ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
1 ናይቲ ኣብ ገለ ቦታታት ኣብ ጥሪ ዝጅምር ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ቀንዲ ኣርእስቲ “ብየሆዋ እተማህሩ ሰባት ኵኑ:” ዝብል ኢዩ። (ዮሃ. 6:45) ካብ የሆዋ ዝርከብ መለኮታዊ ትምህርቲ: ዘዕግብ ህይወት ንኽንነብር ብሓቂ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብ ውሽጥና ነቲ መንፈሳዊ ውርሻና ዓሚቝ ሞሳ የዕብየልና። እቲ ኻልኦት ብስራት ምእንቲ ክሰምዑ እንገብሮ ጻዕርታት ጠቐምቲ ኣባላት ናይ ሕብረተሰብ ይገብረና። እዚ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ እዚ ነቲ ብየሆዋ እተማህሩ ሰባት ዘስተማቕርዎ በረኸታት ከጕልሕ ኢዩ።
2 እቲ ፕሮግራም: ንጥቕምታት ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ምስ ሓደጋታት ናይ ዓለማዊ ትምህርቲ ከወዳድር ኢዩ። የሆዋ ዝለዓለ ዓይነት ትምህርቲ—ኣብቲ ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ—ከመይ ገይሩ ከም ዝህብ ዝያዳ ግልጺ ብዝዀነ መገዲ ክንርእዮ ኢና። ብኣምላኽ እተማሃርና ብምዃንና ሓጐስ እንረኽበሎም ሰለስተ ናይ ኣምልኾ ዓውድታት ድማ: ክጐልሕ ኢዩ። ብተወሳኺ: መንእሰያት ነቶም ከም ዳዊትን ጢሞቴዎስን ዝኣመሰሉ ሓለፍ ዝበሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ክመስልዎም: ከምኡውን ህይወቶም ኣብ ዙርያ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክሃንጽዋ ክተባብዑ ኢዮም። ተኣማንነት ናይቶም ዓበይቲ ምስ ጐልሐ እውን: እምነትና ክትድልድል ኢያ። ብቑዓት ዝዀኑ ህይወቶም ዝወፈዩ ሓደስቲ ክጥመቑ ኢዮም። ቅድሚ እቲ መዓልቲ ኣሰምብሊ: ነቲ ኣቦ-መንበር ተዓዛቢ ክጥመቑ ከም ዝደልዩ ከፍልጥዎ ይግብኦም።
3 እቲ ቀንዲ ዝርርብ ናይቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ “ፍቓዱ ንምፍጻም ብየሆዋ እተማህሩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኢዩ። ኵላትና ብቐጻሊ ክንማሃር: ኣብ እምነት ክንጸንዕ: ከምኡውን ዕብየት ምግባር ክንቅጽል ዝድልየሉ ምኽንያታት ከኣ ክጐልሕ ኢዩ። ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት እትመርሕ ሓቂ ንኻልኦት ብምምሃር: ንየሆዋ ክንመስሎ ክንተባባዕ ኢና። ናይ ማሕበር ጽሑፋት ብዙሓት ካብ የሆዋ እተማህሩ ንኽዀኑ ብኸመይ ከም ዝሓገዙ ዘርእዩ ሃነጽቲ ተመክሮታት ክህልዉ ኢዮም። እቲ ናይ የሆዋ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዝረኸቦ ኣወንታዊ ኣሳልጦውን ክጐልሕ ኢዩ።
4 ንኽትካፈል ውሱን መደብ ግበር። ንዅሎም ዝግደሱ ኸኣ ክመጹ ኣተባብዓዮም። በቲ ዓቢ መምህርና ብዙሕ ሰናይ ነገራት እተማሃርካ ንኽትከውን ሃንቀው በል።—ኢሳ. 30:20