እቲ ግዜ ሕጂ ኢዩ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንቶስ እታ ካልኣይቲ መልእኽቱ ክጽሕፈሎም ከሎ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቶም ብፍታው ሰናይ ናይ ረዲኤት ግብሪ ክገብሩሎም ከም ዝሓለኑ ኣዘኻኸሮም። ይኹን እምበር ነቲ ዝጀመርዎ ዕዮ ከይወድእዎ ሓደ ዓመት ሓለፈ። ስለዚ “ከምቲ ክትቅበልዎ ከለኹም ዝነበረኩም ምህንጣይ ጌርኩም ነቲ ዝመደብኩምዎ ንምፍጻም ቀጽሉ ወድእዎ ድማ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—2 ቈረ. 8:11 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል።
2 ኣብ ዝሓለፈ ይኹን ሕጂ: ኵላትና ንገዛእ ርእስና ሸቶታት ኣውጺእና ኢና። ኣብ ግራት ኣገልግሎት እጃምና ከነዛይድ: ነሕዋትና ጽቡቕ ጌርና ክንፈልጦም: ንፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ክንበቅዕ ወይ ድማ ገለ ድኻም ከነሸንፍ ወሲንና ንኸውን። ብሰናይ ሕልና እኳ ጀሚርናዮ እንተኾና: ነቲ ሸቶና ክንበጽሖ ናብ መፈጸምታኡ ገጽና ኣይደፋእናን ንኸውን። ኣብ ግብሪ ከየውዓልናዮ ሰሙናት: ኣዋርሕ ምናልባትውን ዓመታት ከይተፈለጠና ይሓልፍ ይኸውን። ዝጀመርናዮ ምእንቲ ክንፍጽም ነቲ “ቀጽሉ ውድእዎ ድማ” ዝብል ምዕዶ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎዶ ከድልየና ኢዩ?
3 ኣብ ሸቶና ምብጻሕ:- ብሕታዊ ሸቶ ምግባር ቀሊል ኢዩ: ነቲ ሸቶ ምፍጻም ግና ከቢድ ኢዩ። ምዕንይናይ ንዝኾነ ይኹን ምዕባለ ከተዓናቕፎ ይኽእል ኢዩ። ነእምሮና ከነዳልዎ ከድልየና ኢዩ: ብድሕሪኡ ከይደንጐና ስጕምቲ ክንወስድ ቆራጻት ንኹን። ብሕታዊ ኣሰራርዓ ዕዮ ኣድላዪ ኢዩ። ነቲ ዕዮ ንኽፍጸም ዘድልዮ ግዜ ክትፈልን እቲ ግዜ ድማ ኣብቲ ዝተመደበሉ መዓላ ከም ዝወዓለ ምርግጋጽን ኣገዳሲ ኢዩ። ሓጹር ግዜ ክትገብርን: ኣብቲ ዝመደብካዮ ግዜ ክትውድእ ድማ ገዛእ ርእስኻ ከተለማምድን ጸቡቕ ሓሳብ ኢዩ።
4 ግዜ ብምስኣን ነቲ ሸቶና ክንፍጽሞ ምስ ዝጸበና ‘ድሓር ክገብሮ ኢየ’ ኢልና ከነመኽኒ ቀሊል ኢዩ። ኣብ ዝመጽእ እንታይ ከም ዝኸውን ግን ኣይንፈልጥን ኢና። ምሳሌ 27:1 ከምዚ ይብል:- “መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ብጽባሕ ኣይትመካሕ።” ወደ መዝሙር ያእቆብ ብዛዕባ ዝመጽእ ኣዚና ከይንምካሕ የጠንቅቐና: ከመይሲ “ጽባሕ [ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ትሓዓ ] ኣይትፈልጡን ኢኹም። . . . እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ: ንእኡ ሓጥያት ይኾኖ እዩ።”—ያእ. 4:13–17
5 ኣዝዩ ብዙሕ መዘንበሊታትን ካልኦት ክንገብሮም ዝሓቱና ነገራት ምህላዎምን: ሸቶና ብቐሊሉ ክጽልምት ይኽእል ኢዩ። ሸቶኻ እናተሓደሰ ኣብ ኣእምሮኻ ክትዕቅቦ ጻዕሪ የድሊ ኢዩ። ነቲ ጉዳይ ኣብ ጸሎትና ክንሕዞ ሓጋዚ ኢዩ። ንኻልኦት ዝቐርቡና ከዘክሩናን ከተባብዑናን ምሕታት ፍልልይ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዓወደ–ኣዋርሕና ምልክት ምግባር ምዕብልናና ንኽንምርምር ከም መዘኻኸሪ ከገልግለና ኢዩ። ሓደ ሰብ ‘ከምቲ ልቡ ዝሓለኖ ክገብር’ ኣእምሮኡ ከዳልዎ ኣለዎ።—2 ቈረ. 9:7
6 ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሸቶና ከነቕልብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ትህብ ኢያ። ቅድሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት: ከነበርክት ኢና። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምስ ዝህሉ ምዝገባ ናይዘን ክልተ መጽሔታት ክብርከት ይከኣል ኢዩ። ክንበጽሖ እንኽእል ሚዛናዊ ሸቶ ከነውጽእ ምኸኣልናዶ? ምዕዳል መጽሔታትና ከነዕብዮ ምፍታንከ? ብዙሕ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብርን ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምርን ምውሳን ንብዙሓት ሚዛናዊ ሸቶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
7 እዛ “ዓለም ትሐልፍ” ሰለ ዝኾነት: ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ምድንጓይ ጥበባዊ ኣይኮነን። (1 ዮሃ. 2:17) ሎሚ ንዓና: ፍልይ ዝበሉ መሰላትን በረኸታትን ኣብ ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ተቐሪቦምልና ኣለው። ካብኦም ክንጥቀም ኣባና እተጸግዐ ኢዩ።