ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ናይ ቅድም መጻሕፍቲ። ለካቲት:- ኵሉ እቲ ናይ ቀደም ጽሑፋት ተዓዲሉ ምስ ተወድአ መጽሓፍ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ምዕዳል ይከኣል ኢዩ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ሚያዝያ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት። እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ክትዕድላ ምሳኻ ተማላኣያ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከኣ ጻዕሪ ግበር።
◼ ኵሎም እቶም ኣብታ 10 ጥሪ እትጅምር ሰሙን ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝካፈሉ ጥሙቓት ኣስፋሕቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ከምኡውን ንደቆም ዝኸውን ወረቐት መንነት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።
◼ ካብ መጋቢት ጀሚሩ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ናይ ሓቂ ኣርማጌዶን እትመጽእ ስለምንታይን መዓስን ኢያ፧” ዝብል ክኸውን ኢዩ።
◼ ጉባኤታት ነቲ ረቡዕ 19 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ክጅመር ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሕተቱ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ በዓል ዝኽሪ ክትገብር ንምሕጸን። ብዝሕ ዝበላ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝጥቀማ ምስ ዝዀና: ምናልባት ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ነታ ምሸት እቲኣ ካልእ መኣከቢ ቦታ ክደልያ ይኽእላ ኢየን። ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትጥቀሙ: ነቶም በጻሕቲ ሰላም ክትብሉ: ከምኡውን ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ከተታባብዑ ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት ፕሮግራም እንተ ወሓደ ናይ 30 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ ኢዩ። ናይ ትራፊክ ኵነታትን ናይ ማካይን ደው መበልን እውን ክሕሰበሉ ኣለዎ። እቶም ሽማግለታት ነታ ብ27 ሚያዝያ 1998 እተላእከት ደብዳበ ክውከሱን: ኣብቲ ከባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ክውስኑን ይግባእ።
◼ እቲ ናይ 2000 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣብ ሰንበት 16 ሚያዝያ ክኸውን ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ “ንደቅሰብ በጅነት ዘድልየሉ ምኽንያት” ዝብል ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክለኣኽ ኢዩ። እተን ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ሰሙን ክወሃበን ኢዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቅድሚ 16 ሚያዝያ 2000 ክትወስዶ ኣይግባእን ኢዩ።
◼ እቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብቲ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ከም ግዝያዊ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ንዝግበር ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ክካፈሉ ዝደልዩ ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ እንተ ደንጐየ ክሳዕ 20 ጥሪ 2000 ከመልክቱ ኣለዎም። ኣብ A-4 ዝዓቐኑ ወረቐት ነዚ ዝስዕብ ዝርዝራት ጽሒፎም ክልእኹ ኣለዎም:- 1) ስም፣ 2) ዕድመ፣ 3) ዕለት ጥምቀት፣ 4) ንጽል ወይስ በዓል ሓዳር: እትኣልዮም ሰባት ክንደይ ኣለዉ፣ 5) ከተገልግለሉ እትኽእል ኣዋርሕ [መጋቢት-ግንቦት]፣ 6) እትፈልጦ ቋንቋ፣ 7) እቲ ኣመልካቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኰይኑ ይካፈል ድዩ ኣይካፈልን ይተሓበር። እቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ናይቲ ኣመልካቲ ካብ ጥቅምቲ ክሳዕ ታሕሳስ 1999 ዘሎ ገምጋም ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ቅዳሕ ከምኡውን ናይ ምሕጽንታ ደብዳበን ፊርማን ገይሮም ክልእኹ ኣለዎም።
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ዓረብኛ:- ጋይዳንስ ኦቭ ጎድ፣ እንግሊዝኛ:- ናይ 2000 ዓውደ-ኣዋርሕ፣ ፈረንሳይኛ:- ናይ 2000 ዓውደ-ኣዋርሕ፣ ኢንዴክስ 86-95።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋት:- እንግሊዝኛ:- ኦል ስክሪፕቸርስ፣ ክሪኤሽን፣ ኣዋር ሚንስትሪ፣ ጉድ ኒውስ ፎር ኦል ኔሽንስ፣ ኢንዴክስ 30-85 ከምኡውን 86-95፣ ናይ መጽሔት ፋይል፣ ጥርሑ ናይ ካሴት ኣልቡም። ኣውድዮ ካሴታት:- ሓጐስ ስድራቤት፣ ጂሆቫስ ጃጅመንት ኣገይንስት ሎውዲፋይን ፒፕል፣ ፕሪዘርቪን ላይፍ ኢን ታይም ኦቭ ፈሚን፣ ዘፍጥረት። ሶማልኛ:- ብምንባር ተሐጐሱ።