ትሕዝቶ
15 መስከረም 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
26 ጥቅምቲ 2015–1 ሕዳር 2015
ገጽ 3
2-8 ሕዳር 2015
ገጽ 8
9-15 ሕዳር 2015
ገጽ 13
16-22 ሕዳር 2015
ገጽ 18
23-29 ሕዳር 2015
ገጽ 23
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ናብ ብጽሕና ክርስቶስ ትበጽሕዶ ኣለኻ፧
▪ ሕልናኻ ዜተኣማምን መምርሒ ዚህብ ድዩ፧
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንምብጻሕ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምዕባይ ጻዕሪ ኺገብሩ ይግባእ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሕልናኦም እውን ኬሰልጥንዎ ይግባእ። እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ብስለትን ሕልናን ኣብ ከመይ ዝበለ መዳያት ህይወትና ኽንዓየሉ ኸም ዚግባእ ብምግላጽ፡ ኣብ ክልቲኡ ጕዳይ ግብራዊ መምርሒ ይህባ።
▪ “ኣብ እምነት ጽንዑ”
ካብቲ ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ኪኸይድ ዝፈተነሉ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ እምነት ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ እምነትና ኺህልወና ዚኽእል ድኽመት ከነለሊ ትሕግዘና፡ ንእምነትና ኸመይ ጌርና ኸም እነደልድላ ድማ ትሕብረና።
▪ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዜፍቅረና፧
▪ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ምፍላጥናን ንፍቕሩ ምላሽ ምሃብናን፡ ኣብ ህይወትና ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዕግበትን ሓጐስን የምጽኣልና። ኣብዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ፍቕሩ ኸም ዜርእየና፡ ንሕና እውን ከመይ ጌርና ፍቕርና ኸም እነርእዮ ኽንምርምር ኢና።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
ገበር፦ ኣብ ጉባኤ ቻይንኛ ዜገልግሉ ኢጣልያውያን ኣስፋሕቲ ናብ ከተማ ሮማ ንምብጻሕ ንዝመጹ በጻሕቲ ኼዘራርብዎም ከለዉ። ኣብ ጥቓ ውሩይ ሓወልትታት ዝቘመ ንመርኣዪ ዚኸውን ዓረብያታትና ኣብ ወወርሒ ንኣቓልቦ ኣማእታት ሰባት ይስሕብ ኣሎ
ኢጣልያ
ብዝሒ ህዝቢ
60,782,668
ኣስፋሕቲ
251,650
ፈለምቲ
33,073
እቲ ብስራት ብ37 ቋንቋ ወጻኢ፡ ብልዕሊ 24,000 ኣስፋሕቲ ይስበኽ ኣሎ