ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/02 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 18 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 25 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 1 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 3/02 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

11 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 12 (113)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ጌርካ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም እትዕድል ዝሕብር ኽልተ መርኣያ ኣቕርብ።

15 ደቒቕ:- ክርስትያናዊ ገለልትነትና ሓሊና ምምልላስ። ብሓደ ኽኢላ ሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ስኩል ኤንድ ጂሆቫስ ዊትነስስ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከም እተድሊ ኣዘኻኽሮም። ሓርበኝነት ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ከምኡውን ኣብ ጐረባብቲ ዝንጸባረቕ ልሙድ ተርእዮ ዀይኑ ኣሎ። ንሕና ግን ነቲ ንኣድማሳዊ ሉዓላውነት ዝምልከት ብድሆን ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ንግንዘቦ ኢና። ኣብ ሃገራዊ ንጥፈታት ንምንታይ ከም ዘይንካፈል ንኻልኦት ብሜላ ኽንገልጸሎም ከሎና: ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ተስፋ እውን ከነካፍሎም ኣሎና። ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ ኤንድ ኢዱኬሽን ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-4 “ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ከምኡውን መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 274-5 ኣብ ናይ ሓርበኛታት ጽምብላት ንምንታይ ከም ዘይንሳተፍ ይገልጽ ኢዩ። ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ጥቐሶ: ወለዲ ነዚ ትምህርቲ እዚ ምስ ደቆም ተጠንቂቖም ክደግምዎ ኣተባብዓዮም። ኣብ ገጽ 20 ናይታ ብሮሹር ዝርከብ ተመክሮታት ኣዘንቱ። ንዮሃንስ 6:⁠15፣ 17:⁠16፣ 18:⁠36 ከምኡውን ያእቆብ 4:⁠4 ኣንብብ። ነዚ ስርዓታት እዚ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ከምኡውን ኣብ ሃገራውን ቀቢላውን ግጭት ወገን ዘይምሓዝ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ሓብር። ንስልጣን መንግስቲ ኣኽብሮት እናሃብና ንየሆዋ ምሉእ ዘይጕዱል ተወፋይነት ኽንህቦ ኸም ዘድሊ ኣጕልሕ።

20 ደቒቕ:- “ብሰናይ ግብሪ ሃብትም።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ። ነቲ ኣብ 28 መጋቢት ዝውዕል በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበር ምድላዋት ኵላቶም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈሉ ኣተባብዕ። እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ብዝበለጸ መገዲ ብኸመይ ክትጥቀሙሉ ኸም እትኽእሉ ተመያየጥ። ኣስፋሕቲ ንኣዝማዶም: ጐረባብቶም: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ንኻልኦት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ናይ ዓሚ በዓል ዝኽሪ ንኽእከቡ ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎምን እንታይ ሓጐስ ከም ዝረኸቡን ንኸዘንትዉ ዓድሞም። ኵሎም ዓቕሞም ዝፈቕደሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነር ኰይኖም ከገልግሉን መሕተቲ ቕጥዒ ኽወስዱን ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 10 (82)ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 29 (222)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነታ “ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት” እትብል ኣቕርባ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር​—⁠2002 ዝርከብ ካብ 23-28 መጋቢት ክንበብ እተመደበ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ኣተባብዕ።

15 ደቒቕ:- “ምስ የሆዋን ወዱን ብሓጐስ ዝሓበሩ።” ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ዘነቓቕሕ ዝርርብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኻብ ሕጂ ኣትሒዞም ክሳዕ 28 መጋቢት ብእተኻእሎም መጠን ብዙሓት ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ዝከኣሎም ኽገብሩ ኣተባብዕ።

20 ደቒቕ:- ንደቅኹም መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጥቀሙ ኣሰልጥንዎም። ቀዳማይ ጴጥሮስ 3:⁠15 ብምንባብ ጀምር። ድሕሪኡ ንወለዲ “ደቅኹም ክርስትያናዊ ኣቕዋሞም ክገልጹ ኸለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝጥቀሙ ይፈልጡ ድዮም፧” ኢልካ ሕተቶም። ንነኣሽቱ ኸኣ “ውሳነኹም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገልጹ ትኽእሉ ዲኹም፧” ኢልካ ሕተቶም። ድሕሪኡ ኻብቲ ኣብ ገጽ 9-11 ናይታ ስኩል ኤንድ ጂሆቫስ ዊትነስስ ዘርእስታ ብሮሹር “ቅኑዕ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝርከብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ነጥብታት ብሕቶን መልስን ኣቕርቦ። ካብኡ ኣብነታውያን ንኣሽቱ ኣስፋሕቲ ኣብ ገጽ 12-15 ናይዛ ብሮሹር ብምምርኳስ ብዛዕባ ናይ ውልቀ⁠-​ሰባት መዓልቲ ልደት: ብዛዕባ በዓል ልደት: ከምኡውን ብዛዕባ በዓል ትንሳኤ ዝምልከት ዘለዎም ኣቕዋም ዝገልጹሉ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ ሰለስተ ሕጽር ዝበለ መርኣያታት ኣቕርብ። ኵላቶም ዘጽንዕዎን ዘስመሩሉን ቅዳሕ እዛ ብሮሹር ክሕዙ ኣተ​ባብዓዮም።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 22 (130)

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ግዜ ኸም ዘሎ ግለጽ። ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ኣቀራርባታት ጌርካ ክልተ ናይ መጽሔት ኣቀራርባ ኣርኢ፣ ጥቕሲ ኸም ዝንበብ ከኣ ግበር። ወፈያ ኽግበር ከም ዝከኣል ክጥቀስ ኣለዎ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ናይቲ ኣቀራርባ ኣወንታዊ ጐድንታት ጥቐስ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ። ካብታ “ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ” እትብል ኣርእስቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ኣቕርብ።

18 ደቒቕ:- “ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ​—⁠ሰላም ከም ዝህሉ ዝገብር ባህርይ።” ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2000 ገጽ 21-24 እተመርኰሰ ግብራዊ ኣወዓዕላኡ ብምግላጽን እተወሰነ ናይ ድግማ ሕቶታት ብምሕታትን ዝቐርብ ዝርርብ።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

1 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

7 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ መጋቢት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር።

18 ደቒቕ:- “ ‘ውህበት ሰብኡት’ ንመጓሰ ኣምላኽ ብታሕጓስ ይጓስዩ።” ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ተመያየጠሉ። ነቶም ዝዛሕተሉ ጕስነት ምግባር ከምኡውን ነቶም ኣካላዊ ጸገም ዘለዎም ዝከኣሎም ንኽገብሩ ምሕጋዝ እንታይ ኣወንታዊ ፍረ ኸምጽእ ከም ዝኽእልን ከም ዘምጽእን ግለጽ። ፈቃራት ጓሶት ንዅሉ እቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ኰይኖም ክቕጽሉ ኢሎም ዝገብርዎ ልባዊ ጻዕሪ ሞሳ የርእዩ ኢዮም።

20 ደቒቕ:- “ካብ ስብከት እትረኽቦ ሓጐስ ከም ዝውስኽ ግበሮ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 5 ኽትመያየጠላ ኸሎኻ ኣብ ናይ ጉባኤና ዞባ ነዚ ብዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንምፍጻሙ ዝሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ክህቡ ሕተቶም። ነቲ ናይ ዞባ ኣገልጋሊ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ፍሉይ ናይ ዞባ ወፈራ ኽሳዕ ክንደይ ዞባታት ከም እተሸፈነ ኽሕብረካ ሕተቶ። ንሓደ ሰብ ሕጽር ዝበለ ምስክርነት ንምሃብ ብኸመይ ተበግሶ ኸም እንወስድ ዘርኢ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያ ኣቕርብ። ኵላቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ንምምስካር ኣጋጣሚታት ክፈጥሩ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 2 (15)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ