ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/95 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ጥሪ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 2 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 9 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 16 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 23 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 30 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 1/95 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ጥሪ

2 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 83

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝሰማማዕ ምልክታታትን።

22 ደቒቕ:- “እታ ጉባኤ ብኸመይ ከም እትመሓደርን እትግዛእን”​—⁠ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] ምዕራፍ 4 ብሕቶን መልስን። ነታ ቲኦክራቲካዊት ማሕበር ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ምቕዳማ ማለት ከም ዘይኰነ ኣርእን ኣብርሃዮን።

13 ደቒቕ:- “ናይ ቀደም መጽሓፍትና ብጽቡቕ ንጠቐመሎም።” ምስ ተኣከብቲ ተመያየጠሎም። እንታይ ናይ ቀደም ጽሑፋት ከም ዘለዉ ነታ ጉባኤ ኣፍልጣ፣ ንኣገልግሎት ዝጥቀምሉ ቅድሓት ክወስዱ ኣተባብዓዮም። በቶም ቀሪቦም ዘለዉ መእተዊታት ሓደ ወይ ክልተ ተዋስኦ ኣዳሉ።

መዝሙር 188 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

9 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 183

7 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

25 ደቒቕ:- “ነተን መጓሰ ዝጓስዩ ተዓዘብቲ”​—⁠ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ካብ ኣገልግሎትና ገጽ 28–30 ከምኡውን 39–41 (ላዕሊ) ጽሟቕ ሓሳባት የቕርብ። ብድሕሪኡ ምስ ሓደ እናሰጐመ ዝኸይድ ዘሎ ድያቆን ነቲ ኣብ ገጽ 30–39 (ላዕሊ) ዘሎ ናይ ሓደ ሽማግለ ብቕዓታት: ምስቶም ንናብራ ስድራቤት ዘድልዩ ጠለባት ምስምማዕ: መስተውዓሊ ምዃንን ናይ ኣማሃህራ ክእለትን ይመያየጠሎም።

13 ደቒቕ:- እምነት ዝብድህ ሕክምናዊ ኵነታት ክትጋጠም ተዳሊኻዶ ኣሎኻ? ኣሕዋትና ነቲ ናይ ቅድመ ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ከምኡውን ናይ መንነት ወረቐት ዝህበና ዑቕባ ቁም ነገሩ ምእንቲ ከማስዉሉ ዕቱብ ግን ዘለዓዕል ዝርርብ ብሓደ ክኢላ ሽማግለ ይወሃብ። እቶም ነዚ ዑቕባ እዚ ክረኽቡ ዝበቕዑን ዝደልይዎን ነቲ ካርድ ብምምላእ ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ጥሪ ፕሮግራም ድገሞ። ንዝያዳ ሓበሬታ ነታ ናይ ጥሪ 1994 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 2 ኣብ ትሕቲ “10 ጥሪ እትጅምር ሰሙን” ርአ።

መዝሙር 198 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

16 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 182

7 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ሓደስቲ መጽሔታት ናይ መዘራረቢ ነጥብታት ተመያየጥ። ኣብ ሃገራዊ በዓልን ኣብዚ ቀዳመ–ሰንበት እዝን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈሉ ኣተባብዓዮም።

10 ደቒቕ:- “ንኻልኦት ሓልዮት ኣርኢ​—⁠ክፍሊ 1።” ሕቶን መልስን። ሽማግለታት ነቲ ናይ ኣኼባ ቦታታት ብጽቡቕ ኵነታት ኣብ ምሓዝ ሓቢሮም ክሰርሑ ኣድላዪ ምዃኑ መዘኻኸሪ ወስኸሉ።​—⁠ነታ ናይ ሕዳር 1984 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 4 ርአ። ምስቲ ናይ ከባቢ ኵነታትን ኣድላይነትን ኣሰማምዓዮ።

13 ደቒቕ:- “ኣብ ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ ዘሎና ሓላፍነት።” ናይ ሕቶን መልስን ምይይጥ።

15 ደቒቕ:- “ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ከም እትግደስ ኣርኢ።” ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ ዕላማን ኣገዳስነትን ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ይመያየጡ። ሸቶ ናይ ጽንዓት ምጅማር ኣጋንን። ነቶም እተዋህቡ ኣቀራርባታት ርእይቶ ሃበሎም። ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ ዘለውዎ ናእዳን ርእይቶታትን ዝህብ ሓደ ወይ ክልተ ተዋስኦታት ኣዳሉ።

መዝሙር 196 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

23 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 161

5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።

25 ደቒቕ:- “ፍቕራዊ ሓልዮት”​—⁠ካብ ኣገልግሎትና ብዛዕባ ግደ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሒ (ገጽ 43-5) ከምኡውን ናይ ገያሺ ተዓዛቢ (ገጽ 47-52) ከምኡውን ናይ መዕጸዊ ዓንቀጽ ኣብ ገጽ 54 ዘሎ ገይርካ ተመያየጥ።

15 ደቒቕ:- “ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ​—⁠ኣገዳሲ ጉዳይ።” ሕቶን መልስን። ካብታ ናይ 15 ሰነ 1985 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8–13 እተመርጸ ሓሳባት ወስኽ።

መዝሙር 116 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

30 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 141

6 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ቲኦክራቲካዊ ዜና።

10 ደቒቕ:- “ቲኦክራቲካዊ ቤተ–መጽሓፍቲ ብኸመይ ከም እተመሓድር።” ኣብታ ናይ 1 ሕዳር 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28–31 እተመስረተ ዝርርብ።

17 ደቒቕ:- “ኵሉ ግዜ ዕዙዝ ምዃን።” ሕቶን መልስን። ብስራሕ ትሑዛት ምስ ዝኾኑ ንኣብነት ሽማግለ: ገዛ እትኣሊ ብዓልቲ ሓዳር ወይ ፓይነር ክልተ ወይ ሰለስተ ሓጸርቲ ቃለ መጠይቕ ኣዳሉ፣ ብኸመይ ምሉእ መደብ ዓቂቦም ገና ድማ ሓጐሶም ሒዞም ክመላለሱ ከም ዝኸኣሉ ክገልጹ ሕተቶም።

12 ደቒቕ:- ኣብ ወርሒ ለካቲት ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] ኣበርክታ። እቲ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ሓበሬታ ክህልዎም ስለምንታይ ኣድላዪ ምዃኑ ግለጽ። (ነታ ናይ 1 ሚያዝያ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25–6 ቍጽሪ 17, 18 ርአ።) ኣሕጽር ኣቢልካ ነቲ በቶም ቅኑዓት ዝኾኑ ዘንበብዋ እተራእየ ሞሳ ዘርኢ ተሞክሮ ንገር። (ነተን ናይ 1 መስከረም 1989 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ከምኡውን 1 ታሕሳስ 1991 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ርአ።) ምስቶም መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ዝገደፍናሎም ተገደስቲ ብኸመይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመር ከም ዝከኣል ገለ ሓሳባት ሃብ። ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ከመይ ጌርካ ከም እተቕርባ ሕጽር ዝበለ ተዋስኦ የርኢ።

መዝሙር 199 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ