ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/7 ገጽ 3
  • ሕማቕ ነገራት መሊኡ ኣሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕማቕ ነገራት መሊኡ ኣሎ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም ስለምንታይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣምላኽ: እከይ ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንዜጋጥመና መከራ ዚሕተተሉ ኣምላኽ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/7 ገጽ 3

ገበር | ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧

ሕማቕ ነገራት መሊኡ ኣሎ

ሓዘንን ጓህን ዘጋጠሞም ኣባላት ስድራ ቤት

ኣብ ዳካ፡ ባንግላደሽ እትነብር ስሚታa ዝስማ ጓል 35 ዓመት ሰበይቲ፡ ብፍቕራን ብሓልዮታን እያ እትፍለጥ ነይራ። ሰባት ድማ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺፈልጡ ኽትሕግዞም ከም እትደሊ ጻዕራምን ሕጕስትን ሰበይቲ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ስሚታ ብሃንደበት ምስ ሓመመትን ኣብ ውሽጢ ሰሙን ምስ ሞተትን፡ ንስድራ ቤታን ንፈተውታን ድቦላ እዩ ዀይኑዎም።

ኣብ 30ታት ዕድሚኦም ዝነበሩ ጄምስን ሰበይቱን፡ ልክዕ ከም ስሚታ ጽቡቕ ስም ዝነበሮም መንእሰያት ሰብ ሓዳር እዮም ነይሮም። ሓደ እዋን ኣብ ጽድያ፡ ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ፈተውቶም ኪበጽሕዎም ከዱ። ኰይኑ ግና፡ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤቶም ኣይተመልሱን። ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ሓደጋ ማኪና ስለ ዘጋጠሞም፡ ኣብ ህይወት ፈተውቶምን መሳርሕቶምን ዓብዪ ሃጓፍ ገዲፎም ሞቱ።

ሎሚ እከይን መከራን መሊኡ ኸም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ርሑቕ ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ። ውግእ ንሲቭላትን ንወተሃደራትን ይቐትል ኣሎ። ንጹሃት ሰባት፡ ግዳይ ገበንን ዓመጻን ይዀኑ ኣለዉ። ሞት ዜስዕብ ሓደጋታትን ዜማስን ሕማምን፡ ዕድመ ወይ ናብራ ኸይፈለየ፡ ንዅሉ ይውድእ ኣሎ። ባህርያዊ ሓደጋታት ንማሕበረ ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ የጥፍኦም ኣሎ። ጽልእን ግፍዕን እውን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። ምናልባት ንስኻ እውን ግዳይ እዚ እተጠቕሰ ነገራት ኴንካ ትኸውን ኢኻ።

ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦

  • ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧

  • ነዚ ዅሉ ዚሕተተሉ ኣምላኽ ድዩ፧

  • ሓደጋታት ብወዝቢ ድዩ ዜጋጥመና ወይስ ሰብ ዜምጽኦ እዩ፧

  • ብብሕትና መከራ ዜጋጥመና፡ ብሰንኪ ካርማ፡ ማለት ብሰሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ህይወትና ዝገበርናዮ ነገራት ድዩ፧

  • ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ንቕኑዓት ሰባት ካብ ጕድኣት ዘየዕቍቦም ስለምንታይ እዩ፧

  • ካብ እከይን መከራን ናጻ ዝዀነ ህይወት ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

ነዘን ሕቶታት እዚአን ንምምላስ፡ ንመልሲ እዘን ዚስዕባ ኽልተ መሰረታውያን ሕቶታት ክንፈልጦ ኣሎና፦ ንምዃኑ ስለምንታይ እዩ ሕማቕ ነገራት ዜጋጥም፧ ኣምላኽከ እንታይ ኪገብር እዩ፧

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ