ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
10 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 107
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮና ተባሂሉ ብፍታው ዝግበር ወፈያ ከም እንቕበል ብምጥቃስ መጽሔት ብኸመይ ከም እንዕድል ዘርኢ መርኣያ ኣቕርብ። እቲ በዓል ቤት ወፈያ ከም ዝህብ ግበር።
15 ደቒቕ:- “ስም የሆዋ ኣብ ኵላ ምድሪ ከም ዝፍለጥ ምግባር።” ብሕቶን መልስን ዝቐርብ ምይይጥ። ብዛዕባ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 93-4 ዝርከብ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- ብዘይ ደም ንዝግበር ሕክምና ሕጋዊ ምርጫ ምግባር። (ግብ. 15:28, 29) ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ዘቕርቦ ዝርርብ። ድሕሪ እዚ ኣኼባ እዚ እቶም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ሓድሽ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ዘይተጠምቁ ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለዉዎም ወለዲ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝኸውን ወረቐት መንነት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ካርድ እዚ ሎሚ ምሸት ኣይኰነን ዝምላእ። ኣብ ገዛ ብጥንቃቐ ክምላእ ኣለዎ: ክፍረመሉ ግን የብሉን። ክታም: ምስክርነት: ከምኡውን ዕለት ናይቲ ካርድታት ድሕሪ እታ ቐጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ናይቲ መራሒ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኢዩ ዝግበር። ክታም ቅድሚ ምንባርኩም እቲ ካርድ ከም እተመልአ ኣረጋግጹ። እቶም ከም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ እቲ ወናኒ ናይቲ ሰነድ ክፍርም ከሎ ክርእይዎ ኣለዎም። ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ካብዚ ካርድ እዚ ሓሳባት ብምውሳድ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ኵነታትን ምርዳእን ብምስምማዕ: ንገዛእ ርእሶምን ደቆምን ዝኸውን መምርሒ ክጽሕፉ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብ ጕጅለኦም ዝርከቡ ኵሎም ኣሕዋት ነቲ ናይ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሕን ወረቐት መንነትን ኣብ ምምላእ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ከረጋግጹ ኣለዎም።
መዝሙር 155ን መዕጸዊ ጸሎትን
17 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 12
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ነታ “ጽሑፋትና ብጥበብ ንጠቐመሉ” እትብል ዓንቀጽ ተመያየጠላ።
20 ደቒቕ:- “ዝርርብ ንምጅማር ትራክትታት ተጠቐም።” ኣብቲ ዞባ ብብዝሒ ንእትጥቀሙለን ሰለስተ ትራክት ተመያየጠለን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትራክት መልሲ ዝወሃባ ሓንቲ ሕቶ ሕተት። እታ ሕቶ ዝርርብ ንምጅማር ምናልባት እውን ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ብኸመይ ከም እትጠቅም ሰማዕቲ ሓሳባት ክህቡ ዓድሞም። እዚ ብኸመይ ክዕየየሉ ከም ዝኽእል: ብኽልተ ትራክትታት ተጠቒምካ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 57ን መዕጸዊ ጸሎትን
24 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 110
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት እተረኽበ ተመክሮን።
15 ደቒቕ:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንቓል የሆዋ መርምሮ!” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር— 2000 እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ብግቡእ ክጥቀመላ ኣተባብዕ። ካብቲ ኣብ ገጽ 3-4 ዘሎ መቕድም ዝርከብ ሓሳባት እውን ኣቕርብ። ነቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ጥቕስን ሓሳባቱን ንምንባብ ዝገብርዎ ፍሉይ ጻዕሪ ክገልጹ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- “ሓቀኛ ትሕትና ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧” ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 3-7 ተመርኲሱ ዘቕርቦ ዝርርብ። ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ተግባራዊ ኣወዓዕልኡ ግለጽ:- ጌጋኻ ምእማን: ንዘርኣኻዮ ሕማቕ ባህርይ ይቕረታ ምሕታት: ምስ ትሑት ደረጃ ዘለዎም ሰባት ምቅርራብ: ካብቲ ‘ክፍሊ ባርያ’ ዝወሃብ መምርሒ ምቕባል: ዘይትፈልጦ ወይ ዘይተረዳእካዮ ነገር እንተሎ ከም ዘይትፈልጦ ምቕባል: ዘይምጅሃር: ትሑት ስራሕ ዘይምንዓቕ።
መዝሙር 157ን መዕጸዊ ጸሎትን
31 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ጥሪ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
15 ደቒቕ:- መልሲ ናይቲ ብዛዕባ ‘ምልክት ምግባር’ ዝለዓል ሕቶታት። ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29-31 ተመርኲሱ ዘቕርቦ ዝርርብ።
18 ደቒቕ:- ካልኦት ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ንኸለልዩ ብኸመይ ከም እንሕግዞም። ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤን ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕትን ሰባት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቖም ከም ዝምሰጡ እንተዀነ ግን ኣብ መንጎ ሃይማኖቶምን ሃይማኖትናን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ከም ዘይርድእዎ ይመያየጡሉ። ኣብ ናይ 8 ግንቦት 1995 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 20 ዘሎ ዓሰርተ ነጥብታት ሸፍን። ቅኑዓት ሰባት ነዘን ረቛሒታት እዚኣተን ምፍላጦም ኣብ መንጎ ሓቀኛን ናይ ሓሶትን ኣምልኾ ዘሎ ፍልልይ ንኽመምዩ ከምኡውን ካብ ህዝቢ የሆዋ ክማሃሩን ምስኦም ክሓብሩን ኣድላዪ ምዃኑ ንኽፈልጡ ብኸመይ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ግለጽ።
መዝሙር 60ን መዕጸዊ ጸሎትን
7 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 113
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
17 ደቒቕ:- ነታ ትንቢት ዳንኤል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ግለጻ። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኣብታ ሓዳስ መጽሓፍ ጐሊሑ ዝርአ እዚ ዝስዕብ ነገራት ኣቕርብ:- ዝምስጥ ኣርእስትታት: ዝስሕብ ስእልታት: ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዝርከብ ዘመራምር ሕቶታት ዝሓዘ ሳጹናት: ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ ካርታታትን ሰሌዳታትን። ሚካኤል ብፍሉይ መገዲ ብኸመይ ከም ‘ዝትንስእ’ ዝገልጽ ዘተባብዕ መብርሂ ኣቕርብ። (ገጽ 288-90) ከም መምህራን ናይ ቃል ኣምላኽ መጠን ምጽማም ኣድላዪ ምዃኑ ተመያየጠሉ። (ገጽ 311-12) ኵላትና ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብጥንቃቐ ከነንብባ: ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ከኣ ንኸንብቡዋ ከነተባብዖም ኣሎና።
20 ደቒቕ:- ጥበባዊ ምርጫ ገይሮም። ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-21 ቍጽሪ 3-16 ተመርኲሱ ዝቐርብ ዝርርብ። ፓይነራት ንህይወቶም ዝያዳ ዅሉ ዋጋ ብዘለዎን ጠቓምን ብዝዀነ መገዲ ይጥቀምሉ ምህላዎም ዝሕብር እተዛረብዎ ነገር ጥቐስ። ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ፓይነር ንምዃን ዘለዎም ኣጋጣሚ ክግምግሙ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 182ን መዕጸዊ ጸሎትን