ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/3 ገጽ 1-2
  • ትሕዝቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሕዝቶ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ሕታም መጽናዕቲ
  • ዓንቀጻት መጽናዕቲ
  • ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/3 ገጽ 1-2

ትሕዝቶ

15 መጋቢት 2013

© 2013 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.

ሕታም መጽናዕቲ

29 ሚያዝያ 2013–5 ግንቦት 2013

ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ‘ዜዐንቅፎም የልቦን’

ገጽ 3 • መዝሙር፦ 45, 32

6-12 ግንቦት 2013

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

ገጽ 8 • መዝሙር፦ 31, 23

13-19 ግንቦት 2013

‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

ገጽ 13 • መዝሙር፦ 54, 24

20-26 ግንቦት 2013

የሆዋ መዕቈቢና

ገጽ 19 • መዝሙር፦ 51, 1

27 ግንቦት 2013–2 ሰነ 2013

ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ

ገጽ 24 • መዝሙር፦ 27, 10

ዓንቀጻት መጽናዕቲ

▪ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ‘ዜዐንቅፎም የልቦን’

ኵልና ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዚግበር ቅድድም ኢና ዘለና። ኰይኑ ግና፡ ብምኽንያት እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት፡ ኵላትና ንዕንቀፍ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኼዐንቅፈና ዚኽእል ሓሙሽተ ነገራት ንኸነለልዮ ትሕግዘና፣ ነዚ ንቕድድምና ንኸይንዛዝም ዚዓግተና ነገራት ብኸመይ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ከኣ ትገልጽ።

▪ ‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

ትንቢት ኤርምያስ ብዛዕባ ልቢ ብዙሕ ነገራት ትሕብረና እያ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኽንርዳእ ትሕግዘና፣ ‘ዘይተገዝረ ልቢ’ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ ብኸመይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ኸኣ ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ብኸመይ ‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ኸነጥሪ ኸም እንኽእል ትሕብር።—ኤር. 9:26፣ 24:7።

▪ ‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

ንኣምላኽ ንኽንፈልጦን ብእኡ ንኽንፍለጥን እንታይ ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧ ሓደ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ምስ በጽሐ እውን እንተ ዀነ፡ ከም ክርስትያን መጠን ዕቤቱ ዘየቋርጽ ብኸመይን ስለምንታይን እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚአን ክትምልሰን እያ።

▪ የሆዋ መዕቈቢና

ብመንፈሳዊ መዳይ ሓደገኛ ኣብ ዝዀነት ዓለም ንነብር እኳ እንተለና፡ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ኣምላኽና ብኸመይ ጽኑዕ መዕቈቢ ኸም ዝዀነ ትሕብር።

▪ ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ

ሓደ ኻብቶም ብስም ኣምላኽ እተጸውዑ ህዝቢ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ በቲ ስም እቲ ምምልላስከ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ነቶም ንስሙ ዘየኽብርዎ ሰባት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚአን ትምልሰን።

ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ

18 ተጸናኒዕካስ ኣጸናንዕ

29 ብሓቂ ጆሰፈስ ድዩ ጽሒፍዎ፧

30 ተስፋ ኣይትቝረጽ!

ገበር፦ ፊንላንድ ብዙሓት ደሴታት ዚርከቦ ገማግም ኣለዋ። ብፍላይ ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ፊንላንድ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቀላያት ይርከብ እዩ። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ንግዜኡ ዜገልግሉ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ዕዮ ምስክርነት፡ ጀላቡ ይጥቀሙ እዮም

ፊንላንድ

ብዝሒ ህዝቢ፦

5,375,276

መጠነ ዝምድና፦

1 ናይ የሆዋ ምስክር ን283 ተቐማጦ

ስሩዓት ፈለምቲ፦

1,824

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ