ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/02 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 18 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 25 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 4 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 2/02 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

11 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 18 (162)

12 ደቒቕ:- ናይ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ነቲ 25 ለካቲት ኣብ እትጅምር ሰሙን እንገብሮ ምይይጥ ንምድላው ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘፍጥረት 6:⁠1 ክሳዕ 9:⁠19 ከንብቦ ወይ ሕልፍ ሕልፍ ክብሎ: ነታ ኖዋህ​—⁠ሂ ዎክድ ዊዝ ጎድ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ድማ ክርእያ ኣተባብዕ።

20 ደቒቕ:- “ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። (ቍጽሪ 1-​13) ብኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዝቐርብ። ኣብ መጋቢትን ብድሕሪኡን እንታይ ክንዓምም ከም እንደሊ ዝሕብር ውዕዉዕ ምይይጥ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኣገልግሎት ዝከኣሎ ንምግባር በቲ ኣብቲ እታው ወጺኡ ዘሎ ዓውደ⁠-​ኣዋርሕ ገይሩ ኽዓየሉ ዝኽእል መደብ ከውጽእ ኣለዎ። ዝኽእሉ ዘበሉ ዅሎም ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ኣተባብዕ። ቍጽሪ 7-8 ክትመያየጠለን ከሎኻ ኣብ ዝሓለፈ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ዝረኸብዎ በረኸት ክገልጹ ዓድሞም። ድሕሪ ኣኼባ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ወረቐት ክረኽቡ ኸም ዝኽእሉ ሓብሮም።

13 ደቒቕ:- “መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል።” ኣስፋሕቲ ኣብዚ ጽንኩር ዘመን ዘጋጥም ጸገማት ምስቲ ዓንቀጻት ብምትሕሓዝ ብዝሓሸ መገዲ ንኽዳለዉ እዛ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትወጽእ ዓንቀጽ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶም ንኽገልጹ ሕተቶም። ንሰባት ብምጽንናዕን ኣጸጋሚ ንዝዀነ ሕቶታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መልሲ ብምሃብን ገሊኣቶም እንታይ ተመክሮታት ረኺቦም፧ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደል ክልተ ሓጺር መርኣያታት ኣቕርብ፣ እቲ በዓል⁠-​ቤት ወፈያ ኽገብር ከም ዝኽእል ይጠቐስ።

መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 23 (200)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

ነ12 ደቒቕ:- “ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ኣዝዮም ሕጉሳት ሰባት።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 6 ዝርከብ “ናብ ሓጐስ ዝመርሕ ስጕምትታት” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርብ።

25 ደቒቕ:- “ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። (ቍጽሪ 14-​23) ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ተወሳኺ ንጥፈታት ንምግባር ዝወጸ ፍሉይ መደባት ግለጽ። እዚ መፈለምታ ናይ ፍሉይ ወፈራ ዞባ ኸም ዝዀነ ጥቐስ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ንኽግበር ዝወጸ መደብ ብምልኡ ጥቐሶ። ነቶም ዝዛሕተሉ ምንቕቓሕ ከምኡውን ቈልዑን ጽንዓታትን ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ ምሕጋዝን ኣተኵረሉ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን መነመን መመልከቲ ወረቐት ከም ዝመልኡ ንገር: ካልኦት ነዚ ብጸሎት ክሓስብሉ እውን ኣተባብዕ።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ክልተ ሕጽር ዝበለ ናይ መጽሔት ኣቀራርባ ኣርኢ። ሓዲኡ መርኣያ ብመንእሰይ ከም ዝቐርብ ግበር። ኣስፋሕቲ ናይ ለካቲት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር።

15 ደቒቕ:- “ቪድዮታት ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎ ጽልዋ።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሸሞንተ ቪድዮታት ተመያይጥናሉ ኣሎና። ኣብቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት ድሕሪ ምምይያጥ: ነቲ ቪድዮታት ንኻልኦት ብምርኣዮም እንታይ ኣሳልጦ ኸም ዝረኸቡ ኣስፋሕቲ ኽገልጹ ሕተቶም።

15 ደቒቕ:- “ኵሉ ሰብ ካብታ ኖዋህ​—⁠ሂ ዎክድ ዊዝ ጎድ ዘርእስታ ቪድዮ ኽመሃር ይኽእል ኢዩ።” በቲ ኣብ ገጽ 7 ቐሪቡ ዘሎ ሕቶታት ጥራይ ገይርካ ብቐጥታ ብዛዕባ እታ ቪድዮ ምስ ሰማዕቲ ምይይጥ ግበር። ኣብ ሚያዝያ ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ​—⁠ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ክንመያየጠላ ኢና።

መዝሙር 25 (204)ን መዕጸዊ ጸሎትን

4 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 9 (37)

5 ደቒቕ:- ናይ ጉባኤ ምልክታታት።

12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

12 ደቒቕ:- ጽንዓታት ንምጅማር መጽሓፍ ፍልጠት ተጠቐመላ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ንደሊ ኢና። ኣብ ናይ ነሓሰ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ቍጽሪ 8 ወጺኡ ዘሎ ተመክሮ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣዘንቱ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይሩ ጽንዓት ዝጀመረ እንተሎ ነዚ ብመልክዕ ተዋስኦ የቕርቦ። ብዛዕባ እታ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዝወጸት “መጽሓፍ ፍልጠት ንምብርካት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣዘኻኽር። በዛ መጽሓፍ እዚኣ ገይርካ ኣብ ገጽ 6 ናይታ እታው ካብ ዝወጸ “ቐጥታዊ ኣቀራርባ” ብሓዲኡ መርኣያ ኣቕርብ።

16 ደቒቕ:- “ብዘይ​ምቍራጽ እንሰብኽ ስለምንታይ ኢና፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ንነዊሕ ዓመታት ክሰብኩ ንዝጸንሑ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ብዝግበር ቃለ⁠-​መጠይቕ ዛዝም። ነዚ ዕዮ እዚ ንምንታይ ከይተሓለሉ ኸም ዝዓየዩን ብኸመይ ከም ዝጠቐሞምን ስምዒቶም ከም ዝገልጹ ግበር።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ