ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሕዳር:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዕላማ ብምግባር: ንዅሉ እተገብረ ምዕዳል ጽሑፋት ንምክትታሉ ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ታሕሳስ:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥሪ:- ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል ዝዀነ 192 ገጽ ዘለዎ ቅድሚ 1984 እተሓትመ መጽሓፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ንእስነትካ—ብዝበለጸ ተጠቐመሉ (እንግሊዝኛ) ወይ ንናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር ከበርክታ ይኽእላ ኢየን። ኵሎም ኣሕዋት ዝዀነ ናይ ጎድስ ኢተርናል ፐርፐዝ: ኢዝ ዚስ ላይፍ ኦል ዘር ኢዝ፧ ማንስ ሳልቬሽን ዝብላ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ተረፍ ቅዳሓት ዓዲሎም ክውድኡ ነተባብዖም። ለካቲት:- ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ (እንግሊዝኛ) ወይ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ ኢዩ! (እንግሊዝኛ) ከም ኣማራጺ ኸኣ: ኣብ መኽዘን ካብ ዘሎ ዝዀነ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ ተጠቐሙ።
◼ እተን ጌና ዜና ናይታ መንግስቲ ቍጽሪ 34 ዘለወን ጉባኤታት: ኣስፋሕቲ ልክዕ ከምቲ ንኻልእ ትራክትታት እንጥቀመሎም ገይሮም ካብ ቤት ናብ ቤት ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ክዕድልዎ ከተባብዓ ይኽእላ ኢየን። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ: ኣስፋሕቲ ንነፍሲ ወከፍ ናይቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ: ሓላፍ መገዲ ፈጺሙ ከም ዘይርእዮ ብምርግጋጽ ሓንቲ ቅዳሕ ክሓድጉ ይኽእሉ ኢዩም። ኵሉ ዝተረፈ ቅዳሓት ናይዚ ክቡር መልእኽቲ እዚ ንምዕዳል ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ።
◼ ሓድሓደ ግዜ: ክልተ ሓደ ዓይነት ናይ መጽሔት መመዝገቢ ወረቓቕቲ ንቕበል ኢና። ምድንጋር ንምእላይ: ክልተ እተፈላለየ ናይ መጽሔታት ምዝገባ ብሓደ ዓይነት ቋንቋን ሓደ ዓይነት መጽሔትን ዝደሊ ዝዀነ ሰብ: ክልተ እተፈላለየ ኣስማት ክጥቀም ነዘኻኽር።
◼ ኣብ መኽዘን ዘለዉ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ኣምሓርኛ:- መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት (ንእሽቶ ሕታም): መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት: ኣምላኽ ካባኻ ዝደልዮ እንታይ ኢዩ፧ እንግሊዝኛ:- ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት: ኣምላኽ ካባኻ ዝደልዮ እንታይ ኢዩ፧ ቋንቋ ፈረንሳይ:- ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት: ኣምላኽ ካባኻ ዝደልዮ እንታይ ኢዩ፧ ትግርኛ:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (ንእሽቶ ሕታም): ኣምላኽ ብዛዕባና ይግደስዶ ኢዩ፧