ትሕዝቶ
29 ነሓሰ 2016–4 መስከረም 2016 ዘላ ሰሙን
7 ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድለ
የሱስ፡ ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ’ እዩ ምሂሩና። ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ንምስዓብ፡ ከመይ ጌርና ኻብ መፈንጠራ ፍቕረ ንዋይ ርሒቕና ናብራና ኸነቕልል ንኽእል፧ ነቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ዝጠቐሶ ኣብ ማቴዎስ 6:25-34 ዚርከብ ዜተባብዕ ቃላቱ ርአ።
5-11 መስከረም 2016 ዘላ ሰሙን
ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ነቲ የሱስ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ‘ክንነቅሕ’ ዝሃበና ምዕዶ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። (ማቴ. 24:42) ከምኡ ንምግባር፡ ካብቲ ነቲ የሱስ ዚመጸሉ እዋን ከም ዘይንነቅሕ ኪገብረና ዚኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታት ክንጥንቀቕ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንቕሓትና ኸይዳኸም ብኸመይ ክንጥንቀቕ ከም እንኽእል ትገልጽ።
12-18 መስከረም 2016 ዘላ ሰሙን
19-25 መስከረም 2016 ዘላ ሰሙን
26 ብስራት ጸጋ ኣበስር
እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ጸጋ የሆዋ እንረኽቦ ሓያሎ ረብሓታት ይገልጻ። ብዘይካዚ፡ እቲ ንዕኡ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ፡ ሰባት ካብ ጸጋ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ንኸነፍልጦም ብኸመይ ኪድርኸና ኸም ዚኽእል ይገልጻ።