ መርከብ እትመሃሮ ሞያ እዩ ነይሩ። (ግብ. 27:9-11) መብዛሕትኡ ጥንታዊ ቕብኣታት ከም ዚሕብሮ፡ ሰኣልቲ ንመራሕ መርከብ ካብ ካልኦት ሰራሕተኛታት መርከብ ኣግዚፎም ይስእልዎ ነበሩ። እዚ ኸኣ ንሞያኡ ምእንቲ ኼጕልሑ ኢሎም እዮም። ባሕረኛታት፡ ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማሮም፡ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ኸዋኽብትን ንፋሳትን ካልእ ኣገደስቲ ነገራትን የጽንዑ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኦም መራሕቲ መርከብ፡ “ጠቢባን” ኢልዎም ኣሎ።—ህዝ. 27:8።

ልክዕ ከምቲ ጥንቲ ጕዕዞ ባሕሪ ኣሸጋሪ ዝነበረ፡ ሎሚ ኣብ ጕዕዞ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት እውን ኣሸጋሪ ዀይኑ ኺርኣየና ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጕዕዞ ህይወት እዚ፡ ብዓወት ንኺንጓዓዝ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

“ጥበባዊ መምርሒ” ኻበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ህይወት ምስ ጕዕዞ ባሕሪ ምምስሳሉ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ነዚ ዚስዕብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንመርምር፦ “እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ [“ጥበባዊ መምርሒ፡” NW] የጥሪ።” (ምሳ. 1:5, 6) እታ ኣብዚ “ጥበባዊ መምርሒ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንተግባራት ኣዛዝ ጥንታዊት መርከብ ክትገልጽ ትኽእል እያ። ነቲ ብጥበብ ናይ ምምራሕ ክእለት ድማ ከተመልክት ትኽእል እያ።

ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ “ጥበባዊ መምርሒ” ኸነጥርን ኣብ ባሕሪ ህይወት ከኣ ብዘይ ዕንቅፋት “ክንጓዓዝን” ንኽእል ኢና። ከምቲ መጽሓፍ ምሳሌ እትሕብሮ፡ ‘ንጥበብን ንምስትውዓልን ንልቦናን’ ብሓደ ኸም ዚዓያ ኽንገብረን ኣሎና። (ምሳ. 1:2-6፣ 2:1-9) መለኮታዊ መምርሒ ኻብ ምድላይ ከኣ ዓዲ ኽንውዕል የብልናን፣ እኩያት እኳ መወዳእታኦም ጥበራ ኽነሱ ብኸመይ ከም ዚምርሑ ይፈልጡ እዮም።—ምሳ. 12:5።

ስለዚ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ከነጽንዕ ኣሎና። በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ምሉእ ብምሉእ ዘንጸባረቖ የሱስ ክርስቶስን ብዙሕ ፍልጠት ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 14:9) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ብዙሕ ጥበባዊ ምኽሪ ንረክብ ኢና። ብዘይካዚ፡ ካብ ተመክሮ ኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ካብ ወለድና ብዙሕ ትምህርቲ ኽንቀስም ንኽእል ኢና።—ምሳ. 23:22።

ትጽቢትን ውጥንን

ብፍላይ፡ ምሳልያዊ ማዕበል ማያት ምስ ዜጓንፈና “ጥበባዊ መምርሒ” የድልየና እዩ። ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ብፍርሂ ኽንዋሓጥ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ክንጥሕል ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:5, 6።

እታ “ጥበባዊ መምርሒ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ምስ ውግእ ብእተተሓሓዘ እውን ተጠቒሳ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ” ይብል።—ምሳ. 20:18፣ 24:6።

ልክዕ ከምቲ ኣቐዲሙ ስልቲ ዚሕንጽጽ መራሕ ውግእ፡ ንሕና እውን ንዅሉ እቲ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኼውድቕ ዚኽእል ነገራት ኣቐዲምና ኽንጽበዮን ክንዳለወሉን ይግብኣና። (ምሳ. 22:3) ንኣብነት፡ ሓደ ሓድሽ ስራሕ ክትቅበል ወይ ኣብ ስራሕካ ዕቤት ክትረከብ ዕድመ ምስ ዚቐርበልካ፡ ክትውስን የድልየካ እዩ። ንደሞዝካ፡ ነቲ ናብን ካብን ስራሕካ ንምጕዓዝ እተጥፍኦ ግዜ፡ ከምኡውን ንኻልእ ዝርዝር ነገራት ኣብ ግምት ከም እተእቱ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘እቲ ስራሕ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ድዩ፧ ከም እብረ ዝኣመሰለ ሰዓታት እቲ ስራሕ፡ ንክርስትያናዊ ንጥፈታተይ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧’ ንዚብል ነጥብታት እውን ኣብ ግምት ከተእትዎ ኣሎካ።—ሉቃ. 14:28-30።

ሎሬታ እትብሃል ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ጽቡቕ ስራሕ ነበራ። እቲ ኩባንያ ቦታ ኪቕይር ምስ ተደልየ፡ ሎሬታ ኣብቲ ሓድሽ ከባቢ ኣገዳሲ ቦታ ንኽትረክብ ዕደመ ቐረበላ። እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ንሎሬታ፡ “እዚ ዕድል እዚ ኼምልጠኪ የብሉን። ኣብቲ ኸባቢ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘሎ እውን ፈሊጥና ኣሎና” በልዋ። ንሳ ግና፡ ንፈጣሪኣ ብዝያዳ ምእንቲ ኸተገልግሎ ናብራኣ ኸተቕልል ደለየት። እቲ ሓድሽ ስራሕ ነቲ ንክርስትያናዊ ንጥፈታት ዚኸውን ግዜ ኸም ዚወስደላ ተገንዘበት። ስለዚ ድማ፡ ሓደ ኻብቶም ሓለፍቲ፡ ኣብቲ ስራሕ ንዓኣ ጥራይ ኬውጽእዋ ኸም ዘይደልዩ ብምስጢር እኳ እንተ ነገራ፡ ናይ ስንብታ ወረቐት ሃበቶ። እዛ ሕጂ ን20 ዓመት ዚኣክል ስርዕቲ ፈላሚ ዀይና እተገልግል ዘላ ሓብቲ፡ እዚ ሕጂ ረኺባቶ ዘላ ጽቡቕ ፍረ፡ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መምርሒ ብምስምማዕ፡ ‘ብጥበብ ተመሪሓ’ ሳላ ዝወጠነት ምዃኑ፡ ትኣምነሉ እያ። እቲ ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብ ደልዲሉ፡ ንሓያሎ ሰባት ከኣ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኪቕበሉ ሓጊዛቶም እያ።

ኣብ ስድራ ቤት እውን “ጥበባዊ መምርሒ” ኸም ዜድሊ ፍሉጥ እዩ። ቈልዑ ምዕባይ ነዊሕ ግዜ ዚወስድ ዕዮ እዩ፣ ብመንፈሳዊ ወይ ብስጋዊ መዳያት ዚግበር ምርጫታት እውን ንመጻኢ ዅሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ይጸልዎ እዩ። (ምሳ. 22:6) ንኣብነት፡ ክርስትያን ወለዲ፡ ‘ደቅና ምስ ዓበዩ ኣብ ህይወቶም ንዜጋጥሞም ብድሆታት ብጥበብ ንኺዋጽኡሉ ዚሕግዞም መንፈሳዊ ነገራት፡ ብኣዘራርባና ዀነ ብኣብነትና ንምህሮም ዲና፧ ናብራ ህይወትናኸ ብኸመይ ብቐሊሉ ዓጊብካ ኸም እትነብር ንኺርድኡን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንኼተኵሩን ይሕግዞምዶ ኣሎ፧’ ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ኪሓትዋ ኣለዎም።—1 ጢሞ. 6:6-10, 18, 19።

ናይ ሓቂ ዓወት፡ በቲ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዚስዕብዎ ስጋዊ ወይ ማሕበራዊ ሸቶታት ኣይልካዕን እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ስለ እተረድኦ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚዀነሎም” ገለጸ። (መክ. 8:12) እዚ ኸኣ፡ ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕካ “ጥበባዊ መምርሒ” ምድላይ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ።—2 ጢሞ. 3:16, 17።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

መራሕቲ መርከብ፡ ዕዮኦም ምእንቲ ኺጐልሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ካልኦት ሰራሕተኛታት መርከብ ኣግዚፍካ እዮም ዚሰኣሉ ነይሮም

[ምንጪ ስእሊ]

Su concessione del Ministero per i Beni e le Attività Culturali. It is forbidden to reproduce or duplicate this image in any way or by any means.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ