ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻሜ
1 የሱስ ብመምርሒ ናይ ኣቦኡ: ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሓና ሓቂ ንኽምስክር ኢሉ ኢዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ። (ዮሃ. 18:37) ክሳዕ ሞት እሙን ምኽዋኑ ንየሆዋ ክብሪ ኣምጺኡሉ: ንስም ኣምላኽ ቀዲሱ ከምኡውን በጅነት ሂቡ ኢዩ። (ዮሃ. 17:4, 6) እዚ እዩ ንናይ የሱስ ሞት ኣብ ኵሉ ታሪኽ ወድሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻሜ ዝገብሮ።
2 ኣዳም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ: ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክልተ ፍጹማት ሰባት ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ኣዳም ነቶም ዘይተወልዱ ደቁ ዘደንቕ በረኸታት ከምጽኣሎም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን: ብስስዐ ብምዕላዉ ብሞት ዝውድእ ዘሰቅቕ ህይወት ንኸሕልፉ ኰኒኑዎም ኢዩ። የሱስ ምስ መጸ ፍጹም ዝኾነ ተኣዛዝነት ብምርኣይ ንኹሎም እምነት ዘርእዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጋጣሚ ከፊቱሎም ኢዩ።—ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 5:12
3 ንናይ የሱስ መስዋእታዊ ሞት ክወዳደር ዝኽእል ካልእ ፍጻሜ የለን። ንታሪኽ ናይ ወድሰብ ለዊጥዎ ኢዩ። ንቢልዮናት ሰባት ካብ ሞት ንኽትንስኡ መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ። ንእከይ መወዳእታ እትገብረሉን ንምድሪ ድማ ገነት እትገብርን ዘለኣለማዊት መንግስቲ ክትህሉ መሰረት ኣንጺፉ ኢዩ። ንኹሉ ዓሌት ሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን ጭቆናን ባርነትን ፈጺማ ሓራ ክትገብሮም ኢያ።—መዝ. 37:11፣ ግብ. 24:15፣ ሮሜ 8:21, 22
4 እዚ ኹሉ ስለምንታይ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ሞቱ ዝኽሪ ከብዕሉ ከም ዝኣዘዞም ክንርድኦ ይሕግዘና። (ሉቃ. 22:19) ነቲ ቁም ነገሩ ብምምሳው ዓርቢ 14 ሚያዝያ ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ ምስ ጉባኤታት ናይቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንእከብ ብተስፋ ንጽበ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ግን ነቲ ናይ የሱስ መወዳእታ መዓልትታትን ንሓቂ ዝነበሮ ተባዕ ኣቋሙን ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከም ስድራቤት ኴንካ ምንባቡ ጽቡቕ ኢዩ። (እቶም ዝንበቡ ምዕራፋት ኣብ ናይ 1995 ዓውደ ኣዋርሕ ሚያዝያ 9-14 ተመዝጊቦም ኣለዉ።) ኣብ ፈጣሪና ተወፋይነት ከነርኢ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:21) ንኣዕሩኽናን ስድራቤትናን ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ዝማሃሩን ካልኦት ዝግደሱ ሰባትን ናብዚ ኣገዳሲ ኣኼባ ክንዕድሞም እቲ ዝከኣለና ንግበር። ኣቐዲምካ እንታይ ከም ዝግበር ከምኡውን ትርጕም ናይቲ ምሳሊያዊ ቅጫን ወይንን ግለጸሎም—1 ቈረ. 11:23-26
5 እቶም ብሽማግለታት እቲ መንግስቲ ኣደራሽ ጽፉፍን ጽሩይን ምእንቲ ክኸውን ኣቐዲሞም መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝቐርብ ኣቐዲሙ ክምዘዝ ኣለዎ። እቲ ምዛር ናይቲ ቅጫን ወይንን ብጽቡቕ እተመሓደረ ክኸውን ኣለዎ። ንድራር ጐይታ ብኸመይ ክብሪ ከም እንህብ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19 ሓጋዚ ሓሳባት ተዋሂቡ ኣሎ። ቅድሚ እቲ በዓል ገለ መዓልትታትን ብድሕሪኡ ድማ ቅሩብ መዓልትታት ስፍሕ ዝበለ ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈታት ምድላው ክግበር ጽቡቕ ኢዩ።
6 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ንኸብዕሉ ኣብ ብዘላ ዓለም ብጠቕላላ 12,288,917 ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ ዓውደ ኣዋርሕና ኣዝያ ኣገዳሲት መዓልቲ ስለ ዝኾነት: ኵልና ክንርከብ ይግበኣና።