እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ይገለጽ
1 ኣብ ኵሉ ከተማታትን ዓድታትን ከም ድላይካ ምኻድ ናጻ ካብ ዝኸውን እንሆ ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። እቲ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ዝተፈጸመ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:9 ዘሎ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት የዘኻኽረና:- “ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓቢ ደገ ተኸፊቱ ኣሎ። . . . ተጻረርቲ ግና ብዙሓት እዮም። [ትሓዓ ]” ናይ የሆዋ ዕዮ ብሓቂ ኣዝዩ ይጎዪ ኣሎ (2 ተሰ. 3:1): ተጻረርቲ ከኣ ጠጠው ከብልዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ከም ዓቕምና ተወሳኺ መንፈሳዊ መግቢ እናረኸብና ኢና: እቲ ዕዮ ክሳዕ እቲ ጫፍ ናይ ግራትና ይበጽሕ ኣሎ: ሽማግለታትን ድያቆናትን ተወሳኺ ልምምድ ተዋሂቦም: ሓደስቲ ከምኡውን ዛሕቲሎም ዝነበሩ እሞ ዝተነቓቕሑ ንየሆዋ ብሓቂ ኣብ ምግልጋሉ ሓቢሮም ኣለዉ። ብዘይጥርጥር በዞም ምዕባለታት እዚኣቶም ኵላትና ኣዚና ተሓጒስና ኢና: መማሰውቲ ምዃንና እናርኣና ክንቅጽል ድማ ኢና እንደሊ።—ቈሎ. 3:15
2 እዘን ዝሓለፋ ዓመታት ምስቲ እተመዘዘ ክፍሊ ናይቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባሪያን’ ዓለም–ለኻዊ ሕብረት ናይ ኣሕዋትናን ዝያዳ ጠቢቕና ክንሓብር ኣጋጣሚ ሂበናና ኢየን። (ማቴ. 24:45-47፣ 1 ጴጥ. 2:17፣ 1 ቈረ. 1:10) ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እተዋሃሃደ ኣካል ‘[ብኹሉ ነገር ትሓዓ ] ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ክንዓብን’ ወሰኽና ኣብ ኵሉ ክግለጽን እውን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣሎና። (ኤፌ. 4:15, 16፣ 1 ጢሞ. 4:15, 16) ብዙሓት ኣብ ማእከልና ዝርከቡ: ኣብ ጽንኩር ኩነታት ተኣማንነት ዘርኣዩ እሙናት: ምትዕርራይ ክገብሩን ሓድሽ ነገር ክመሃሩን ብዝያዳ ክውስኹን ነቲ ብድሆ ተዋጺኦምሉ ኢዮም። ሓደስቲውን እንተኾኑ ናብ ብስለት (እብ. 6:1) ክበጽሑ ኣድላዪ ኰይኑ ተራእይዎምሲ ወሰኽ ኣርእዮም ኢዮም።
3 ንስኻኸ ከም ውልቀ ሰብ መጠን ኣብ መንፈሳዊ ወሰኽ ከመይ ትኸይድ ኣሎኻ? ብመንፈስ ናይቲ ኣብ ገላትያ 6:4 ‘ግብሪ ርእስኻ ምምርማር’ ዝብል ጌርካ ብዛዕባ ወሰኽ ገለ ነጥብታት ምምርማርከ? ንኹሉ ሓሙሽቲኡ ሰሙናዊ ኣኼባታት ትምህርቲ መጽሓፍውን ሓዊስካ ናይ ምክፋል ጽቡቕ ልማድ ኣሎካዶ? እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ መግለጺ ናይ መመስገኒ ምዃንን ናይ ምውሳኽ ፍቓደኛነትን ኢዩ ዘርኢ! እዚ ምስ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ምድላውን ዝተታሓሓዘ ኢዩ። ንመጽሔታትናስ ካብ ገበር ናብ ገበር ተንብቦምዶ ኢኻ? ኣብቲ ዕሙቕ ዝበለ ሓሳባት ወይ ድማ ንዓኻ ሓድሽ ዝኾነ እሞ ኣዋዓዕልኡ ኸኣ ምስትብሃል ዘድልዮ ነገራት ወይ ነጥብታት እንተኾይኑ ከተስተንትን ኢልካስ ደው ትብልዶ ኢኻ? ንኣኼባታት ትዳሎዶ ኢኻ? ነቶም ጽሑፋትካኸ ተስምረሎምዶ ኢኻ? እዚኣቶም ናይ ወሰኽ ምልክታት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።
4 ካልእ መዳይ ናይ ወሰኽ ምስ ክርስትያናዊ ሰብነት ዝተታሓሓዘ ኢዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ: ከምቲ ኣብ ናይ መጋቢት 1994 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዘሎ: ብዛዕባ ጠቕላላዊ ጽሬት ናይ ገዛና: ክዳውንትናን ኣካላትናን ዝምልከት መዘኻኸሪታትን ሓሳባትን ተዋሂቦምና ኢዮም። ነቲ ቅዱስ ሰማያዊ ኣቦና ስለ እንውክልን ካብ ናይ ጎረባብትና ዝልዕል ደረጃ ክህልወና ስለ እንደልን: ኣድላይነት ናይ ስርዓታዊ ዝኾነ ኣካላትካ ምሕጻብ: ናይ ክዳውንቲ ምሕጻብ መደብ: ጽፈት ዘለዎ ምድላው ምግብን ምሉእ ናይ ገዛ ጽሬትን ኣተኵሮ ተገይሩሉ ነይሩ ኢዩ። (1 ጴጥ. 1:16) ካብኡ ንደሓርሲ ለውጢ ጌርኩምዶ: ነቲ ደረጃኹምከ ናብቲ ዝድለ ኣብጺሕኩምዎዶ ኣሎኹም? ካልእ ጻዕሪ ዝሓትት መዳይ ናይቲ ሓድሽ ሰብነት ትሕትና ኢዩ። (ፊሊ. 2:3) ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ጌግኦም ክእመኑ ወይ ድማ ይቕሬታ ክሓቱ ይኸብዶምን ንገዛእ ርእሶም ድማ ብትዕቢት ናይ ሃብቲ: ትምህርቲ: ክእለታት ወይውን ናይ ዓሌት መቦቆል እኳ እንተኣዕወርዋ: የሆዋስ በቶም ትሑታት ኢዩ ደስ ዝብሎ። (መዝ. 138:6) ንትሕትናስ ኣቓልቦ ሂብካያዶ ኣሎኻ? ኣብዚ መዳይ እዝን ንጽሬት ኣብ ዝምልከት ጉዳይን ወሰኽ ምግባር ብብዙሕ መገድታት ንጽቡቕና ክኸውን ኢዩ።
5 ኣብ ግራት ኣገልግሎት ወሰኽካ ብኸመይ ክግለጽ ጸኒሑ? ዝኾነ ዝረኸብካዮ መጽሔት: ናይ እንግሊዝኛ ይኹን ኣምሓርኛ ንምዕዳል ቅሩብ ዲኻ? ካብቲ ዘሎካ ናይ ትግርኛኸ ትዕድልዶ? እንተወሓደ ንኣዝዩ ዝግደስ ወይ ጽንዓት እትገብረሉ ሰብ ትዕድልዶ? ናይ መጽሔትናን ጽሑፍናን ዕደላ ብርግጽ ክመሓየሽ ይኽእል ኢዩ! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሕኸ ስርዓታዊ ዝኾነ ናይ ቤተ–ቤት ዕዮ ትገብርዶ ኢኻ? አረ ገሊኦምሲ ናይ ካብ ድኳን ናብ ድኳንን ካብ ቤት ጽሕፈት ናብ ቤት ጽሕፈትን ዝግበር ዕዮ ብጽቡቕ ዓወት ዓዮምሉ ኢዮም! ናይ መገዲ ዕዮ ክትገብር ከሎኻ ብዙሕ ጠጠው ከይበልካ ወይ ከየቋረጽካ ንሰባት ክትቀርቦምሲ ግዜዶ ትዕድግ ኢኻ? ኵሎም እዞም ነጥብታት እዚኣቶም ለውጥታት ክበሃሉ ይኽእሉ ኢዮም: ይኹን እምበር ወሰኽ ኣርኢኻ ከም ዘሎኻ ኢዮም ዘርእዩ።
6 ኣብ ዕዮ ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስንውን ምዕባለ ክረአ ይከኣል ኢዩ። ንስኻ ብዙሕ ኣብ ክንዲ እትዛረብሲ ነቲ ተማሃራይ ዝትንክፎን ከም ዝሓስብ ዝገብሮን ሕቶታት ተጠቒምካዶ ነቲ ጽቡቕ ናይ ኣማሃህራ ኣገባባት ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ኣሎኻ? ኣብ ተማላሊስካ ምብጻሕ ሕቶታት ክትምልስን ነቲ ምብጻሕ ናብ ጽንዓት ክትቅይሮንሲ ትራክትታት: ብሮሹራት ወይ ድማ መጽሓፍዶ ትጥቀም ኢኻ? ጽንዓት ክትጅምር ከሎኻ ብትራክትታት ፈቲንካ ትፈልጥዶ ወይስ ነቲ በዓል ቤት ካብታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ በቲ ናይ ኣርእስቲ መውጽኢ ክመርጽ ኢኻ እትድግፎ? ጽንዓት ብጽቡቕ ምስ ተጀመረኸ: ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ጽንዓት: ነታ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ እትገልጽ ብሮሹር ንቑሩብ ደቓይቕ ትጥቀመላዶ ኢኻ? ብዙሕ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ንኽእል ኢና: ብዙሓት ኣብዚ መዳይ እዚ ወሰኽ ክገብሩ ድማ ተስፋ ኣሎና።
7 ልክዕ ኢዩ ዋላ ሓደኳ ፍጹም የለን: ይኹን እምበር ካባና ሓደ እውን ይኹን ኣብቲ ዘለዎ ጠጠው ብምባል ክዓግብ የብሉን። ምዕቡላት ኰይንና ወሰኽና ከም ዝግለጽ ክንገብር: ጸሎት ብዝመልኦ መገዲ ንዕየ። እዚ ንሓጐስና ዘዕብዮ ጥራይ ዘይኮነስ: ነቲ ምእንቲ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ከነመስግኖ ዝግበኣና የሆዋ ክብሪ ብምሃብ ንብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ዝኾኑ ሰባት ዝጠቅምውን ኢዩ።