ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/99 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንለካቲት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንለካቲት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 1 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  •  8 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 15 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 22 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 2/99 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንለካቲት

1 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 154

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ናይ ጥሪ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም።

17 ደቒቕ:- “እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት ምዕዳል።” ሓደ ሽማግለ ነታ ዓንቀጽ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ይመያየጠላ። ካልኦት ሰባት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ምኽርታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምስዓብ እተመርኰሰ ምዃኑ ንኸስተውዕሉ ኣብ ምሕጋዞም ኣተኵር። (ሓጐስ ስድራቤት ገጽ 10-12 ርአ።) ሓደ ካብቶም እተዋህቡ ኣቀራርባታት ብመርኣያ ኣቕርብ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር እንታይ ምድላዋት ክግበር ከም ዘለዎ ኣርኢ።

18 ደቒቕ:- “ሓድሽ ሰብ ልበሱ።” ንኤፌሶን 4:⁠20-24 ብምምርማር ዝቐርብ ዝርርብ። (ናይ 1 መጋቢት 1993 ናይ እንግሊዝኛ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 14-18 ቍጽሪ 4-17 ርአ።) ነቲ ኣረጊት ሰብነት ቀንጢጥና ብኸመይ ሓድሽ ሰብነት ከም እንለብስ ግለጽ።

መዝሙር 4ን መዕጸዊ ጸሎትን

 8 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 12

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ቲኦክራሲያዊ ዜና።

13 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘደሊ።

20 ደቒቕ:- “እቲ ዓቢ ፈጣሪና ብዛዕባና ይሓሊ ኢዩ!” ሕቶን መልስን። እታ ፈጣሪ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍን እታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹርን (ክፍሊ 3) ነቶም ኣምላኽ ምህላዉ ዝጠራጠሩ ወይ ህላወ ኣምላኽ ዝኽሕዱ ሰባት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክንጥቀመለን ከም እንኽእል ግለጽ። ሽሕኳ እታ መጽሓፍ ጽንዓት ንኽንመርሓላ ተባሂላ እንተ ዘይተዳለወት: ሰባት ኵሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ንኽምርምሩ ንምትብባዕ ኣስላጢት መሳርሒት ኢያ። (ኣብታ ፈጣሪ እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 189-91 ወይ ኣምላኽ ይግደስዶ ኢዩ፧ ኣብ እትብሃል ብሮሹር ክፍሊ 4 ርአ።) ነቶም ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እታ ጽሕፍቲ ዘለዎም ብሕታዊ ስምዒታትን ንኻልኦት ክዕድልዋ ከለዉ ዘጋጠሞም ተመክሮታትን ክነግሩ ዓድሞም።

መዝሙር 173ን መዕጸዊ ጸሎትን

15 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 40

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነታ “ገዛእ ርእስኻ ናብ ምንባብን ምጽሓፍን ወፊ” እትብል ኣርእስቲ ተመያየጠላ።

18 ደቒቕ:- ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብምምዝጋብና ብኸመይ ንጥቀም፧ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዘቕርቦ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ዕላማ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺእካ ንምዝራብ ምልምማድ ጥራይ ኣይኰነን። ብቐጥታ ጥቕሚ እንረኽበሉ ካልእ መገድታት እውን ኣሎ። (ኣብታ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 12-13 ርአ።) ምስ ካልኦት ሰባት ብዝሓሸ መገዲ ብኸመይ ሓሳብ ከም እንለዋወጥ ንማሃር። ብንጹር: ብህድኣት: ብርእሰ-ተኣማንነት ክንዛረብ ንማሃር። ብዛዕባ እምነትናን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እንገብሮ ውሳነን ዝምልከት ሕቶታት ኣብ ምምላስ ክኢላታት ንኸውን። እቲ ዘሎና ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ይውስኽ: እዚ ኸኣ ንኻልኦት ክንምስክር ከሎና ዝያዳ ኣስለጥቲ ክንከውን ይሕግዘና። ጕድለታትና ክንእመንን ምኽሪ ክንቅበልን ከም ዘሎና ንማሃር ኢና: እዚ ኸኣ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ከም ዝህልወና ዝገብር ኢዩ። ካብቲ ቤት ትምህርቲ እንረኽቦ ሓፈሻዊ ልምምድ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ‘ክእለት’ ዘሎና ኴንና ንምቕጻል ይሕግዘና ኢዩ።​—⁠2 ቈረ. 3:⁠5, 6

17 ደቒቕ:- “ኣባላት ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምግባር ምሉእ ግደ ንኽህልዎም ብኸመይ ከም ዝተሓባበሩ።” ብሓንቲ ስድራቤት ዝግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-15 ከምኡውን ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11-13 ዘሎ ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን ዝገልጽ ሓሳባት ብኸመይ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ከም ዘለዉ ይመያየጡ።

መዝሙር 57ን መዕጸዊ ጸሎትን

22 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 170

 5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:- ዕላማ ዘለዎ ትምህርቲ። ብሓደ ሽማግለ ዝወሃብ። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ኣንቢብካ በቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ገይርካ ተመያየጥ:- 1 ለካቲት 1996 ገጽ 14 ቍጽሪ 21-24 ከምኡውን 1 ታሕሳስ 1996 ገጽ 17-19 ቍጽሪ 9-15።

20 ደቒቕ:- ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብኸመይ ሓጐስ ከም እትረክብ። ኣብታ ናይ 15 ለካቲት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-22 እተመስረተ ዝርርብ።

መዝሙር 91ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ