ትሕዝቶ
15 መጋቢት 2013
© 2013 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
29 ሚያዝያ 2013–5 ግንቦት 2013
6-12 ግንቦት 2013
13-19 ግንቦት 2013
‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧
20-26 ግንቦት 2013
27 ግንቦት 2013–2 ሰነ 2013
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ‘ዜዐንቅፎም የልቦን’
ኵልና ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዚግበር ቅድድም ኢና ዘለና። ኰይኑ ግና፡ ብምኽንያት እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት፡ ኵላትና ንዕንቀፍ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኼዐንቅፈና ዚኽእል ሓሙሽተ ነገራት ንኸነለልዮ ትሕግዘና፣ ነዚ ንቕድድምና ንኸይንዛዝም ዚዓግተና ነገራት ብኸመይ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ከኣ ትገልጽ።
▪ ‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧
ትንቢት ኤርምያስ ብዛዕባ ልቢ ብዙሕ ነገራት ትሕብረና እያ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኽንርዳእ ትሕግዘና፣ ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ ብኸመይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ኸኣ ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ብኸመይ ‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ኸነጥሪ ኸም እንኽእል ትሕብር።—ኤር. 9:26፣ 24:7።
▪ ‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧
ንኣምላኽ ንኽንፈልጦን ብእኡ ንኽንፍለጥን እንታይ ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧ ሓደ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ምስ በጽሐ እውን እንተ ዀነ፡ ከም ክርስትያን መጠን ዕቤቱ ዘየቋርጽ ብኸመይን ስለምንታይን እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚአን ክትምልሰን እያ።
▪ የሆዋ መዕቈቢና
ብመንፈሳዊ መዳይ ሓደገኛ ኣብ ዝዀነት ዓለም ንነብር እኳ እንተለና፡ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ኣምላኽና ብኸመይ ጽኑዕ መዕቈቢ ኸም ዝዀነ ትሕብር።
▪ ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ
ሓደ ኻብቶም ብስም ኣምላኽ እተጸውዑ ህዝቢ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ በቲ ስም እቲ ምምልላስከ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ነቶም ንስሙ ዘየኽብርዎ ሰባት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚአን ትምልሰን።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
30 ተስፋ ኣይትቝረጽ!
ገበር፦ ፊንላንድ ብዙሓት ደሴታት ዚርከቦ ገማግም ኣለዋ። ብፍላይ ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ፊንላንድ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቀላያት ይርከብ እዩ። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ንግዜኡ ዜገልግሉ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ዕዮ ምስክርነት፡ ጀላቡ ይጥቀሙ እዮም
ፊንላንድ
ብዝሒ ህዝቢ፦
5,375,276
መጠነ ዝምድና፦
1 ናይ የሆዋ ምስክር ን283 ተቐማጦ
ስሩዓት ፈለምቲ፦
1,824