ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 2 ገጽ 8-9
  • መጻምድቲ ምስ ዚጠልም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጻምድቲ ምስ ዚጠልም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኪሕግዝ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ ግዜ ጸገም ምጽንናዕ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ምትዕራቕ ዝሓሸ ድዩ፧
    ንቕሑ!—2000
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • 3 ንጸገማት ክትዋጽኣሉ ይሕግዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 2 ገጽ 8-9
ሓንቲ ሰበይቲ ትጽሊ

መጻምድቲ ምስ ዚጠልም

“ሰብኣየይ ምስ ሓንቲ ብዕድመ ዝነኣሰት ሰበይቲ ኪኸውን ኢሉ ሓዲጉኒ ኸም ዚኸይድ ምስ ነገረኒ፡ ክመውት ተመንየ ነይረ እየ። ምናዳ ነቲ ምእንታኡ ኢለ ዝኸፈልክዎ ዅሉ መስዋእቲ ኽዝክሮ ኸለኹ፡ ከቢድ ግፍዒ ዀይኑ እዩ ተራእዩኒ።”—ማሪያ፡ ስጳኛ።

“ሰበይተይ ብሃንደበት ሓዲጋትኒ ምስ ከደት፡ ውሽጠይ ከም ምዉት እየ ዀይነ። ትምኒታትናን ተስፋታትናን መደባትናን በኒኑ እዩ ተሪፉ። ካብ ጭንቀት ናጻ ዀይነ ኢለ ዝሓሰብኩሉ መዓልትታት ነይሩ፣ መሊሱ ግና ከቢድ ቅብጸት ይስምዓኒ ነይሩ።”—ቢል፡ ስጳኛ።

ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጥልመት ኣዝዩ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም ይቕረ ብምባል መሊሶም ርክቦም ይሃንጹ እዮም።a እቲ ሓዳር ይቐጽል ኣይቀጽል ግና፡ እቶም እተጠልሙ ብርቱዕ ስቓይ የሕልፉ እዮም። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሮም እዮም ነቲ እተጐድአ ስምዒቶም ኪከናኸኑ ዚኽእሉ፧

ኪሕግዝ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ብዙሓት ንጹሃት ሰብ ሓዳር በቲ ዘጋጠሞም ጥልመት ጓሂ ልቢ ዚስምዖም እኳ እንተ ዀነ፡ በዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ተጸናኒዖም እዮም። ኣምላኽ ንንብዓቶም ከም ዚርእዮን ስቓዮም ከም ዚስምዖን እውን ፈሊጦም እዮም።—ሚልክያስ 2:13-16።

“ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።”—መዝሙር 94:19።

ቢል፡ “ነዛ ጥቕሲ ኸንብባ ኸለኹ፡ የሆዋ ኸም ሓደ ርሕሩሕ ኣቦ፡ ካብ ስቓየይ ብለውሃት ከም ዜደዓዕሰኒ ገይረ እየ ዝስእሎ” ይብል።

“ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን።”—መዝሙር 18:25።

ካርመን እትብሃል ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ንኣዋርሕ ብመገዲ ጥልመት ምስ ተመላለሰ፡ “ሰብኣየይ እሙን ኣይኰነለይን። የሆዋ እሙን ከም ዚዀነለይ ግና ክተኣማመን እኽእል እየ። ፈጺሙ ኣየሕፍረንን እዩ” ትብል።

“ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም . . . ኪሕልዎ እዩ።”—ፊልጲ 4:6, 7።

ሳሻ እትብሃል ሰበይቲ፡ “ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ደጋጊመ ኣንቢበያ እየ። ደጋጊመ ምስ ጸለኹ፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ሰላም ሂቡኒ” ትብል።

ኵሎም እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ፡ ኪሕለሉ ቝሩብ ተሪፍዎም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ተወኪሎም፡ ካብ ቃሉ ድማ ብርታዐ ረኺቦም እዮም። ቢል ከኣ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ኢሉ ይገልጾ፦ “ኵሉ ነገር ጠሊሙኒ ኢለ ኣብ ዝሓሰብኩሉ እዋን፡ እምነተይ ንህይወተይ ትርጉም ከም ዚህልዋ ገይሩ። ንእተወሰነ ግዜ ‘ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ’ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ኣምላኽ ምሳይ እዩ ነይሩ።”—መዝሙር 23:4።

a ንዝጠለመ መጻምድቲ ይቕረ ብዛዕባ ምባል ወይ ዘይምባል፡ ኣብ ናይ ሚያዝያ-ሰነ 2000 ንቕሑ! ዝወጸ፡ “ናይ መርዓ ብጻይ ዘይእሙን ክኸውን ከሎ” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ርአ።

ገሊኦም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ

ንዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተንትነሉ።

ቢል ከምዚ ይብል፦ “መጽሓፍ እዮብን መዝሙርን ኣንቢበ። ምስ ኵነታተይ ዚተሓሓዝ ዘበለ ዅሉ ቓላት እውን ኣስሚረሉ። እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ንዓይ እተሰምዓኒ ስቓይን ጭንቀትን ከም ዘሕለፉ ኸኣ ፈሊጠ።”

ብሙዚቃ ተደዓዓስ።

ካርመን፡ “ለይቲ ድቃስ ኪኣብየኒ ኸሎ፡ ሙዚቃ እሰምዕ ነይረ። እዚ ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ” ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ። ዳንኤል ከኣ፡ “ጊታር ምውቃዕ ተማሂረ፣ እቲ ንሙዚቃ ዜድልዮ ውህደት ድማ፡ ውሽጣዊ ሰላመይን ውህደተይን ክረክብ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል።

ብዛዕባ ስምዒታትካ ተዛረብ።

ዳንኤል፡ “ብዛዕባ ስምዒታተይ ምዝራብ ዘይለመድክዎ ነገር እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ንፉዓት ኣዕሩኽ ነይሮምኒ፣ መዓልቲ መዓልቲ እውን እዛረቦም ነይረ። ብጽሑፍን ብዘረባን፡ ነቲ ጾር ዝዀነኒ ስምዒተይ እገልጸሎም ነይረ። እዚ ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል። ሳሻ ድማ፡ “ሓገዝ ስድራ ቤተይ ወሳኒ እዩ ነይሩ። ኣደይ ወትሩ ኻብ ጥቓይ ኣይተፈልየትን። ክዛረብ እንተ ደልየ፡ ክትሰምዓኒ ድልውቲ እያ ነይራ። ኣቦይ እውን ኣቕሲኑኒ እዩ፣ ብናተይ ስጕሚ ናብ ንቡር ክምለስ እውን ሓጊዙኒ እዩ” ትብል።

ብጸሎት ጽናዕ።

ካርመን፡ “ብቐጻሊ እጽሊ ነይረ። ኣምላኽ ጥቓይ ኰይኑ ይሰምዓንን ይሕግዘንን ከም ዝነበረ ተሰሚዑኒ እዩ። ኣብቲ ሕማቕ ግዜ፡ ንኣምላኽ ብዝያዳ ቐሪበዮ እየ” ትብል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ