ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ሚያዝያ ገጽ 32
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ጥንቲ ማሕተም እንታይ እዩ ነይሩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • “እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እቲ መንፈስ ባዕሉ ምስ መንፈስና ዀይኑ ይምስክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ሚያዝያ ገጽ 32

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ካብ ኣምላኽ ዚቕበሎ “ዕርቡን”ን “ማሕተም”ን እንታይ እዩ፧—2 ቈረ. 1:21, 22።

ሓደ ሰብ ብቐለቤት ማሕተሙ ንሓደ ኣብ ልዕሊ ሰነድ ዘሎ ጭቃ ይሓትሞ

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ሓቅነት ሰነድ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ካይላ ወይ ስምዒ ብቐለቤት ማሕተም ይሕተም ነይሩ

ዕርቡን፦ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:22 “ዕርቡን” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ንሓደ ነገር ንምውናን ወይ ድማ ውዕል ንምጽናዕ፡ ካብቲ ጠቕላላ ዋጋ ኣቐዲምካ ዚኽፈል እተወሰነ ኽፍሊት” እተመልክት “ናይ ሕግን ናይ ንግድን ተክኒካዊት ቃል” እያ። ምሉእ ክፍሊት ወይ ዓስቢ እቶም ቅቡኣን ከኣ፡ እቲ ዚለብስዎ ዘይሓልፍ ሰማያዊ ኣካል ምዃኑ ኣብ 2 ቈረንቶስ 5:1-5 ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ዓስቢ ንዘይመወት ህይወት እውን ዜጠቓልል እዩ።—1 ቈረ. 15:48-54።

ኣብ ዘመናዊ ግሪኽኛ፡ ምስዛ ቓል እዚኣ እትዛመድ ቃል ንቐለቤት ሕጸ ተመልክት እያ። እዚ ኸኣ ነቶም ክፍሊ ምሳልያዊት ሰበይቲ ክርስቶስ ዚዀኑ ሰባት ዚግባእ መግለጺ እዩ።—2 ቈረ. 11:2፣ ራእ. 21:2, 9።

ማሕተም፦ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ማሕተም ንዋንነት፡ ንሓቅነት፡ ወይ ንስምምዕ ዜረጋግጽ ክታም እዩ ነይሩ። ቅቡኣት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንብረት ኣምላኽ ኰይኖም ብመንፈስ ቅዱስ ‘እተሓትሙ’ ወይ ዕላመት እተገብረሎም እዮም። (ኤፌ. 1:13, 14) ይኹን እምበር፡ እዚ ማሕተም እዚ ዚጸንዕ፡ እቲ ሰብ እሙን ኰይኑ ቕድሚ ሙማቱ ወይ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ እዩ።—ኤፌ. 4:30፣ ራእ. 7:2-4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ