ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/95 ገጽ 4
  • ብኸመይ ምመለስካ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ምመለስካ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 3/95 ገጽ 4

ብኸመይ ምመለስካ፧

 1 ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ “ብስራት” ክሰምዖ ንደሊ እኳ እንተኾንና: ኵሉ ግን ኣይኰነን ክሰምዕ ድሌት ዘለዎ: ንሕናውን ክንግድዶም ኣይንፍትንን ኢና። ይኹን እምበር ነዞም መቋረጽቲ ዝርርብ ክኾኑ ዝኽእሉ: ብምስትውዓል ምስ ዝያዳ ምኽንያታውያን ሰባት ተራኺቦም ዝያዳ ምይይጥ ከም ዝገብሩ ክንገብሮም ንኽእል ኢና። ዝበዝሕ ግዜ እቲ ሰባት ዝጥቀምሉ መቋረጺ ዝርርብ በቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ክጥቀምሉ እተነግሮም ኢዩ። ብልእመት ግን ዝበዝሕ ግዜ አቓልብኦም ናብቲ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝብሎ ከነቕንዖ ንኽእል ኢና።​—⁠ምሳ. 25:15፣ 1 ጴጥ. 3:⁠15

 2 ዝበዝሕ ግዜ ሰባት “ናተይ ሃይማኖት ኣሎኒ” ይብሉ።

◼ ሓደ መልሲ ክትህበሉ እትኽእል መገዲ:- “ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝመጸ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳኔ ክገብር ከም ዘለዎ እሰማማዕ ኢየ: ስለዚ ክግድድ ኣይደልን። ይኹን እምበር ኣምላኽ ናቱ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ክኾኑ ፍሉያት ዓይነት ሰባት ይደሊ ከም ዘሎ ትፈልጥዶ ኢኻ፧ ኣብ ዮሃንስ 4:23, 24 የሱስ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ኣስተብህል . . .”

◼ ወይ ከም መልሲ ሕቶ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:- “ሃይማኖትካ እቶም ቕንዕና ዘፍቅሩ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዝነብርሉ ግዜ ከም ዝመጽእ ትምህር ምኽዋና ምነገርካኒዶ፧ . . .​—⁠መዝ. 37:⁠29”

 3 ገሊኦም ቀልጢፎም ኣተኵሮኦም ናብ ማርያም ብምግባር “ንድንግል ማርያም ትኣምናዶ ኢኻ፧” ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም።

◼ ቀሊል መልሲ ከምዚ ክኸውን ይኽእል:- “ገለ ሰብዶ ኣብ ማርያም ኣይኣምኑን ኢዮም ኢሉ ነጊሩካ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ድንግል ከም ዝነበረትን ንየሱስ ከም ዝወለደትን ብንጹር ይዛረብ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ሉቃስ 1:​26-37 ዘሎ ነቲ ናይ ኣምላኽ ልኡኽ ክትሰምዕ ምድላያ ክንማሃር ንኽእል ኢና።”​—⁠ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 254-255 ርአ።

 4 ሓደ ሰብ “ማርያም ንሰማይ ከም ዝኸደት ትኣምንዶ ኢኻ፧” ኢሉ ምስ ዝሓትት:-

◼ ማርያም ሕጂ ከም ኣባል ናይታ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ምህላዋ ንኣምን ኢና: ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኢና ኸኣ ክንዛረብ እንደሊ ዘሎና ኢልካ ብቐሊሉ ክትምልስ ትኽእል ኢኻ።

◼ እቲ ሕቶ ንማርያም ከም መማለዲት ንኣምና ምኽዋናን ዘይምኽዋንናን እንተድኣ ኰይኑ: ከምዚ ኢልካ ክትምልሽ ትኽእል ኢኻ:-

◼  “ብዛዕባ ናይ ምምላድ ዝምልከት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል:- (ዮሃንስ 14:​6, 14) እቲ ዝግብኣ ኵሉ ክብሪ ንማርያም እናሃብና ነዚ ክንክተሎ ኣይግበኣናንዶ ይመስለካ፧”

 5 ገሊኦም “ቤተ-ክርስትያንኩም ኣበይ ኢዩ” ኢሎም ይሓቱ።

◼ ክንምልስ ከሎና ከምዚ ክንብል ንኽእል ኢና:- “ንናይ ወድሰብ ሽግር መፍትሒ መንግስቲ ኣምላኽ ምኽዋና ንምግናን ነቲ ናይ ኣኼባ ቦታታት መንግስቲ ኣዳራሽ ኢልና ንጽውዖ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር መንግስቲ ኣዳራሻት ኣሎና። ኣብ ገለ ከባቢታት ብሰንኪ እቲ ብኻልኦት ቤተ-ክርስትያናት ዘጋጥመና ምጽራር ከምቶም ቀዳሞት ሃዋርያት ንግዜኡ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ክንእከብ ተገዲድና ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣኼባታት ክካፈል ናብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብምኻዱ ኣይትነጽጎን ኢኻ። ይኹን እምበር ተወሳኺ ኣደራሻት ንሃንጽ ኢና ዘሎና።”

◼ ኣድራሻ ናይቲ ኣብቲ ዋና ከተማ ዘሎ ኣደራሽ መንግስቲ ብምሃብውን ምይይጥካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

 6 ሰባት ስለምንታይ ጽሑፋትና ከየኽፈልና ከም ዘይንዕድሎ እንተድኣ ሓቲቶም:-

◼ ነቲ እነጥፍኦ ግዜ ክፍሊት ከም ዘይንሓቶምን ነቲ ብናጻ እንዕድሎ ትራክትታት ካብ ገንዘብና ከም እንሽፍኖን ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ኣብ መልእኽቲ ናይቲ ትራክት ኣተኵሩ። ሓደ ሰብ መጽሓፍ ብናጻ እንተድኣ ሓቲቱ ነቲ ናይ መሕተሚኡ ወጻኢ ጥራይ ክንሽፍን ከም እንደሊ ጥቐስሉ።

7 ዝበዝሑ ካብዞም መልስታት እዚኣቶም ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ ክትዕን ክርክርን ከይኣቶና ብልእመት ክንምልስ ዝያዳ ክኢላታት ክንከውን ኣብ ንሓድሕድና ንለማመድ።​—⁠2 ጢሞ. 2:⁠24

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ