ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/02 ገጽ 1
  • ምስ የሆዋን ወዱን ብሓጐስ ዝሓበሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ የሆዋን ወዱን ብሓጐስ ዝሓበሩ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ በዓል ዝኽሪ እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ነቲ በጃ ብሞሳ ምዝካሩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዝኽሪ ሞት የሱስ 2 ሚያዝያ ኺበዓል እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 3/02 ገጽ 1

ምስ የሆዋን ወዱን ብሓጐስ ዝሓበሩ

እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ፍጻመ ናይዛ ዓመት እዚኣ 28 መጋቢት ክውዕል ኢዩ

1 ነቲ 28 መጋቢት 2002 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝውዕል ድራር ጐይታ ብምብዓል: ምስ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዘሎና ዘሐጕስ ሓድነት ነርኢ ኢና። ኣብዚ ኣዝዩ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ እቶም ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ምስ ካልኦት ወረስቲ እታ መንግስቲ: ምስ ኣቦ: ከምኡውን ምስ ወዱ ዘለዎም “ሕብረት” የስተማቕርዎ ኢዮም። (1 ዮሃ. 1:⁠3፣ ኤፌ. 1:⁠11, 12) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕውን” ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ኣብ ምፍጻም ምስ የሆዋን ወዱን ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ብምዃን ንኽሓብሩ ዘለዎም ፍሉይ መሰል ከስተንትንሉ ኢዮም!​—⁠ዮሃ. 10:⁠16

2 ብጥብቂ ርክብ ሓቢርካ ምዕያይ:- የሆዋን የሱስን ወትሩ ብሓጐስ ምስ ሓበሩ ኢዮም። ሰባት ከይተፈጥሩ ንማእለያ ዘይብሉ ዘመናት ጥብቂ ርክብ ነይርዎም ኢዩ። (ሚክ. 5:⁠2) ስለዚ ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ይፋተዉ ኢዮም። እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ: ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምምጽኡ ብጥበብ ተመሲሉ “[በ]የዕለቱ [ንየሆዋ] ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” በለ። (ምሳ. 8:30) ወዲ ኣምላኽ ምስቲ ምንጪ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ መስሪቱ ማእለያ ዘይብሉ ግዜ ምሕላፉ ዓብዪ ጽልዋ ገይሩሉ ኢዩ!​—⁠1 ዮሃ. 4:⁠8

3 የሆዋ ነቲ እንኮ ተስፋ ድሕነትና ዝዀነ በጅነታዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኸዳልወልና ነቲ ተድላኡ ብደቅ​ሰብ ዝነበረ ሓደ ወዱ መረጾ። (ምሳ. 8:⁠31) ልክዕ ከምቲ የሆዋን ወዱን ሓደ ዕላማ ኣብ ምፍጻም ዝሓበሩ: ንሕናውን ፍቓድ ኣምላኽ ተሓጒስና እናፈጸምና ምሳታቶምን ንሓድሕድናን ብድልድልቲ ፍቕሪ ሓቢርና ኢና።

4 ልባዊ ሞሳና ምርኣይ:- ኣብ በዓል ዝኽሪ ብምእካብን ነቲ ዝበሃል ተጠንቂቕና ብኣኽብሮት ብምስማዕን ንፍቕሪ የሆዋን ንመስዋእቲ ወዱን ዘሎና ናይ ሓቂ ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ዝገደፈልና ፍቕራዊ ኣብነት: በጃ ንክኸውን ኢሉ ኽሳዕ ሞት ዘርኣዮ ተኣማንነት: ንጉስ ናይታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን እተዋህቦ ግዝኣት: ከምኡውን እታ መንግስቲ ንደቅ​ሰብ እተምጽኦ በረኸታት ክጐልሕ ኢዩ። ብተወሳኺውን “ነታ ሓቂ መዓይይታ” ኸም ምዃንና መጠን ምስ ፍቓድ የሆዋ ተሰማሚዕና ብቕንኢ ብምዕያይ ወርትግ እምነት ከነርኢ ኸም ዘድልየና ኽንዘኻኸር ኢና።​—⁠3 ዮሃ. 8፣ ያእ. 2:⁠17

5 ካልኦት ምሳና ንኽእከቡ ምሕጋዞም:- ኣካል ሽማግለታት ኣብ ዞባኦም ዝርከቡ ዅሎም ዝዛሕተሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምእንቲ ኽእከቡ ንምትብባዖም ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብሩ ኣለዎም። (ማቴ. 18:⁠12, 13) ዋላ ሓደ ኻብቶም ክትበጽሕዎም ዝሓሰብኩም ምእንቲ ኸይርሳዕ ዝርዝር ኣስማቶም ጸሓፉ።

6 ናብዚ በዓል ዝኽሪ ኽመጹ ዝኽእሉ ካልኦት ሰባት ትፈልጥዶ፧ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ሞሳ ንኸሕድሩ ተበግሶ ወሲድካ ሓግዞም። ምዉቕ ዕድመ ኣቕርበሎም። ንዅሎም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም: ካልኦት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት: ኣባላት ስድራ​ቤት: ከምኡውን እንፈልጦም ሰባት ናብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ናይዛ ዓመት እዚኣ ንምዕዳም ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። ረብሓታት ናይቲ በጅነት “እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ” ንእተማህረ ዘበለ ኽፉት ኢዩ። (ፊል. 3:⁠8) እቶም ኣብ ክርስቶስ ዝኣምኑ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ዮሃ. 3:⁠16

7 በዓል ዝኽሪ ኣብ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣብ ደሴት ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝነብሩ 11 ተገደስቲ ኣብዚ በዓል ንኽእከቡ ኢሎም ብሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ገይሮም ማዕበል ኣብ ዝመልኦ ባሕሪ ን17 ሰዓታት ተጓዕዙ። ስለምንታይ፧ “በዓል ዝኽሪ ክርስቶስ ምስቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ኴንና ኸነብዕሎ ስለ እንደሊ ኽንድዚ ዝኣክል እንተ ተጓዓዝና ግቡእ ኢዩ” በሉ። እዞም ተገደስቲ ዘርኣይዎ ቕንኢ ከምኡውን ምስ የሆዋን ወዱን ኣሕዋትን ብሓጐስ ንምሕባር ዘለዎም ሞሳ እሞ ሕሰብ ኣብሎ!

8 ንዅሎም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ዓድሞም። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽእከቡን ነታ ዝማሃርዋ ሓቂ ንኻልኦት ከካፍሉን ኣተባብዓዮም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራ ህይወቶም ብምውዓል ‘ብብርሃን ንኽመላለሱን ሓቂ ንኽገብሩን’ ሓግዞም። (1 ዮሃ. 1:⁠6, 7) ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኸማዕብሉን ነቲ ብሕብረት ፍቓዱ ንምግባር ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል ሞሳኦም ከዕብዩን ደግፎም።

9 ‘ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ እናተጋደልና: ብሓደ መንፈስ’ ብሓጐስ ክንሓብርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ! (ፊል. 1:​27, 28) ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንየሆዋን ወዱን መማሰውቲ ብምዃን ኣብቲ 28 መጋቢት ዝውዕል በዓል ዝኽሪ ዝህልወና ባህ ዘብል ሕውነታዊ ሕብረት ብሃንቀውታ ንጸበዮ!​—⁠ሉቃ. 22:⁠19

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ